እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ኣደስኪሉ ስልጣን ዝበሓተ ፕረዚደንት ክወርድ ይሕተት
ኣሽሓት ሰልፈኛታት ቱኒዝያ፡ ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ‘ታ ሃገር ወጺኦም፡ ነቲ ባይቶ ኣደስኪሉ ቅዋም ብምምሕያሽ ስልጣኑ ከጽንዕ ዝፍትን ዘሎ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክለቅቕ ይጽውዑ ኣለው።
ኣብ ቱኒዝ፡ እቶም ንሓድሕዶም ዓሚቝ ፍልልያት ዘለዎም ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት በበይኖም’ዮም ሰልፍታት ኣካይዶም።
እንተዀነ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ጕጅለታት፡ ፕረዚደንት ካይስ ስዒድ ድሕሪ ኣብ 2011 ለውጢ ንዝተራእየ ዲሞክራስያዊ ምዕባለ ንድሕሪት ዝጐተት ዘሎ መላኺ ምዃኑ ወጊዞም።
ብተወሳኺ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ሕጽረት መግብን ነዳድን ተኸሲቱ ዘሎ ቍጠባዊ ቅልውላው ተሓታትነት ክህሉ ሓቲቶም።
ብዙሓት ነቐፍቲ፡ ፕረዚደንት ስዒድ፡ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ፡ ንቱኒዝያ ፍጹም ስልጣን ናብ ዘለዎ ምልኪ - ብሓደ ሰብ ዝመሓደር ስርዓተ መንግስቲ - ንምምላስ ፈቲኑ ክብል ይኸስዎ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሓምለ 2021 ንቐዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምብራርን ባይቶ ድሕሪ ምድስካልን፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብቐንዲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝተነጽገ ስልጣን ሓደ ሰብ ዘጽንዕ ቅዋም ነዲፉ።
እቲ ሓድሽ ቅዋም፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2011 ን ውልቀመላኺ ዜን ኣል-ዓቢዲን ቤን ዓሊ ካብ ስልጣን ዝገለፈ ጽድያ ዓረብ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ዝተነድፈ ቅዋም ዝትክእ ዘሎ እዩ።
እዚ ቅዋም፡ ነቲ ፕረዚደንት ምሉእ ስልጣን ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ዝዀነ መዝነታት ክህብ ዘኽእል ስልጣን ዝህቦ እዩ።
ፕረዚደንት ስዒድ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ልምሰትን ቍጠባዊ ድህከትን ንምቕልባስ ኣድላዪ ስጕምቲ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ዘካይዶ ዘሎ ጽገናታት ብመንፈስ ሰውራ 2011 ዝተደረኸ፡ ዝሓሸ መጻኢ ዘረጋግጽን እዩ፡ ክብል ይምጕት።
ደገፍቱ ንስጕምትታቱ ብሓጐስ ዝተቐበልዎ ኰይኖም፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝተበታተነን ብልሹውን ስርዓት ንምምካት ሓያል መራሒ ከምዘድሊ ይገልጹ።
ብቐዳም ኣብ ማእከላይ ቱኒዝ ኣብ ጐደናታት ዝወጽኡ ሰልፈኛታት፡ “ውድቀት ንውልቀመላኺ ካይስ፣ ዕልዋ መንግስቲ ክፈሽል እዩ!” ዝብል ጭርሖታት ከስምዑ ውዒሎም።
ሓደ ካብቲ ሰልፍታት፡ ባይቶ ‘ታ ሃገር በቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ምድስካሉ ነቲ ባይቶ ዓብሊሉ ዝነበረ እስላማዊ መንፈስ ዘለዎ ሰልፊ ኣልናህዳ ዝርከቦም ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓቘፈ ጥምረት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝወደቦ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቱኒዝያ ነበርን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣልናህዳን ዓሊ ላራየድ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ - ኤኤፍፒ - ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ተቓውሞ መግለጺ "ኣብ ትሕቲ ካይስ ስዒድ ንዝተፈጥረ ቁጥዐ" እዩ ክብል ብምግላጽ፣ "[ስልጣን] ክለቅቕ ኢና ንነግሮ ዘለና፡" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተስፋ ምቝራጽ፡ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ጠቒሱ፡ ሚስተር ስዒድ ኣብ ስልጣን እንተቐጺሉ፡ "ቱኒዝያ መጻኢ ኣይክህልዋን እዩ፡” ኢሉ።
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ድሩት ስልጣን ዘለዎ ሓድሽ ባይቶ ንምምራጽ ኣብ ታሕሳስ ክግበር ተወጢኑ ንዘሎ ምሃብ ድምጺ ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ።
ዓሚቝ ስነ-ሓሳባዊ መቐናቕንቲ ኣልናህዳ ዝዀነ ዓለማዊ ሰልፊ፡ ናጻ ‘ዲስቶሪያ’ እውን ትማሊ ቀዳም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዱ እዩ።
ገለ ካብቶም ሰልፈኛታታ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መስከረም 9.1 ሚእታዊት ዝበጽሐ መጠነ ዝቓበበ፡ ዝሰዓበ ወሰኽ ዋጋ ዝስተ ማይ ንምምልካት ጥርሑ መትሓዚ ማይ ሒዞም ተራእዮም።
ፕረዚደንት ስዒድ፡ "ዋላ ሓንቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ የለን፣ ነገራት ድማ እናኸፍኡ ጥራይ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ" ትብል 60ታት ዝዕድመኣ ጡረተኛ ሱዓድ።
ኣብ 2011 ዝተኻየደ ሰውራ ቱኒዝያ ካብ መብዛሕትኡ ኣብቲ ዞባ ዝተኻየደ ናዕቢ ጽድያ ዓረብ እቲ እንኮ ዕዉት ምዃኑ ዝግለጽ’ኳ እንተዀነ፡ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምርግጋእ ግን ኣየምጽአን።
እታ ሕጽረት ገንዘብ ኣጓኒፉዋ ዘሎ ቱኒዝያ፡ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ለቓሕ ንምሕዋይ ምስ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ትዘራረብ ኣላ።