ግጭት ሱዳን፡ ኣስታት 200 ሰባት ቀቲሉ ዘሎ ወግእ ሰሉስ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ወግእ ሓድሕድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።
ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም፡ ኣብ ከባቢ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ከቢድ ነትጒ ተሰሚዑ።
ዛጊት ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ።
መራሕቲ ክልቲኦም ሓይልታት ሎሚ ምሸት ዝጅምር ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ከምዝተሰማምዑ'ኳ ይገልጹ እንተለዉ፡ ገለ ክፋል ሰራዊት ሱዳን ግን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘየለ ኣቐድም ኣቢሉ ገሊጹ ነይሩ።
ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሓይልታት ወሃቢ ህጹፍ ደገፍ፡ ንገያሾ ወጻእተኛታትን ንሰብኣዊ ሓገዝ መተሓላለፊ ውሑስ መስመራት ንምኽፋት ምእንቲ ኽከኣል ን24 ሰዓታት ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣባላት ተወርዋሪ ወሃቢ ደገፍ ሓይልታት ኣብ ገለ ከባቢታት ካርቱም ዝምታ ከምዘካየዱ ነበርቲ ሓቢሮም።
ሓደ ብራርያ ጥይይት ዝቐተሎ ተመሃራይ ኣብቲ ዝነበረሉ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተቐበረ ሰብመዚ ተዛሪቦም።
ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ምቁራጹ ንነበርቲ ተወሳኺ ጸገም ኮይኑ ከምዘሎ ገለ ነበርቲ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ገለ ኣካውንትታት ትዊተር ሱዳን ብሓይልታት ጀነራል ሕሜቲ ከምዝተጨወዩን፡ ንምስሊ ናይቶም ሓይልታት ዘመላኽዕ ትሕዝቶ ይዝርግሑ ከምዘለዉን ተገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ወተሃደራት ሃገሩ ንስልጠና ዝኸዱ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ጸግዒ ናይ ዝኾነ ወገን ከምዘይወስዱ ተዛሪቡ።
ብጀነራል ሕመድቲ ዝምርሑ ሓይልታት ኣብቲ ኣብ ከተማ መሮወ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሱዳን ወተሃደራት ግብጺ ከምዝጸንሕዎም ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ከዘራርብ ቀንዩ ነይሩ።
“ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ነዞም ሓይልታትና ከነውጽኦም ተስፋ እገብር” ክብል ኣል-ሲሲ ንላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።
ግብጺ ኣብ “ውሽጣዊ ጉዳያት” ሱዳን ኢዳ ከምዘይተእቱ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ “ተዂሲ ደው ንኸብሉ ንምትብባዕ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ክወስድ ከምዝኽእል ጠቒሱ።
ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ
ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚራ ኣብ ግጭት እትርከብ ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
ንዋዕላ ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማስያዊ ቃፍላይ ኣሜሪካ ጥይት ከም ዝተተኮሰን ኰይኑ ግን ዝተጎድአ ሰብ ከም ዘየለን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
"እዚ ስጉምቲ ሸለልትነት ዝመልኦ፡ ዘይሓላፍነታውን ብርግጽ ውሑስ ዘይኮነን'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።
ኣቐዲሙ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣይዳን ኦሃራ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ገዝኡ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ ሚከል ማርቲን፡ ኣብ ኦሃራ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ "ዲፕሎማሰኛታት ናይ ምክልኻል ግዴታታት ብዘሕዝን ኣገባብ ዝጠሓሰ" ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣምባሳደር "ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ንኤውሮጳዊ ሕብረት ዘገልግል ዘሎ ብሉጽ ኣየርላንዳውን ኤውሮጳውን ዲፕሎማት" ምዃኑ ሓቢሩ።
"ነቲ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ነመስግኖ" ብምባል፡ "ኣብ ሱዳን ዘሎ ግጭት ብቕልጡፍ ከብቅዕን ዘተ ክቕጽልን" እቲ ኣምባሳደር ኣተሓሳሲቡ።
ቅድም ክብል ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፕ ቦረል፡ ጸጥታ ዲፕሎማስያዊ ቀጽርታትን ሰራሕተኛታትን "ቀዳማይ ሓላፍነት" ሰበስልጣን ሱዳን ምዃኑ ኣብ ትዊተር ገሊጹ ነይሩ።
ወሃቢት ቃል ሕብረት ኣውሮጳ ናቢላ ማስራሊ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ካርቱም ከምዘይወጸ ገሊጻ።
ድሕንነት ሰራሕተኛታት ቀዳምነት ዝወሃቦ ኰይኑ ስጉምትታት ፀጥታ ይግምገሙ ከም ዘለዉ'ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ካርቱም ቀጻሊ ስክፍታታት ጸጥታን ምዕጻው መዓርፎ ነፈርቲ እንተሃለወ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣሜሪካ፡ ሰራሕተኛታት ካብ ሱዳን ክተውጽእ መደብ ከም ዘይብላ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ፡ ኩሎም ኣሜሪካውያን ነቲ ኩነታት "ብዝለዓለ ዕቱብነት" ክከታተሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱምን ኣብ ሓያሎ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ዝጸንሐ ህይወት ሃንደበት ናብ ዝኸፍአ ኵነታት ተቐይሩ’ሎ።
ኣብቲ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ግጭት ኣስታት 185 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1,800 ድማ ከም ዝቖሰሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ናይ ዘይምርግጋእ ታሪኽ ዘለዋ ሱዳን፡ ኣብ 2019 ንነዊሕ እዋን መራሒ ዝነበረ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ወዲቓ። ንሓጺር እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ብሲቪላዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ተኣልዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቶም ስልጣን ዝጨበጡ ክልተ ሰባት ቀንዲ ዋናታት ናይቲ ግጭት እዮም፤ ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን መራሒ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን 'ሕሜቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሓላፊ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ፓራኮማንዶን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK/EUROPEAN UNION IN SUDAN
ክልቲኦም ሲቪላዊ ምሕደራ ናብ ሱዳን ብኸመይ ይምለስ ኣብ ዝብል ኣይሰማምዑን። መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ንዝተገለሉ ጉጅለታት ከም ዝውክል ይገልጽ።
ኣቐዲሞም ክልቲኦም ሰብኪዳን ብምዃን ተሓባቢሮም ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሞም። ሕጂ ግን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ውድድር ስልጣን መን ጨበጠ ንህዝባዊ ልኡላውነት ሱዳን ይዘርጐ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጐኦም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝምድና ንድሕሪት መሊሱዎ ይርከብ።
ብሰንበት፡ ክልቲኦም ወገናት ውጉኣት ካብቲ ከባቢ ክወጹ ንምኽኣል ንሓጺር እዋን ተኹሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም ነይሮም። እቲ ስምምዕ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተተግበረ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ኢጋድ፡ ንፕረዚደንታት ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡቲን ኬንያን ናብታ ሃገር ብምልኣኽ ድርድር ሰላም ክካየድ ጻዕሪ ከም ዝገበር ኣፍሊጡ ኣሎ።
ፈጻሚ ጸሓፊ ኢጋድ ኑር መሓሙድ ሸኽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገለ ምዕባለታት ክረአዩ ከም ዝኽእሉ ዝሕብሩ ምልክታት ከምዘለዉ ገሊጹ።
"ክልቲኦም እዞም መራሕቲ ንሽምግልና ዝሰማምዑ እዮም፡ እዚ ንባዕሉ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት ኣዝዩ ኣወንታዊ ምዕባለ'ዩ። መራሕትና ኣብ ግጭታት ሽምግልና ተመኩሮ ኣለዎም" ኢሉ።
ዛጊት ዘሎ ሓፈሻዊ ምዕባለታት እንታይ ይመስል?
- ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ፡ ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተኵሲ ንምግባር ድልው ምህላው እኳ እንተገለጸ፡ ሰራዊት ሱዳን ፕሮፖጋንዳ ክብል ነጺግዎ። ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ሰዓታት ተሪፍዎ ንዘሎ ስዕረቱ ንምሽፋን ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ኢሉ።
- መንግስታዊ መደበር ሬድዮ ኦምዱርማን ካብ ቀዳም ጀሚራ ፈነወ ኣቋሪጻ ኣላ። እታ መደበር ሬድዮ ምስ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ኣብ ሓደ ቀጽሪ እያ ተደኲና እትርከብ። ፈነወ ቴለቪዥን ድሕሪ 20 ሰዓታት ምቁራጽ ሰኑይ ንጉሆ ጀሚሩ እዩ። ንዓወታት ሰራዊት እታ ሃገር ከኣ የቃልሕ ኣሎ።
- በቲ መዓልታት ጌሩ ዘሎ ኲናት ብዙሓት ሰባት መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ሓገዛት ንምብጻሕ ዝፍትኑ ዘለው ሲቪላውያንን ትካላት ረድኤትን በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ማእከል ተዓጊቶም ከምዘለው ዳይሬክተር ትካል ረድኤት ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣብ ሱዳን፡ ጋዛሊ ባቢከር ገሊጹ።
- ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣዘራሪቡ'ሎ። ብሊንከን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ድሕነት ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ከውሕሱ ከምዘድሊ ምዝራቡ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







