ህጻናት ደቃ ዝቐተለት ኣደ ብምሕረት ክትፍታሕ ዘቕረበቶ ሕቶ ተነጺጉ

ጓል 23 ዓመት እንከላ ክልተ ህጻናት ደቃ ዝቐተለት ሱዛን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጓል 23 ዓመት እንከላ ክልተ ህጻናት ደቃ ዝቐተለት ሱዛን

ጓል 53 ዓመት ኣመሪካዊት ሱዛን ስሚዝ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ'ያ ኣሕሊፋቶ።

እታ ክልተ ህጻናት ደቃ ብዘሕዝን ኣገባብ ከምዝቐተለት ዝተኣመነት ስሚዝ፡ ብዝፈጸመቶ ገበን ይቕሬታ ብምሕታት ብምሕረት ክትፍታሕ ነቲ ጉዳይ ንዝርኢ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ቦርድ ሕቶ ኣቕሪባ።

"ዝፈጸምኩዎ ክፉእ ምዃኑ እፈልጥ'የ" ዝበለት እታ ነባሪት ደቡብ ካሮሊና፡ "ክልውጦ ዝኾነ ነገር ምገበርኩ" ክትብል ብተግባራ ከምዝተጣዕሰት'ያ ትገልጽ።

እቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ቅትለትን ፍርዳዊ መስርሕን ንኣመሪካ ዘሰንበደን ኣቓልቦ ብዙሓት ዝሰሓበን ምንባሩ ይፍለጥ።

በቲ ጨካን ተግባራ ኣመና ዝተጐድአ ኣቦ እቶም ቆልዑን ኣኽበርቲ ሕግን ብወገኖም፡ እታ ድሮ 30 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐት ገበነኛ ከይትወጽእ ነቲ ቦርድ ተማሕጺኖም።

ኣቦ እቶም ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ዝተመንጠሉ ዝኾነ ዴቪድ ስሚዝ፡ 30 ዓመት ማእሰርቲ ምስቲ ዝፈጸመቶ ቅትለት ዝዳረግ ከምዘይኮነ'ዩ ዝምጉት።

"ንሓደ ቆልዓ 15 ዓመት ጥራይ'ዩ፡ ደቃ ድማ'ዮም" ብምባል "እዚ እኹል ኣይኮነን" ክብል ነቲ ናይ ምሕረት ቦርድ ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።

እቶም ህጻናት ወዲ ሰለስተ ዓመት ማይክልን ወዲ ሓደ ዓመት ኣለክስን እዮም ዝብሃሉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ብመርትዖ ዝተሰነየ ምጉት፡ ምርዕውቲ ዝነበረት ሱዛን ስሚዝ ኣብ ርእሲ ሓዳራ ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ዝምድና ጀሚራ ነይራ።

እቲ መሳርሕታ ምንባሩ ዝግለጽ ውልቀሰብ ብሰንኪ ደቃ ብሓንሳብ ክቕጽሉ ከምዘይክሉ ብምግላጽ ዝምድና ኣቋሪጹ።

ሽዑ ጓል 23 ዓመት ዝነበረት ሱዛን በዚ ተደፋፊኣ፡ ንደቃ እንታይ ከምእትገብሮም ከተሰላስል ጀሚራ።

ሓደ ምሸት ድማ፡ ነቶም ህጻናት ብመኪና ሒዛቶም ካብ ከተማ ወጺኣ። ኣብ ሓደ ቦታ ምስበጽሐት ከኣ ኣብ ኮፍ መበሊኦም ብገመድ ጠሚራ፡ ነታ ዝነበሩዋ መኪና ደፊኣ ናብ ቀላይ ከምእትኣቱ ጌራታ።

ብድሕሪኡ፡ ሓደ ጸሊም ሰብ ለይቲ ምስ መኪናኣ ብሓይሊ ከምዝጨወያን፡ ነታ እቶም ቆልዑ ዝነበሩዋ መኪና ሒዙዋ ከምዝኸደን ሓቢራ። ብዙሓት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብዘይውዓልዎ ገበን ንሕልፈት ከይተረፈ ከምዝእሰሩ ጸብጸባት ይገልጹ።

ንብዓት ሓርገጽ እናነብዐት ደቃ ክምለሱላ ኣብ እትምሕጸነሉ ዝነበረት እዋን ግን፡ እቶም ቆልዑ ድሮ ኣብ ከርሲ እቲ ቀላይ ኣትዮም ነይሮም።

ሰብመዚ ጸጥታን ህዝብን ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቶም ቆልዑ ንምርካብ ኣብ ዳህሳስ ይኹን ሓበሬታ ብምሃብ ሰፊሕ ጻዕርታት ኣካይዶም።

ኣብ መወዳእታ ግን ገበና ተኣሚና።

ድሕሪ ትሸዓተ መዓልታት እታ መኪና ካብቲ 'ሎንግ ሌክ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀላይ ምስወጸት እቶም ዕሸላት ከምታ ዝኣተውዋ ኣብ ኮፍ መበሊኦም ግን ህይወቶም ሓሊፉ ተረኺቦም።

ንነዊሕ ዓመታት፡ በቲ ዘስካሕክሕ ጭካነ ዝተተንከፉ ብዙሓት ሰባት ንዝኽሪ እቶም ህጻናት ዕንባባታትን ባምቡላታት ቆልዑን ኣብ ገምገም ናይቲ ቀላይ የንብሩ ነይሮም።

ጠበቓታታ ኣብ ዘቕረብዎ ምጉት፡ ምስ ደቃ ክትመውት መደብ ከምዝነበራን፡ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ነፍሳ ከምዘድሓነትን እዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ ግን፡ ብቕትለት ክልተ ደቃ ገበነኛ ኮይና ብምርካባ፡ ፈራዶ ንሕልፈት ክትእሰር ወሲኖምላ። ሕጊ ክፍለ-ሃገር ደቡብ ካሮሊና ግን ድሕሪ 30 ዓመት ማእሰርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ምሕረት ምሕታት የፍቅድ'ዩ።

ምሕረት ክግበር እንተኾይኑ፡ ደገፍ ናይ ክልተ-ሲሲ ኣባላት ቦርድ ክርከብ ኣለዎ።

ብፍላይ ናይቲ ድሕሪ ሞት ደቁ ህይወት ምቕጻል ተሳኢንዎ ከምዝነበረ ዝገልጽ ኣቦን፡ መሰኻኽርን፡ ኣማኢት ካልኦት ሰባትን ንሱዛን ምሕረት ክግበረላ ከምዘይብሉ ብምጉስጓሶም ነቲ ቦርድ በዳሂ ምንባሩ ይግለጽ።