ሓማስ፡ ንያሕያ ሲንዋር ጠቕላላ መራሒኡ ገይሩ ሸይሙ

ያሕያ ሲንዋር

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓማስ፡ ኣብ ዶውሓ ርእሰ ከተማ ቐጠር ንኽልተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየዶ ነዊሕ ዘተ፡ ንያሕያ ሲንዋር ሓድሽ ሓላፊኡ ገይሩ ሸይምዎ።

ያሕያ ሲንዋር፡ ንፖለቲካዊ ስልጣን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቴህራን - ኢራን ዝተቐተለ ኢስማዒል ሃኒያ ሒዙ ክሰርሕ እዩ።

ያሕያ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ መራሒ እቲ ጕጅለ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ንፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ክመርሖ እዩ።

መሪሕነት ሓማስ፡ ሲንዋር ነቲ ምንቅስቓስ ንኽመርሖ ብምሉእ ድምጺ ከም ዝመረጾ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሓማስ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኢራንን መሻርኽታን ንቅትለት እስማዒል ሃኒየ ሕነ ከም ዝፈድያ ምግላጽን ስዒቡ ውጥረት ማእከላይ ምብራቕ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ’ዩ፡ ሽመት ያሕያ ሲንዋር ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ።

ኢራንን መሻርኽታን ንቅትለት ኢስማዒል ሃኒያ ንእስራኤል ክኸሳ እንከለዋ፡ እስራኤል ግን ዛጊት ምላሽ ኣይሃበትን።

ሓማስ፡ መራሒ እቲ ጕጅለ መን ይዅን ኣብ ዝብል ኣብ ዶውሓ ንክልተ መዓልታት ከቢድ ኣኼባ’ዩ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብዙሕ ክትዕ ዝተርኣየሉ ኣኼባ ያሕያ ሲንዋርን መሓመድ ሓሰን ዳርዊሽን ሕጹያት ኰይኖም ቀሪቦም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዙሕ ክረአ ዘይደሊ ዳርዊሽ፡ ጠቕላላ ሓላፊ ናይቲ ባይቶ 'ሹራ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሓማስ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ እቲ ባይቶ ብዘይ ገለ ተቓውሞ ብምሉእ ድምጺ ንያሕያ ሲንዋር ጠቕላላ መራሒ እቲ ጕጅለ ገይሩ ከም ዝመረጾ ብምግላጽ፡ “ንእስራኤል መልእኽቲ ዘሕለፈ ሕርያ” ኢሉ።

“ንሃኒያ ቀቲሎምዎ። ፍታሕ ንምምጻእ ተዓጻጻፊ ዝዀነ ሰብ ንሱ እዩ ነይሩ። ሕጂ ምስ ሲንዋርን ወተሃደራዊ መሪሕነት ከመይ ከም ዝመኽሩ ክንርኢ ኢና” ኢሉ።

ዲፕሎማሰኛታት እቲ ዞባ፡ ንሃኒያ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሓማስ ብምንጽጻር ሓቀኛን ብግብሪ ዝኣምንን ብምባል ይገልጽዎ ነይሮም።

ሓድሽ ጠቕላላ መራሒ ሓማስ ኰይኑ ተሸይሙ ዘሎ ያሕያ ሲንዋር ድማ ከም ኣኽራሪ እዩ ዝረአ።

ሲንዋር፡ ብእስራኤል ኣመና ካብ መንጐ ዝድለዩ መራሕቲ ሓማስ’ዩ።

ትካላት ጸጥታ እስራኤል፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ሲንዋር ብላዕለዋይነት ከም ዘዋደዶ እዮም ዝኣምኑ።

እስራኤል በዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 251 ሰባት ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ትገልጽ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል፡ “ያሕያ ሲንዋር ዝተበሃለ ግብረሽበራዊ ንኢስማዒል ሃኒያ ተኪኡ መራሒ ሓማስ ምዃኑ፡ እዚ ጕጅለ ካብ ገጽ-ምድሪ ንምጥፋእ ካልእ ምኽንያት’ዩ” ክብል ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ።

“ያሕያ ሲንዋር ግብረሽበራዊ’ዩ። ነቲ ዝፈጸሞ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ክወስድ’ዩ” ኢሉ።

ሲንዋር ኣብቲ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ቅድሚ ሕጂ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ “10 ደርቢ ኣብ ትሕቲ መሬት” ተሓቢኡ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

ያሕያ ሲንዋር ኣብ 1962 [ኣ.ኣ] ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኸሃን ዩኒስ እዩ ተወሊዱ።

ኣብ መወዳእታ 1980ታት ማጅድ ዝበሃል ጕጅለ ጸጥታ ሓማስ መስሪቱ። እዚ ጕጅለ ሓደ ካብ ዝዓሞም ዕማም፡ ምስ እስራኤል ንዝሓበሩ ፍልስጤማውያን ዒላማ ምግባር ነይሩ።

ዝበዝሕ ህይወቱ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ እስራኤል ዘሕለፈ ያሕያ ሲንዋር፡ ኣብ 1988 ንሳልሳይ ግዚ ተኣሲሩ ንኣርባዕተ ዓመት ተፈሪዱ ነይሩ።

እስራኤል ኣብ 2011 ንሓሙሽተ ዓመታት ብሓማስ ተታሒዙ ዝነበረ ጋሊድ ሺላት ዝተበሃለ ወተሃደራ ንኸተልቅቕ ካብ ዝፈትሐቶም 1027 ፍልስጤማውያን ያሕያ ሲንዋር ሓደ ነይሩ።

ወዲ 61 ዓመት ሲንዋር ኣብ 2017 ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ወሽመጥ ቓዛ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ሲንዋር፡ ኣመሪካ “ዓለምለኸ ግብረሽበራውያን” ኢላ ካብ ዝመዝገበቶም ሰባት ሓደ እዩ።