“ኣብ ኩዕሶ እግሪ ህልው ኣቃውማ’ምበር ታሪኽ ብዙሕ ቦታ የብሉን” ጋቶች ፓኖም

ጋቶች ፓኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋቶች ፓኖም

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 2 ሰነ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኢትዮጵያውያን ተፃወትቲ ዋልያ፡ ብፅቡቕ ብቕዓት ንግብፃውያን ስዒሮም።

ሃገራዊ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ምስታ ኣብ ዓለም ግኑን ስም ዘለዋ ግብፂ ንምግጣም እንትዳሎ ብዙሕ ተባሂሉ።

ብዙሓት ስዕረት ተጸብዮም፡ “ብማዕረ ተተፈላሊና እውን በየናይ ዕድልና” ዝበሉ'ውን ኔሮም።

ተፃወትቲ ዋልያ ግና፡ ናይ ልቦም ኣብ ልቦም ሒዞም፡ ኣብ ናይ ሳልሳይ ሃገር ሜዳ ምስ ግብፂ ገጢሞም።

ብሩንዳዊ ናይቲ ዕለት ማእኸላይ ዳኛ ነቲ ፀዋታ ኣጀሚርዎ።

ተፃወትቲ ዋልያ፡ ንልዳት ግብፃውያን ክኩሕኵሑ ጀሚሮም።

ግብፃውያን ተፃወትቲ ዝገጠሞም ብድሆ ቀሊል ኣይነበረን።

ነዚ ፀዋታ ብስግኣት ዝጀመረ ደጋፊ፡ ትርግታ ልቡ ምልስ ክብለሉ ጀሚሩ።

ኣብ መበል 21 ደቓይቕ በፂሖም። ዳዋ ሆቴሳ፡ ናብ ሓላዊ ልዳት ግብፂ ሞሓመድ ኣቡጋባል መሪሹ።

ኣብዛ ደቒቓ፡ ኣብ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ሓያል ሱቕታ ሰፊኑ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን።

ኵዕሶ ተሽከርኪራ ናብ መረብ ምስ ኣተወት፡ መሬት ተንቀጥቒጣ። ኢትዮጵያ 1 - ግብፂ 0።

ተፃወትቲ ዋልያ ብሓንቲ ጎል ተኣማሚንና ንዕረፍቲ ኣይንወፅእን ዝበሉ ይመስሉ፡ ንናይ ግብፂ ፍርቂ ሜዳ ዓንዲረሙሉ።

ሽመልስ በቀለ፡ ካብ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ዝተሳገረትሉ ኵዕሶ ተቐቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ካልአይቲ ጎል ኣቑፂሩ።

ሞተር ማእኸል ሜዳ

ግብፃውያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ ፍፃመ በፂሖም ብሰኔጋል ተረቲዖም፡ ናይዛ ኣህጉር ካልኣይቲ ዝሓየለት ጋንታ ንምዃን በቒዖም እዮም።

ፊፋ፡ ንግብፂ ብኵዕሶ እግሪ ኣብ መበል 32 ዝሰርዓ እንትኾን፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 140 ደረጃ ትርከብ።

ተንተንቲ ውፅኢት ኵዕሶ እግሪ፡ ግብፂ ክትስዕር እያ ኢሎም ምግማቶም ኣይገርምን።

ድሕሪ እቲ ውፅኢት ኢትዮጵያ ስዒራ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ግብፂ ተሳዒራ ኢሎም እንተፅሓፉ’ውን በቲ ውፅኢት ሰምቢዶም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ግና ተፃወትቲ ዋልያ ነቲ ፀዋታ ዝሃብዎ ግምት እንታይ ነይሩ?

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጋቶች ፓኖም፡ “አረ ንሕና ዋላ ሓደ ፍርሒ ኣይነበረናን። ክንስዕር ከምንኽእል ንርእስና ኣእሚንና ኢና ኣቲና።

"ኣብ ኵዕሶ እግሪ ህልው ኣቃውማ’ምበር ታሪኽ ብዙሕ ቦታ የብሉን እሞ ምስዓር እዩ ዕላማና ነይሩ” ይብል።

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ካብ ዝፍለጠሉ ናይ 4-3-3 ኣሰላልፋ ወፅዩ ብሓድሽ ኣሰላልፋ 4-2-3-1 እዩ፡ ምስ ተፃወትቲ ግብፂ ገጢሙ።

ኣቡበከር ናስር ኣብ ቅድሚት መስመር፣ ጋቶችን ኣማኑኤልን ድማ ክንፊ ምክልኻልን ምጥቃዕን ክውግኑ ዕዮ ተዋሂብዎም። ለውጢ እቲ ኣሰልጣኒ ድማ፡ ውፅኢታዊ ነይሩ።

ጋቶች፡ “ብማላዊ ተሳዒርና ምስ ተመለስና ኢና፡ ንግብፂ ገጢምና። እቲ ፀዋታ ቀሊል ከምዘይኾን ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ስዒርና፡ ንሕና እውን ተሓጕስና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ተሓጕስና” ይብል።

ብዘደንቕ ብቕዓት ንማእኸል ሜዳ ዝፃወት ዝነበረ ጋቶች ፓኖም፡ ቀዋሚ ተሰላፊ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ካብ ዝውክል ፀኒሑ’ዩ።

ኣብ ፀዋታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንጋቶች ክርእዩ ዝበሃጉ ኣዕይንቲ ኣይተሳኽዐሎምን።

ጋቶች ግና ንታሪኻዊ ምስ ግብፂ ዝካየድ ግጥም ተሰሊፉ።

“ሓቂ’ዩ ኣብ ፀዋታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዋላ ሓደ ፀዋታ ኣይተፃወትኩን። እዚ ናይ ኣሰልጣኒ ውሳነ ነይሩ። እንተኾነ ግና፡ ኣነ ናብ ሜዳ እቶ ኣብ ዝበሃለሉ፡ ኩሉ ግዘ ንምእታው ድሉው’የ።

ጋቶች፡ “ናብ ሜዳ እቶ እንክትበሃል፡ ዘለካ ዓቕሚ ኢኻ ክተርእይ ዝግባእ” ይብል፡ እቲ ብቃል ዝበሎ ድማ ኣብዚ ፀዋታ ንብዙሓት ኣርእዩ።

ንፀዋታ ግብፂ ጓና ኣይኮናን

ካብ 27 ክልላት ግብፂ ሓደ ዝኾነ ሬድ ሲ ገቨርኔት መንበሪ ኤል ጉና እዩ።

ኤል ጉና ንተፃወትቲ ኵዕሶ እግሪ ሓድሽ ኣይኮነን።

ኢትዮጵያውያን ተፃወትቲ ንሊግ ግብፂ ሓደሽቲ ኣይኮኑን።

ጋቶች ፓኖም፡ ሓደ ወቕቲ ኵዕሶ እግሪ ኣብ ኤል ጉና ኣሕሊፉ’ዩ። ንሃራስ ኤል ሆዱድ’ውን ተሰሊፉ ይፈልጥ’ዩ።

ሽመልስ በቀለ ድማ፡ ኣብቲ እዋን ናይ ኤል-ጉና ኣከፋፋሊ እዩ ነይሩ።

ካልኦት ፍሉጣት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ተፃወትቲ’ውን፡ ንሊግ ግብፂ ይፈልጥዎ’ዮም።

እሞ ተፃወትቲ ዋልያ፡ ንግብፃውያን ተፃወትቲ ክረትዑ ዝደረኾም እዚ’ዶ ይኸውን?

ጋቶች፡ “መብዛሕትኦም ተፃወትቲ ግብፂ፡ ካብ ኣል-ኣህሊና ዛማሌክ ዝተመረፁ’ዮም። ኣብኡ እንከለኹ ተፃራሪ ኮይነ ዝገጠምክዎም’ዮም። እዚ ሓጊዙኑ’ዩ ኢለ እሓስብ” ይብል።

እዚ ዝተረኸበ ዓወት፡ ንቀፀልቲ ግጥማት ፅኑዕ መንፈስ ከምዝፈጥር’ዩ ጋቶች ዝኣምን።

“ብዓወት ኮነ ብደረጃ ካባና ዝለዓሉ እዮም። ንግብፂ ንምስዓር ከምዝበርታዕናዮ፡ ንካልእ እውን ምስዓር ከምንኽእል ዘርአየና’ዩ” ይብል።

እቲ ግጥም ኣብ ውሽጢ ዓዲ እንተዝኸውን’ኸ. . . ?

ካፍ፡ ኢትዮጵያ ግጥማት ኣህጉራዊ ፀዋታ ንምክያድ ዘኽእል ሜዳ ኵዕሶ ከምዘይብላ ኣፍሊጡ’ዩ።

እዚ ዜና ንፌደሬሽን ኵዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንብዙሓት ርእሶም ከድንኑ ዝገበረዩ ነይሩ።

ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ንስታድየም ባህርዳር ኣሐዲሰዮ እየ እንተበለ’ውን፡ ካፍ ተወካሊ ልኢኹ ብምምርማር፡ ረቛሕታት ኣየማላእኹምን ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ነዚ ድማ እዩ ተፃወትቲ ዋልያ ኣብ ሜድኦም ከካይድዎ ተሓሲቡ ዝነበረ ግጥም፡ ኣብ ናይ ማላዊ ስታድየም ክፃወቱ ዝተገደዱ።

እንተኾነ፡ ኣብ ማላዊ ስታድየም ሊሎንግዌ ንዋልያ ዝነበረ ድጋፍ ደሚቕ’ዩ ነይሩ።

“ሓቂ’ዩ፡ ኣብ ሜዳና እንተዝኸውን ነይሩ፡ ዓርሰ ምትእምማን ምፈጠረልና ነይሩ”ዝብል ጋቶች፡ “ኣብ ማላዊ ዝነበረ ድጋፍ ኣብ ሜዳና ንፃወት ከምዘለና ክስመዓና ገይሩ” ኢሉ።

ጋቶች፡ እቲ ፀዋታ ምስተዛዘመ፡ ካብ ዓበይቲ መጉልሒ ድምፂ እቲ ስታድየም ይወፅእ ብዝነበረ ሙዚቃ፡ ምስ ደገፍቲ ሓጎሱ ይገልፅ ከምዝነበረ ይዝክር።

“ናትና ሜዳ እንተበፂሑ፡ ቀፃሊ ፀዋታ (ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ) ኣብ ቅድሚ ደገፍትና ክንገጥም አተስፎ” ይብል።

"ሳላሕ በይኑ ዋላ ሓደ ክገብር ኣይኽእልን”

መሓመድ ሳላሕ ምሰ ተጻወትቲ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግብፃውያን ኣለና ኢሎም ዝምክሕሉ ስሙይ ተፃዋቲ ሞሓመድ ሳላሕ፡ ኣብዚ ፀዋታ ከሰልፍዎ ኣይከኣሉን።

ኣጥቃዒ ሊቨርፑል ዝኾነ ሞሓመድ ሳላሕ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ጉድኣት እዩ ኣብዚ ፀዋታ ዘይተሰለፈ።

ቁፅሪ ሓደ፡ ሓላዊ ልዳት ኤልሻናዊን ትሬዝጊምን እውን ኣብዚ ፀዋታ ንሃገሮም ኣይወከሉን።

እሞ ብሓቂ፡ ሞሓመድ ሳላሕ ኣብዚ ግጥም ዘይምስላፉ ንተፃዋቲ ዋልያ ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ዶ ነይሩ?

“ሓቂ እዩ ሞሓመድ ሳላሕ ዓብይ ተፃዋቲ’ዩ” ዝብል ርኢቶ ዘለዎ ጋቶች፡ “እንተኾነ ሳላሕ በይኑ ዋላ ሓደ ክገብር ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ኣብቲ ዕለት ንሕና ዝሐሽና ኢና ነይርና። ዝግበአና ውፅኢት ኢና ረኺብና” ይብል።

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሰ ዝሃቦ ርእይቶ “ንሕና በሊፅና’ምበር፡ ግብፂ ድኹም ኮይኑ ኣይኮነን” ዝብል እዩ ነይሩ።

ብስዕረት ግብፂ ዝሰምበዱ ብዙሓት ማዕከናት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ’ውን፡ ንውፅኢት ዋልያ ካብ ምንኣድ ኣይተቖጠቡን።

መራኸብቲ ሓፋሽ ግብፂ ድማ ንሓድሽ ኣሰልጣኒ ተፃወትቲ ግብፂ ዝነቅፍ ትንታነ ኣቃሊሖም።

ቀፀልቲ ፀዋታት

ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረይ ፀዋታ ቻን፡ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ምስ ደቡብ ሱዳን ክገጥሙ’ዮም።

ቻን ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ዝፃወቱ ተፃወትቲ ዝሳተፍሉ ኣህጉራዊ ውድድር’ዩ።

እዚ ድማ ንኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ፡ ሓደሽቲ ተፃወትቲ ዝፍትንሉ ዕድል ዝህብ እዩ።

ካብኡ ቀፂሉ ድማ፡ ክልተ ናይ ኣፍሪቃ መፃረይ ፀዋታት ዝስዕቡ እንትኾኑ፡ ዋልያ ኣብ ወርሒ መስከረም ምስ ጊኒ ክገጥሙ እዮም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ከኣ፡ ክልተ ናይ ምድብ መፃረይ ፀዋታት ምስ ማላውን ግብፅን ክካየዱ’ዮም።

ሕዚ’ውን ኢትዮጵያ ናይ ምድብ ‘መ’ ኣውራ እያ።

ዋላ’ኳ፡ ኩሎም ጋንታታት እቲ ምድብ ተመሳሳሊ ሰለስተ ነጥቢ እንተሃለዎም፡ ዋልያ ብሓደ ጸብለልታ ሸቶ፡ ኣውራ እዚ ምድብ ኮይኖም ተሰሪዖም ይርከቡ።