መራሕቲ ህወሓት ንተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣጠንቂቖም

ምንጪ ስእሊ, DT
ሰብመዚ ትግራይ ንብሄራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ትግራይ፡ "ንህዝባዊ መኸተና ንምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ" የካይዱ ኣለዉ ብምባል ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ኣጠንቂቖም።
ኣብቲ ብስም "ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ" ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቶም ስሞም ብንጹር ዘይተጠቕሱ ፖለቲካውያን ወድባት "ትማሊ ሕጋዊ መንግስቲ ይብልዎ ንዝነበሩ መንግስቲ ትግራይ ንመኸተ ብዘዕንቅፍ መንገዲ ሕጋዊ ኣይኮነን ክሳብ ምባል ተሰጋጊሮም፣ ሕገ መንግስቲ ትግራይን ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ትግራይን ፈሪሱ ዝብልሉ ብርኪ በፂሖም ኣለዉ" ኢሉ።
"ገሊኦም ስግግር መንግስቲ ገሊኦም ድማ ስሙር መንግስቲ ይጣየሽ ዝብል ቀይዲ በተኽ ሓሳባት ሒዞም ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ኣለዉ" ክብል እቲ መግለፂ ይኸስስ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ-ኣብ ኣፈታትሓ ኲናትን ምሕደራን ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ንኹሉ ዝሓቁፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝሓትት ሓባራዊ መግለጺ ከምዘውፅኡ ይፍለጥ።
ብገዛኢ ውድብ ህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ መስከረም 2020 በይናዊ መረፃ ብምክያድ ስልጣን'ኳ እንተሓዘ፡ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ተፈላጥነት ከምዘይረኸበ ይዝከር። እንተኾነ ግና ኣብ መረፃ ትግራይ ምስ ህወሓት ካብ ሞንጎ ዝተወዳደሩ ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ዓሲምባን፡ ነቲ ምርጫ ብምርዓም ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ብሓልዮት ህወሓት ኣብ ባይቶ ሓደ ወንበር ተዋሂብዎ ነይሩ። እቲ መረፃ ህወሓት ዳርጋ ሚእቲ ሚእታዊት ንብሕቱ ተዓዊተሉ ዝበሉ መረፃ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ፈሪሱ፡ መራሕቱ ካብ ርእሰከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ክወጹ ተገዲዶም።
ላዕለዎት መራሕቲ ውድባት፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናጽነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ዝርከብዎም ኣባላት ብሄራውያን ሰልፍታት'ውን ኣብቲ ኣንጻር ሓይልታት ፌደራልን መላፍንቶምን ዝተኻየደ ኲናት ተሳትፎ ከምዝነበሮም ይፍለጥ።
ብድሕሪኡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዝነበረ ከባቢታት ከመሓድር ፈቲኑ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021፡ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለን ዝሰፍሐ ከባቢታትን ትግራይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ግና፡ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ናብ ቦትኡ ከምዝተመለሰ ተገሊፁ።
እንተኾነ፡ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ውግእ ድሕሪ ምህድኡ፡ ህወሓት ንብሕቱ ኣብ መፃኢ ዕድል ትግራይ ወሳኒ ክኸውን ኣይኽእልን ብምባል ዘለዎም ነቐፌታታት ከስምዑ ጸኒሖም።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ህወሓት ድሕሪ ናብ መቐለ ምምላሱ ህዝቢ ኣኪቡ ኣኼባታት ኣብ ዘካይደሉ፡ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ምስ ህዝቢ ዋዕላታት ከየካይዱ ከምዝተኸልከሉን ብመራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ሓሳቦም ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ዕድል ከምዘየለን እውን ይገልፁ።
ብዙሓት ተጋሩ፡ ህወሓት እቲ ኩነታት ናብ ኲናትን ሳዕቤናት ኵናትን ከምርሕ ኣብ ምግባር እጃሙ ኣበርኪቱ'ዩ ብምባል ይነቕፉ። ብኣንጻሩ፡ ካልኦት ተጋሩ ድማ ህወሓት ክድገፍ ዘለዎን ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ደው ክብል ዝኽእል ሓይሊ'ዩ ብምባል ደገፎም ይገልጹ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝኾነ ሃይሉ ከበደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ብሕጊ ይኹን ብሞራል ህወሓት፡ ብጉልበት ካብ ስልጣን ተኣልዩ እዩ። ኣብ መንጐኡ ካልእ ምምሕዳር’ውን ተተኺሉ ነይሩ። ቃልስና ዝነበረ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ እዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
እቶም ብሄራውያን ውድባት ኣብቲ ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝግበር ሰላማዊ ልዝብ ንኹሎም ሓይልታት ትግራይ ዘሳትፍ ክኸውን ክጠልቡ ጸኒሖም'ዮም። ገለ ካብ መራሕቶም'ውን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ወከልቲ ኣመሪካ ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ነቶም ተቓወምቲ ‘ሕንቁቓት’ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ስለዝጸወዖም ካብ ብዙሓት ሰባት ሓያል ነቐፌታ በጺሕዎ’ዩ።
ካልኦት ኣብ ደገ ዝርከቡ ደገፍቲ ህወሓት'ውን፡ ‘ንስልጣን ዘቋምቱ ተለኣኣኽቲ ኣብዪ’ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ብሄራውያን ውድባት ስጉምቲ ክውሰድ ክጽውዑ ተሰሚዖም።
ሓደ ካብ መራሕቲ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ዝኾነ ክብሮም በርሀ፡ “ደለይቲ ስልጣን’ዮም ዝብሉና። ስልጣን እንተደለና’ውን ሓጢኣት ኣይኰነን። ፖለቲከኛታት ኢና፤ ዘሕፍር የብሉን። ክሓፍሩ ዘለዎም እቶም ብጥቕምን ምጉጅጃልን ንስልጣን ዝበሓትዎ ሰባት እዮም” ክብል ይምጉት።
ኣብ ውሽጢ ፖለቲካውያን ሓይልታት ትግራይን ብዙሓት ተጋሩን (ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ) ዝካየድ ዘሎ ርሱን ክትዕ ኣብ ዙርያ መጻኢ ትግራይን ህዝባን እዩ።
ብዙሓት መንእሰያት ዝርከብዎም ተጋሩ ድሕሪ'ቲ ዘጋጠመ ኲናት፡ ህዝቢ ትግራይ ልኡላውነቱ ኣዊጁ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምቕጻል ዕድላት ዘማዕድዉ፡ ከምኡ'ውን ኩነታት ኲናት ምስ ሃድአ ዝርአ ክኸውን ዝብሉ ይርከብዎም።
ብወገን መራሕቲ ህወሓት፡ "መሰል-ዓርሰ ውሳነ፡ ህዝቢ ትግራይ ብህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ክውሰን፡ እንተኾነ ግን ብመድረኻት ዝፍጸም ከምዝኸውን'ዮም ዝዛረቡ።
"ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጦ ዝግባእ ካልእ መሰረታዊ ጉዳይ እዞም ውድባት ፖለቲካ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን እናጠሓሱን ህዝባዊ ኩናት ዘተዓናቅፉ ተግባራት እንትፍፅሙን መንግስቲ ትግራይ ርእዩ ከምዘይርኣየ ክሓልፎ ዝደለየ እቲ ዝፍፅምዎ ጥፍኣት ንእሽቶ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ኩሎም ዓቕምታት ኣብ መኸተ ትግራይ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ካብ ዘለዎ ቅኑዕ ድልየት እዩ" ክብሉ ሰብመዚ ህወሓት ኣብዚ ናይ ትማሊ ሰኑይ መግለጺኦም ኣጠንቂቖም።
መጠንቀቕታ እዚ ገዛኢ ውድብ ግና፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ክትዕ ከይቁጸ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።
ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፡ "ህዝቢ ትግራይ ናይዞም ውድባት ዓንቃፋይ ግደ ብትረት ክቃለሶምን ኣደብ ከትሕዞምን ይግባእ" ክብል ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ኲናት ትግራይ፡ ንፖለቲካ እቲ ክልልን እታ ሃገርን ካብ ምንዋጽ ሓሊፉ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ጥምየትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምስዓቡ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







