ስርዓተ ቅዳሴ ኣብ ቤት መስተ ዘካየዱ ካህን

ማይክል ኩሳክ ሰባኺ ካህን እዮም

ምንጪ ስእሊ, ADRIENNE CLARKE

መግለጺ ስእሊ, ማይክል ኩሳክ ሰባኺ ካህን እዮም

ኣብ ኣየርላንድ ሓደ ቀሺ፡ ቅዳሴ ሰንበት ዘካይድሉ ቦታ ብምስኣኖም፡ ንሓንቲ እንዳ መስተ ናብ ግዝያዊት ቤትመቅደስ ከም ዝቐየርዋ ተገሊጹ።

ማይክል ኩሳክ ኣብ ላክሰምበርግ ሰባኺ ካህን እዮም።

ቤተ ክርስቲያኖም ንጽገና ምስ ተዓጽወት፡ ቅዳሴ ሰንበት ኣበይ ከም ዘካይዱ ተጸጊሞም ከም ዝነበሩ ይገልጹ።

"ዓቢ ጉባኤ ኣለና፡ ብቑጽሪ ልዕሊ ሽሕ። ኣብዚ [ላክሰምበርግ] ሓያሎ ኣብያተ ክርስቲያን ፈቲሸ ግዜ ግን ክጠዓዓም ኣይከኣለን።"

ኣማራጺ ቦታ ምርካብ ዘይከኣል ዕማም ክመስል ጀሚሩ፡ ሓደ ብጻዮም ግን ንወነንቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣየርላንዳዊ ቤት መስተ ጠቊምዎም።

"ቁጽሪ ቴለፎን ረኺበ ደዊለሎም" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣድሪየንን ቪንሰንት ክላርክን ዘይንቡር ሕቶ ቀሪቡሎም

ምንጪ ስእሊ, ADRIENNE CLARKE

መግለጺ ስእሊ, ኣድሪየንን ቪንሰንት ክላርክን ዘይንቡር ሕቶ ቀሪቡሎም

መበቆሎም ካብ ስሊጎን ሎውትን ዝዀኑ ኣድሪየንን ቪንሰንት ክላርክን ኣብ ማእከል ከተማ ላክሰምበርግ ዝርከብ ቤት መስተ ኤየርላክስ የመሓድሩ።

ኣድሪየን ንበዓል ኣብ ላንዛሮት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዘይተጸበየቶ ቴለፎን ተደዊሉላ።

"ኣብ በዓል ይዛነ ነይረ" ትብል። ናይቶም ካህን ጸገም ድሕሪ ምስማዕ ክትሕግዝ ተሰማሚዓ።

ቀሺ ሚካኤል፡ ክሳዕ ካልእ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ቦታ ዝረኽቡ ኣብታ ቤት መስተ ንኽልተ ተኸታታሊ ሰንበት ቅዳሴ ኣካይዶም።

እታ ቤት መስተ ጊነስ ዝተበሃለ ቢራ ተቕርብ

ምንጪ ስእሊ, ADRIENNE CLARKE

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቤት መስተ ጊነስ ዝተበሃለ ቢራ የቕርብ

እታ ቤት መስተ ሰንበት ሰንበት ትዕጾ እያ፡ ቀሺ ሚካኤል ግን "ድሕሪ ካልኣይ ቅዳሴ" ከም ዝተኸፍተን "ቁሩብ ጊነስ [ቢራ]" ከም ዝሰተዩን ገሊጾም።

ኣቕራቢት መደብ ቢቢሲ ሳራ ብሬት፡ 'እቲ ሃገረ ስብከት በቲ ዘይንቡር ዛንታ ሓፊሩ ድዩ' ክትብል ሓቲታቶም።

"ከምኡ ክበሃል ዘለዎ ይመስለኒ ግን ምናልባት ብፖለቲካዊ መዳይ ከምኡ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ይብሉ።

ወሲኾም፡ "ንሳቶም [ሃገረ ስብከት] ግን ቦታ ብዘይምርካብና ተቖጢዖም" ኢሎም።

"ደስ ዝብል ድሕሪ ቀትሪ ኣሕሊፍና፡ ቁሩብ ዘሚርና። ህይወት ትቕጽል።"