ስርዓተ ቅዳሴ ኣብ ቤት መስተ ዘካየዱ ካህን

ምንጪ ስእሊ, ADRIENNE CLARKE
ኣብ ኣየርላንድ ሓደ ቀሺ፡ ቅዳሴ ሰንበት ዘካይድሉ ቦታ ብምስኣኖም፡ ንሓንቲ እንዳ መስተ ናብ ግዝያዊት ቤትመቅደስ ከም ዝቐየርዋ ተገሊጹ።
ማይክል ኩሳክ ኣብ ላክሰምበርግ ሰባኺ ካህን እዮም።
ቤተ ክርስቲያኖም ንጽገና ምስ ተዓጽወት፡ ቅዳሴ ሰንበት ኣበይ ከም ዘካይዱ ተጸጊሞም ከም ዝነበሩ ይገልጹ።
"ዓቢ ጉባኤ ኣለና፡ ብቑጽሪ ልዕሊ ሽሕ። ኣብዚ [ላክሰምበርግ] ሓያሎ ኣብያተ ክርስቲያን ፈቲሸ ግዜ ግን ክጠዓዓም ኣይከኣለን።"
ኣማራጺ ቦታ ምርካብ ዘይከኣል ዕማም ክመስል ጀሚሩ፡ ሓደ ብጻዮም ግን ንወነንቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣየርላንዳዊ ቤት መስተ ጠቊምዎም።
"ቁጽሪ ቴለፎን ረኺበ ደዊለሎም" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, ADRIENNE CLARKE
መበቆሎም ካብ ስሊጎን ሎውትን ዝዀኑ ኣድሪየንን ቪንሰንት ክላርክን ኣብ ማእከል ከተማ ላክሰምበርግ ዝርከብ ቤት መስተ ኤየርላክስ የመሓድሩ።
ኣድሪየን ንበዓል ኣብ ላንዛሮት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዘይተጸበየቶ ቴለፎን ተደዊሉላ።
"ኣብ በዓል ይዛነ ነይረ" ትብል። ናይቶም ካህን ጸገም ድሕሪ ምስማዕ ክትሕግዝ ተሰማሚዓ።
ቀሺ ሚካኤል፡ ክሳዕ ካልእ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ቦታ ዝረኽቡ ኣብታ ቤት መስተ ንኽልተ ተኸታታሊ ሰንበት ቅዳሴ ኣካይዶም።

ምንጪ ስእሊ, ADRIENNE CLARKE
እታ ቤት መስተ ሰንበት ሰንበት ትዕጾ እያ፡ ቀሺ ሚካኤል ግን "ድሕሪ ካልኣይ ቅዳሴ" ከም ዝተኸፍተን "ቁሩብ ጊነስ [ቢራ]" ከም ዝሰተዩን ገሊጾም።
ኣቕራቢት መደብ ቢቢሲ ሳራ ብሬት፡ 'እቲ ሃገረ ስብከት በቲ ዘይንቡር ዛንታ ሓፊሩ ድዩ' ክትብል ሓቲታቶም።
"ከምኡ ክበሃል ዘለዎ ይመስለኒ ግን ምናልባት ብፖለቲካዊ መዳይ ከምኡ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ይብሉ።
ወሲኾም፡ "ንሳቶም [ሃገረ ስብከት] ግን ቦታ ብዘይምርካብና ተቖጢዖም" ኢሎም።
"ደስ ዝብል ድሕሪ ቀትሪ ኣሕሊፍና፡ ቁሩብ ዘሚርና። ህይወት ትቕጽል።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







