መገሻ ፑቲን ኣብ ሞንጐልያ፡ ስለምንታይ'ዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ትእዛዝ ማእሰርቲ ካብ ዘውጽኣሉ ንደሓር ንፈለማ እዋን እዩ ናብታ ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ዝዀነት ሃገር ዝበጽሐ።
እዚ ፍሉይ ትርጕም ዝወሃቦ መገሻ፡ ኣንጻር እቶም ኵሎም ንሱ ክእሰር ዝጸውዑ፡ መንግስቲ ዩክረይን፡ ምዕራባውያንን ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ዘቕንዐ ኰይኑ እዩ ዝረአ።
መገሻ ፑቲን ምስቲ ሓይልታት ሞንጐልያን ሶቭየትን ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዘመዝገብዎ 85 ዓመት ዝመልኦ ወሳኒ ዓወት’ውን ዝገጥም እዩ።
ኣብ 1939 ንኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ብኽልቲኡ ወገን ሞይቶም።
ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዋና ኣደባባይ ርእሰ ከተማ ሞንጐልያ ኡላንባታር ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩሉ ኣሎ።
ምስ ፕረዚደንት ሞንጐልያ ኡክናጊን ኩረልሱክ ንዝተራኸበ ፑቲን ንምቕባል መዝሙር ሩስያ እናተዘመረ እንከሎ፡ ኣብ ፈረስ ዝተሰቕሉ ወተሃደራት ኣብ ኣደባባይ ጀንጊስ ካን ተሰሪዖም ነይሮም።
ንእሽቶ ጕጅለ ሰልፈኛታት እውን ቅድሚ ምምጻእ ፑቲን "ገበነኛ ኲናት ፑቲን ካብ ዓድና ይውጻእ" ዝብል ጽሑፍ ሒዞም ኣብቲ ኣደባባይ ተራእዮም።
ካልእ ተቓውሞ ድማ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብሶቭየት ዝድገፍ ኮሙኒስታዊ ስርዓት ሞንጐልያ ንዝተሳቐዩ ዝዝክር ሓወልቲ ኡላንባታር ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ሓይልታት ጸጥታ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዝመፅኣሉ እዋን ሰልፈኛታት ከይጽግዑ ብጥንቃቐ ብርሑቕ ከልኪሎም።
ፑቲን ክእሰር ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበናት፡ ፕረዚደንት ሩስያ ብገበናት ኲናት ተሓታቲ ምዃኑ ዝሓለፈ ዓመት ከሲሱ ነይሩ።
እቲ ክሲ፡ ብፍላይ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህጻናት ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ዘተኮረ እዩ።
እቲ ገበናት፡ ሩስያ ምሉእ ወራር ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን- ካብ 24 ለካቲት 2022 ጀሚሩ ኣብ ዩክረን ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ይሕብሩ።
መንግስቲ ክረምሊን፡ ብዛዕባ ምብጻሕ ፑቲን "ዝዀነ ስክፍታ" ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዩክረይን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ "ምስ መሻርኽትና ሰብ ስልጣን ሞንጐልያ ጽቡቕ ርክብ ኣለና። ኵሉ መዳያት መገሻ እቲ ፕረዚደንት'ውን ብጥንቃቐ ዝተዳለወ'ዩ" ኢሉ።
ሞስኮ ቅድሚ ሕጂ ንክሲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ነጺጋቶ እያ፤ ነቲ ትእዛዛት ማእሰርቲ'ውን ኣይትቕበሎን።
እቲ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፡ ኵለን ኣባላቱ ነቶም በቲ ቤት ፍርዲ ዝድለዩ ሰባት ናይ ምእሳር "ግዴታ" ከምዘለወን፡ እንተዀነ ጥርጡራት ክኣስራ ስልጣነን ከምዘይኰነ ይገልጽ።
ሞንጐልያ ኣበይ ትርከብ?
ሞንጐልያ ኣብ ምብራቕ ኤስያ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን እትርከብ ብመሬት ዝተኸበበት [ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ] ኰይና ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ይነብረላ።
ኣብ 1990 ነቲ ን70 ዓመታት ዝጸንሐ ቅዲ-ሶቭየት ዝመስል እንኮ-ሰልፋዊ ስርዓት ገዲፋ ንፖለቲካውን ቍጠባውን ጽገናታት ከምኡ'ውን ሕብረ-ሰልፋዊ መረጻ ኣካይዳ።
ገና ብዙሕ ዘይተተንከፈ ሰፊሕ ሃብቲ ማዕድን ሞንጐልያ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ዝስሕብ ኰይኑ፡ ነቲ ንእሽቶ ግን ከኣ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ቍጠባ እታ ሃገር ይቕይሮ ኣሎ።
ሞንጐልያ ዋላ'ኳ ዕቝር ሃብቲ እንተለዋ ንዝበዝሕ ቀረብ ነዳድን ኤሌክትሪክን ኣብ ሩስያ እያ ትምርኮስ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሞንጐልያ ምስ ሩስያን ቻይናን ዘለዋ ርክብ
ኣብ መንጐ ክልተ ገዘፍቲ ምልካውያን ሃገራት - ሩስያን ቻይናን - ዝተቐርቀረ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሞንጐልያ ምስ ሞስኮ ጽኑዕ ባህላዊ ምትእስሳር፡ ምስ በይጂን ድማ ወሳኒ ንግዳዊ ዝምድና ኣለዎ።
ሞንጐልያ ክሳብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ስርወ መንግስቲ ቺንግ ቻይና ነይራ።
ኣብ 1911 እቲ ስርወ-መንግስቲ ምስ ወደቐ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ዛዕባ ሞንጐልያ ተሰሓሒበን ነይረን።
ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991 ድሕሪ ምፍራሳ፡ ሞንጐልያ ናብ ቍጠባ ናጻ ዕዳጋ ተጸንቢራ ባይቶኣዊት ዲሞክራሲ ኰይና።
ዲፕሎማስያውን ቍጠባውን ዝምድናታት ግን ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ድልዱል ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብሞንጐልያ ኣቢሉ ካብ ሩስያ ናብ ቻይና ዝሰግር መተሓላለፊ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ናይ ምስራሕ መደብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክዝረበሉ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ክህነጽ ዝሕሰብ ዘሎ መስመር፡ ኣብ ዓመት 50 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ (bcm) ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ካብ ዞባ ያማል ሩስያ ብሞንጐልያ ኣቢሉ ናብ ቻይና ይወስድ።
እዚ ፕሮጀክት ኣካል ናይቲ ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር ዝበዝሕ መሸጣ ጋዝ ኣብ ኣውሮጳ ዝኸሰረቶ ክሳራ ንምኽሓስ እትኽተሎ ስትራተጂ እዩ።
ፑቲን ናብ ሞንጐልያ ምስ በጽሐ፡ ኣገዳስነት ቀጻሊ ዲፕሎማሲ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 90 ሚእታዊት ነዳዲ በንዚንን ናፍታን ካብ ሩስያ ናብ ዕዳጋ ሞንጐልያ ኣትዩ ነይሩ። ኣብ ጽላት ጋዝ ጽቡቕ ተስፋታት ምትሕብባር ንርኢ ኣለና፡” ኢሉ።
'ፖሊሲ ሳልሳይ ጐረቤት' እንታይ እዩ?
ምስ ሓያላት ጐረባብታ ጥቡቕ ርክብ ምሕላው ወሳኒ'ኳ እንተዀነ፡ ሞንጐልያ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታታ ከተብዝሕ ፈቲና እያ።
ፖለቲካውን ቍጠባውን ናጽነታ ንምርግጋጽ ድሌት ኣለዋ።
"ሳልሳይ ጐረቤት" ብዝብል ፖሊሲኣ ምስ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ሓድሽ ዝምድናታት ኣማዕቢላ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ታሪኻውን ፈላማይን ምብጻሕ ናብታ ሃገር ኣካይዱ።
ኣብቲ እዋን ፈረንሳ "ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሩስያ ዘሎ ጸቕጢ ከተፍኵስን ምርጫታተን ከተስፍሕን ድሌት ከምዘለዋ" ብወሃቢ ቃላ ኣቢላ ገሊጻ ነይራ።
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ኣብ ነሓሰ 2023 ንቀዳማይ ሚኒስተር ሞንጐልያ ኦዩን ኤርደን ሉቭሳናምስራይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይራትሉ ነይራ።
ዋይት ሃውስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መገሻ "ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሞንጐልያን ዘሎ ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ሳልሳይ ጎረቤት ንምጽንባል'ዩ" ኢሉ።
ኣመሪካን ሞንጐልያን፡ ቍጠባዊ ዝምድናአን ኣቢለን "ሓባራዊ ረብሓ” ከስፍሓ ይጽዕራ ከምዘለዋ እየን ገሊጸን።
ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሞንጎልያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታታ ንምስፋሕ እትገብሮ ጻዕሪ እኳ እንተነኣዱ፡ እቲ ንፕረዚደንት ፑቲን ዝግበር ድሙቕ ኣቀባብላ ግን ነቲ ምዕባለ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምኳኑ ብንጹር ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







