ሩስያን ዩክረይንን፡ ብፃዕሪ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምሩኻት ተለዋዊጠን

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian government
ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ከቢድ ኲናት ተረግሪገን ዝርከባ ሩስያን ዩክረይንን፡ ብመንጐኝነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ምሩኻት ተለዋዊጠን።
ሩስያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ኩርስክ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝተማረኹ ወተሃደራት ዝርከብዎም 103 ዩክረናውያን ከምዝፈትሐት ሚኒስትሪ ምክልኻል'እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብዝሓ ሃገራት ዓለም ምስ ሓዲአን ፀግዒ ሒዘን ኣብ ዝርከባሉ እዋን፡ ምሩኻት ንምልውዋጥ ዘመቻቸወት ሃገር ወሽመጥ ዓረብ- ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እያ።
ካብ ክልቲአን ሃገራት ከም መንጐኛ ኰይና እምነት ዝረኸበት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቅድሚ ሕዚ’ውን ምሩኻት ንምልውዋጥ ኩነታት ኣመቻቺያ ትፈልጥ እያ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ትማሊ ሰንበት ዝተመልሱ ወተሃደራት ዘርኢ ስእሊ ብምልጣፍ "ወተሃደራትና ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣለዉ" ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓይልታት ዩክረይን ዶብ ሩስያ ብምጥሓስ 30 ኪሎሜተር ናብ ዞባ ኩርስክ ብምእታው ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምፍፃሞም ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ካብቶም ዝተፈትሑ ወተሃደራት ዩክረይን ኣባላት ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እታ ሃገር ዝኾኑ 82 ተራ ወተሃደራትን 21 መኮንናትን ይርከብዎም።
ፕረዚደንት ዘሌንስኪ ወሲኹ፡ እቲ ሰራዊት ንርእሰ ከተማ ኪቭ ሓዊሱ ወሰንቲ ከተማታት እታ ሃገር ካብ ወራር ሩስያ ንምክልኻልን ሓራ ንምውፃእን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ከምዝተማረኹ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሩስያ ዝተማረኹ ወተሃደራታ ከምዝተፈትሑን ኣብ ጎረቤት ሃገር ቤላሩስ ከምዘለዉን ኣረጋጊጻ።
እቶም ወተሃደራት፡ ናብ ሩስያ ቅድሚ ምምላሶም፡ "ኣድላዪ ስነ-ኣእምሮኣውን ሕክምናውን ደገፍ" ረኺቦም ምስ ኣባላት ስድርኦም ክራኸቡ ምዃኖም ሓቢሩ።
ዩክረይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ንገለ ግዝኣታት ሩስያ ሃንደበት ድሕሪ ምውራር፡ ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ምሩኻት፡ ብድምር 230 ምሩኻት ሓራ ተለቒቖም ኣለዉ።
ዩክረይን፡ ኣብ ዞባ ኩርዲስታን ሩስያ ዘካየደቶ ወራር፡ ሓይልታት ሩስያ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዝገብርዎ ዝነበሩ መጥቃዕቲ ንምዝባዕ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝእመነሉ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ምሩኻት፡ ሰራዊት ዩክረይን ንሓያሎ ግዝኣታት ሩስያ ምውራሩ ስዒቡ፡ ሩስያ ሓያሎ ቦታታት ዳግማይ-መሊሳ ከምዝሓዘት ኣብ ዝግለፀሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ብሓይልታት ዩክረይን ዝተታሕዙ ከባቢታት ዳግማይ ከምዝተቖጻጸረን፡ ብፍላይ ድማ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ተባሂለን ዝተገልፃ ዓድታትን ማእከላትን ከምዝሓዘን ትማሊ ቀዳም ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







