ኢትዮጵያ ምስ ማላውን ግብጽን ካብ እትገብሮ ግጥም እንታይ ውጽኢት ክንጽበ ንኽእል?

ኣቡበከር ናስር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝቕጽል ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 2023 ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ እዩ።

ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ ካፍ፡ ሃገራት ብምድብ ተደላዲለን ናይ መጻረዪ ጸወታአን ከም ዝጀመራ ይሕብር።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉጅለ ኣርባዕተ ምስ ግብጺ፣ ጊኒን ማላዊን እያ ተመዲባ። ኮይኑ ግና ሜዳታት ኢትዮጵያ መጻረዪ ጸወታታት ኣፍሪቃ ከተኣናግዳ ብቕዓት ስለዘይብለን ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳ ሳልሰይቲ ሃገር እያ ክትፃወት።

እታ ዋልያ ብዝብል ቅጽል ስም ትፅዋዕ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሜዳኣ ክትፃወት "ስለዘይተዓደለት" ምስ ግብፂ ትገበሮ ፈላማይ ግጥም ካብ ሜዳ ክልትኤን ሃገራት ወጻኢ እዩ ክግበር።

መጀመርታ ግና ምስ ማላዊ እያ ክትጋጠም።

ኣሰልጣኒ ውበቱ አባተ ነታ ጋንታ እናመርሐ ናብ ርእሰ ከተማ ማሊ ሊሎንጉዌ ቅድሚ ምኻዱ መግለጺ ሂቡ ነይሩ። “ምስ ግብፂ ኣብ ሜዳና እንተንጋጠም ደስ ምበለና ነይሩ” ክብል ርእይቶኡ ገሊፁ።

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካብ ግንቦት 16 ጀሚሩ ምድላዋት ክትገብር ጸኒሓ እያ።

ኣሰልጣኒ ውበቱ መጀመሪያ 28 ተጻወቲ መልሚሉ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሌሶቶ ናይ ምሕዝነት ግጥም ምስኣካየደ እቶም ናይ መወዳእታ 23 ተጻወቲ መልሚሉ ወዲኡ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ናብ ማላዊ ዝኸዱ መን መን እዮም?

ፋሲል ገብረሚካኤል፣ በረከት አማረን ዳግም ተፈራን ሓለውቲ ልዳት ኮይኖም ናብ ማላዊ ክኸዱ እዮም።

ኣስራት ቱንጆ፣ ረመዳን የሱፍ፣ ሄኖክ ኣዱኛ፣ ሱሌይማን ሃሚድ፣ ምኞት ደበበ፣ ያሬድ ባዬ፣ ጊት ጋትኩትን ሚሊዮን ሶሎሞን ተኸላኸልቲ ኮይኖም ዝተሓረዩ እዮም።

ማእኸላይ መስመር ብሽመልስ በቀለ ዝምራሕ እንትኾን ኣማኑዔል ዮሃንስ፣ ጋቶች ፓኖም፣ ሱራፌል ዳኛቸው፣ በዛብህ መለዮና መስዑድ መሓመድ ተሓርዮም ኣለዉ።

ኣቡበከር ናስር ንመስመር ምጥቃዕ ክመርሕ እዩ። ብተወሳኺ ኣማኑዔል ገብረመድህን፣ ቸርነት ጉግሳ፣ ዳዋ ሆቴሳ፣ በረከት ደስታን ይገዙ ቦጋለን ኣብ ምጥቃዕ ክስለፉ እዮም።

ውበቱ ከምቲ ልሙድ ኣሰላልፋ 4-4-3 ከምዝጥቀም ትፅቢት ይግበር።

እቲ ውሩይ ኣጥቃዓይ ጌታነህ ከበደ ግን ምስቲ ኣሰልጣኒ ብዝተፈጠረ ዘይምርድድዳእ ከምዘይተሓረየ ውበቱ ሓቢሩ ኣሎ።

ማላዊ

ዘፍሌምስ ብዝብል ትፅዋዕ ጋንታ ማላዊ ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ ምድባ ሓሊፋ ነይራ።

ኣብ ካልኣይ ዙር ግና ብሞሮኮ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ከምዝወፀት ይዝከር።

ኢትዮጵያን ማላዊን ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ 2003 ጀሚሩ 6 ግዘ ብምሕዝነት ተፃዊተን እየን። ማላዊ ክልተ ግዘ ብምስዓር ልዕልነት ክትወስድ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ሓደ ግዘ ስዒራ ነይራ፤ ኣርባዕተ ግዘ ድማ ማዕረ ወፂአን።

ዘፍሌምስ፡ ኣብ ደረጃ ሰደቓ ጋንታታት ዓለም፡ መበል 120 እንትኾን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 140 ትርከብ።

ኢትዮጵያን ማላዊን ሰንበት 26 ግንቦት 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ሰዓት 10፡00 ኣብ ቢንጉ ሃገራዊ ስታድዬም ክፃወታ እየን።

ግብፂ

ፈርዖን ብዝብል ትፅዋዕ ሃገራዊ ጋንታ ግብፂ ካብቲ ምድብ ክትሓልፍ ዓብዪ ግምት ዝተውሃባ ጋንታ እያ።

እቲ ውሩይ ተጻዋታይ ሞ ሳላሕ ነታ ጋንታ እናመርሐ ናብ ሜዳ ከምዝኣቱ ትፅቢት ይግበር።

ንዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዘይክኣለት ጋንታ ግብፂ፡ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቖፂራ ኣላ። ወዲ 54 ዓመት ሓድሽ ኣሰልጣኒ ኢሃብ ጋላል ንዋንጫ ኣፍሪቃ ምሕላፍ ቀንዲ ዕላምኦም ከምዝኾነ ድማ ገሊፁ ኣሎ።

ግብፂምስ ጊኒ ምስተፃወተት 2 ሰነ 2014 ምሸት ሰዓት 1፡00 ኣብ ሜዳ ማላዊ ምስ ኢትዮጵያ ክትገጥም እያ።