ኣብ 48 ሰዓታት መንግስቲ ዘውደቐት ሓያል ጓለንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Tanuja Pandey
ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብ፡ ዜጋታት ኣብ ሓሙሽተ ወይ ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት [ከከም ሕገ-መንግስቶም] - ናብ ነቝጣታት መረጻ ብምኻድ ጥራይ፡ በታ ኣብ ኢዶም ዝሓዙዋ ካርድ ኣቢሎም፡ ብድምጾምን ብዘይ ዝዀነ ዕንወትን ክሳራን፡ ዘይደለይዎ መንግስቲ ካብ ስልጣን ከውርዱን ዝደለይዎ ናብ ዙፋን ክሰቕሎሉን፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ኣለዎም።
እዚ መስርሕ ኵሉ ግዜ ብሰላማዊ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ዛጊድ ዝሓሸ ፖለቲካዊ መስርሕ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።
ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ መራሕቲ፡ ብሓፈሻ ድማ ብፍላይ ኣብ ኣህጉራት ኣፍሪቃን ኤስያን መስርሕ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ቀሊል ስለዘይገብርዎ፡ ድምጺ ህዝቢ ብምስራቕ፡ ተቓውሞታት ብምጭፍላቕን ካልእ መገዲታትን ንዓመታት ኣብ ስልጣን ይጸንሑ።
ብሰንኪ'ዚ፡ እቲ ለውጢ ዝጠልብ ሓድሽ ወለዶ ኣዕናውን ኣኽሳርን ዝዀነ መገዲ ክኽተል ይግደድ፤ ገሊኡ ክሳብ ብብረት፡ ገለ ድማ ኣብ ጐደናታት ብዝገብሮ ተቓውሞ መንግስቲ ክዓሉ ይርአ።
ኣብታ ኣብዚ ቅንያት ኣዘራረቢት ኰይና ዘላ ሃገረ ኔፓል ዘጓነፈ እምበኣር እዚ እዩ።
ሰልፈኛታት ጀን-ዚ ኔፓል ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት መንግስቲ ዓልዮም ዓለም ኣዛሪቦም። እቲ ዓወት ግን ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ እዩ።
ሓንቲ ካብ መራሕቲ እቲ ተቓውሞ ዝዀነት ታኑጃ ፓንደይ፡ "ተሓቢንና ኢና፡ እንተዀነ ዝተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ዘለና - ስንባደ፡ ጣዕሳን ሕርቃንን'ውን ኣሎና" ትብል ።
ኣብቲ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ታሪኽ ኔፓል ዝተኻየደ ዓለም ዘስደመመ ተቓውሞ፡ 72 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
ኣብ ሓምለ 2024 ዝተመረቝ መንግስታዊ ህንጻታት፡ መንበሪ ኣባይቲ መራሕቲ ፖለቲካን ከም በዓል ሂልተን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ሆቴላትን ተቓጺሎም፡ ዓንዮምን ተዘሚቶምን እዮም።
በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ምኒስተር ነበር፡ ገዛኦም ብሓዊ ምስተቓጸለ መሕደሪ ስኢና ንህይወታ ክትቃለስ ተራእያ።
እቲ ተቓውሞታት፡ "ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ድኹም ምሕደራን ምዝመዛ ሃብቲ ህዝብን ዘስዓቦ፡ ፖለቲካዊ ደርቢ ኔፓል ብጅምላ ዝነጸገን እዩ" ይብል ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓለምለኻዊ 'ክራይስስ ግሩፕ'፡ ኣሺሽ ፕራድሃን።
ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝወረደ ጉድኣት፡ "ምስቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ዳርጋ 9 ሽሕ ህይወት ዝበልዐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመጣጠን ክኸውን ከምዝኽእል" ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ዕንወት ኣብ ርእሰ ከተማ ካታማንዱ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን፤ ኣብ መላእ ሃገር ብውሕዱ 300 ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ጉድኣት ወሪድዎም ኣሎ።
እቲ ፋይናንሳዊ ክሳራ 3 ትሪልዮን ሩፒ ኔፓል (21.3 ቢልዮን ዶላር) ከምዝኸውን ይግመት።
እዚ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ውሽጣዊ ባጀት እታ ሃገር ምዃኑ ይግመት።

ምንጪ ስእሊ, Instagram / sgtthb
እቶም ሕንቝቓት
ክልተ መዓልታት፡ ቅድሚ እቲ ብ8 መስከረም ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ጓል 24 ዓመት ተሓላቒት ከባቢ ወይዘሪት ታኑጃ ፓንደይ፡ ቹረ ኣብ ዝተብሃለ፡ ሓደ ካብቶም ዝፈርሱ ዘለዉ ሰንሰለታት ኣኽራናት፡ ናይ ዕደና ቦታ ዘርኢ ቪድዮ ሰቒላ ነይራ።
ጸጋታት ኔፓል፡ናይ ህዝቢ እምበር "ናይ ፖለቲከኛታት ናይ ብሕቲ ኩባንያታት" ክኸውን ከምዘይብሉ ጽሒፋ፤ "ኣንጻር ብልሽውናን ብዅን ኣጠቓቕማ ሃብቲ ሃገርን" ክስለፉ ድማ ንመዛኑኣ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ከም ብዙሓት ምንቅስቓሳት መንእሰያት ኤስያ፡ ተቓውሞታት ጀን-ዚ ኔፓል እገለ ዝበሃል መራሒ ዘይብሉ እዩ ነይሩ።
መንግስቲ ኔፓል፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘይምምዝጋቦም ጠቒሱ 26 መተግበሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክእገድ ድሕሪ ምውሳኑ ተመሳሳሊ ጻውዒት ቀሪቡ ነይሩ።
ንኣዋርሕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብዘይተኣደነ ሃብቶም ዝተኸሰሱ ደቂ ሓያላት ፖለቲከኛታት "nepo babies" [እቶም ሕንቁቓት] ቍጥዐ ክለዓል ቀንዩ።
ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣዘራርብቲ ዝዀኑ ኣሳእል፡ ወዲ ሓደ ምኒስተር፡ኣብ ጐድኒ ኣዝዩ ክቡርን ፍሉጥን ንብረት [ብራንድ] ዝሓዙ ድርዳር ባኮታታት ህያብ ልደት ደው ኢሉ ዘርኢ እዩ።
ከም ምላሽ ነዚ ድማ፡ "ዘይፍትሓዊ" ምዃኑን፡ ኣቦኡ ድማ "ካብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝረኸቦ ነፍሲ ወከፍ ሩፒ ናብ ሕብረተሰብ ከም ዝመለሶን" ገሊጹ።
ወይዘሪት ፓንደይ፡ ዳርጋ ኵሉ ትሕዝቶ "ነፖ ቤቢስ" ተዓዚባ ነይራ። እንተዀነ፡ ከምቲ ሓደ ምቾት ዝመልኦ ወዲ ፖለቲካዊ-ስድራቤትን፡ ምስ ሓደ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወሽመጥ ስራሕ ዝእልሽ ተመዓራርዩ ዝቐረበ ዝመሰጣ ነገር የለን።
"ኣብዚ ደሞዝ ኣዝዩ ትሕቲ ስለዝዀነ፡ ዝተምሃሩ መንእሰያት'ውን ክስደዱ ከምዝግደዱ ምፍላጥ ዘሕምም'ዩ" ትብል።
ኔፓል ገና ጀመሪት ዲሞክራስያዊት ሃገር እያ።
ድሕሪ'ቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ብማኦ ዝምራሕ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ዝሃለቝሉ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ 2008 እያ ሪፓብሊክ ኰይና።
እቲ ቃል ዝተኣተወሉ ምርግጋእን ብልጽግናን ግን ኣይተፈጸመን።
ኣብ ውሽጢ 17 ዓመታት ኔፓል 14 መራሕቲ ርእያ፤ ዝዀነ ካብዞም መራሕቲ ግን ንምሉእ ሓሙሽተ ዓመት ዘመነ-ስልጣን ክጸንሕ ዝኸኣለ የለን።
ፖለቲካ እታ ሃገር ከም ሙዚቃ እዩ ዝቃየየር፤ ዴሳውያን ውድባትን ኔፓላዊ ኮንግረስን በብተራ ይገዝኡ።
ብሰንኪ ተቓውሞ ጀን-ዚ ካብ ስልጣኑ ዝተገለፈ ኬፒ ሻርማ ኦሊ ዝርከብዎም ሰለስተ መራሕቲ፡ ብተደጋጋሚ ናብ ስልጣን ተመላሊሶም።
ኣብ ኔፓል፡ ዓመታዊ ኣታዊ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ትሕቲ 1500 ዶላር ኰይኑ፡ ኣብ ደቡብ ኤስያ፡ ንኣፍጋኒስታን ጥራይ ብምቕዳም እታ ዝደኸየት ሃገር እያ።
ብገምጋም 14% ካብ ህዝባ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይሰርሕ፣ ካብ ሰለስተ ስድራቤታት ድማ ሓደ ሓዋላ ይረክብ።
ወይዘሪት ፓንደይ ካብ ምብራቓዊ ኔፓል ካብ እትርከብ ማእከላይ ደርቢ ስድራቤት ዝተወልደት ኰይና፡ ኣቦኣ ጥሮተኛ መምህር እዩ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ሕበጥ ሓንጎል [ቱዩመር] ከምዘለዋ ተረጋጊጹ፣ ክሳብ ሕጂ ድማ ሕክምና ትከታተል ኣላ።
ወጻኢታት ሕክምና ንስድራቤታ ዳርጋ ጥርሖም ስለዘትርፎም፡ ዓባይ ሓፍታ ናብ ኣውስትራልያ ክትስደድ ተገዲዳ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
8 መስከረም
ቅድሚ እቲ ተቓውሞታት፡ ሚስ ፓንደይ ምስ ካልኦት ብምዃን፡ ሰላማውን ኣብ ምክብባር ዝተመስረተን፡ ኣንጻር "መዝመዝቲ" ዝነቓቕሕ መግለጺታት ኣዳልያ።
ንግሆ 8 መስከረም ምስ ሓያሎ መዛኑኣ ኣብ ማእከላይ ካታማንዱ ኣብ እትርከብ ዓባይ ደሴት በጽሐት። እንተበዝሐ ሓደ ሽሕ መንእሰያት ክስዕቡዋ እያ ትጽቢት ገይራ ነይራ፤ እቲ ብዝሒ ግን እናበዝሐ ከይዱ።
ጓል 26 ዓመት ሰልፈኛ ኣክሪቲ ጊሚረ፡ ነገራት ኣብ መጀመርታ ሰላማዊ ምንባሩ ገሊጻ።
"ኵላትና ኮፍ ኢልና ኔርና፣ ናይ ቀደም ደርፍታት ኔፓል ኢና ንደርፍ ነይርና" ትብል።
"እቲ ጭርሖታትን ደርፍታትን መስሓቕ እዩ ነይሩ - ነስተማቕሮ ነይርና። ብድሕሪኡ ድማ፡ ሰልፊ ጀሚርና... ፖሊስ ኣብኡ ነይሮም።"
ክልቲአን - ፓንደይን ጊሚረን - ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ገለ ስምዒት ክቕስቅሰን ጀሚሩ።
ህዝቢ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ባይቶ ኣባይቲ ኒው ባነሽዎር ክግዕዝ ጀሚሩ።ገለ ሰባት ብሞተር ብሽክለታ ክመጹ ተራእዮም፡ ወይዘሪት ፓንደይ ድማ እዞም 'ዓበይቲ' ሰባት እዚኦም መን እዮም ኢላ ክትሓትት ጀሚራ።
ጊሚረ'ወን ክትጠራጠር ጀሚራ።
"እቶም ብሓቂ ንለውጢ ዝመጹ ሰላማውያን ሰልፈኛታት፡ ካብቶም ነቲ ኵነታት ክብለጹ ዝተሓወሱ ምፍላይ ኣብዩና።"
ገለ ሰልፈኛታት፡ ናብቲ ከባቢ ባይቶ ክጥሕሱ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ፡ ውዑይ ክገትእዎም ፈቲኖም፤ ተኹስ ድማ ከፊቶም። ንኣሽቱ ተምሃሮ ከይተረፉ ግዳያት ኰይኖም።
ንጽባሒቱ ህውከትን ግጭትን ነጊሱ።
ሰልፈኛታት ሕነ ብምፍዳይ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተርን ካልኦት ህንጻታት መንግስትን ብሓዊ ኣቃጺሎም።
ክልቲአን ፓንደይን ጊሚረን ኣብ ውሽጢ ገዛ ኰይነን፡ ነቲ ምዕባለታት ብኢንተርነት ተዓዚበናኦ።
ጊሚረ፡ ብዛዕባ ምዕናው ኣባይቲ እቶም ፖለቲከኛታት - መራሕቲ ብምጥቃስ፡ "ኣብ መወዳእታ እዚ ምርኣይ ኣዝዩ ጽቡቕ ስምዒት ከምዝፈጠረ" ገሊጻ።
እቲ ኵነታት ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ጸልመተ።
"ነዳዲ ዝመልአ ጠራሙዝ ዝሓዙ ሰባት ርእየ። ካብተን ሞተር ብሽክለታታት እዮም ዘሕድጉ ነይሮም። ነቲ ባይቶ ከጥቅዑ ጀሚሮም" ትብል ፓንደይ።
እታ ምርቕቲ ሕጊ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክነድድ ምስ ረኣየት፡ ንዓይ ከም "ቤተ መቕደስ" እዩ ነይሩ ብምባል ነቢዓ።
ሰራዊት ነቲ ኵነታት ንምቍጽጻር ምስ ተዋፈረ ገለ ህድኣት ተመሊሱ፤ ንመዓልታት ዝኣክል ዕጽዋ ተኣዊጁ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰሙን፡ ዋና ሓላፊት፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ሱሺላ ካርኪ ግዝያዊት ቀዳመይቲ ምኒስተር ኰይና ተመዚዛ ኣላ።
ካብቶም ሰልፈኛታት ድጋፍ ኣለዋ።
ፓንደይ፡ "እታ ዳኛ ንሃገር ብብቕዓት ክትመርሕ፡ ምርጫ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ክትገብርን ስልጣን ንህዝቢ ከተረክብን" ተስፋ ትገብር።
እቲ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መጻኢ ኔፓል ዘሎ ሻቕሎት ግን ይቕጽል ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስድራ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ዝርንዝሕ ይነብዑ ኣለዉ።
ወዲ 23 ዓመት ዮገንድራ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ዝሞተ ኣባል ስድራኦም፡ "እንፈትዎ ወድና ስለ ዝሰኣንና ኣዚና ሰንቢድና፤ ክሳዕ ሕጂ ብኸመይ ከም ዝሞተ ኣይፈለጥኩን" ኢሉ።
ሚስ ፓንደይ ብዛዕባ መጻኢ ሃገራ ተስፋ ከምዘለዋ፡ እንተዀነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠማ ስንባደ ንዝተረፈ ህይወታ ምስኣ ከምዝነብር ገሊጻ።
እዚ፡ ውጽኢት ፖለቲካዊ ንቕሓት ወለዶኣ ምዃኑ ትኣምን።
"ድሕሪ ሕጂ'ውን፡ ክንዕፈን ወይ በደል ክንቅበል ፍቓደኛታት ኣይኰናን።"

ምንጪ ስእሊ, Reuters




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







