እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቲኒዝያ፡ ብምስጢር ዝተቐድሐ ድምጺ ናይ መወዳእታ ሰዓታት እቲ ውልቀ-መላኺ
ቢቢሲ፡ ፕረዚደንት ዜን ኣል-ኣቢዲን ቤን ዓሊ፡ ኣብ 2011 ካብ ቱኒዝያ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ብቴሌፎን ዝገበሮ ርክባት ከም ዝዀኑ ዝእመነሉ ዘደንቕ ናይ ድምጺ ቅዳሓት ረኺቡ ኣሎ። እዚ ናይ መወዳእታ ህሞት23 ዓመታት ዘበነ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓቱ ዘኽተመ ዝርርብ ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ንዝነበረ ደሞክራሲያዊ ናዕቢ ጽድያ ዓረብ እውን ዘበጋገሰ እዩ።
እቲ ብክፍሊ ቢቢሲ ዓረብኛ እተረኽበ ምስጢራዊ ቅዳሓት፡ ብኻልኦት ተሰኒዑ ንኸይከውን ብክኢላታት ድምጺ መርመራ ተኻይዱሉስ ሳልሳይ ኢድ ዘይሓለፎ ኦሪጂናል ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ።
ቤን ዓሊ ኣብ 2019 ኣብ ሞሮኮ እኳ እንተሞተ ቢቢሲ ነቲ ናይ ድምጺ ቅድሓት ነቶም ይፈልጡ እዮም ዝበሎም ዝምልከቶም ውልቀ ሰባት ተወኪሱዎምስ እቲ ድምጺ ሓቀኛ ምዃኑ ዳግም ኣረጋጊጾምሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ገለ ሰባት ፈጺሙ ሓቅነት የብሉን ብማለት ይከራኸሩ።
እቲ እተቐድሐ ድምጺ ሓቀኛ እንተኾይኑ ቤን ዓሊ፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብተን ናይ መወዳእታ 48 ሰዓታት ስርዓቱ ዘስዓቦ ጽልዋ፡ በብቝሩብ ክርድኦ ስለ ዝጀመረን ንስምዒቱ ስለዝተንከፎ ኣረኣእያኡ ከም እተለወጠ ዝሕብር ዘደንቕ ምስትውዓል ኣለዎ።
እቲ ዝተቐድሐ ድምጽታት ምሸት 13 ጥሪ 2011 እዩ ዝጅምር። እቲ ቀዳማይ ድምጺ፡ ናይ ታራክ ቤን ዓሚር ከም ዝዀነ ዝእመነሉ፡ ንጆርጅ ሉካስ፡ ኣብ ቱኒዝያ ናይ መጀመርታ ስታር ዎርስ ፊልም ንክዓዩ ዘተባብዖ ንፉዕ ዳይረክተርን ናይ ሚድያ በዓል ጸጋን ቲኮኖ ንቐረባ ዓርኩ ዝገበሮ መጸዋዕታ እዩ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ በን ዓሊ ነቲ ብህዝቢ ዝጥለብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምህዳእ ብቴለቪዥን መደረ ገይሩ።
ህዝቢ ቱኒዝያ ነቲ ቁጠባዊ ጸገምን ሽግርን ዘኸተለ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ምልካዊ ስርዓትን ዝሰረተ ብልሽውና ተቓውሞታት እናካየደ፡ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ሲዲ ቦዚድ፡ ኣብ ጐደናታት ፍረታት ሸይጡ ንዝነባበር መንእሰይ መሓመድ ቦዓዚዝ ከይሰርሕ ድሕሪ ምኽልካሎም ነብሱ ብሓዊ ምሰጥፈአ እቲ ናዕቢ ተባርዐ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብ 13 ጥሪ፡ ኣስታት 100 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ጎንጺ ሞይቶም።
ቤን ዓሊ፡ ቤን ኣማር ምስ ወደሶ ባህ ኢሉዎ።
"ድንቂ ሰብ ኢኻ፡ እዚ እቲ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ቤን ዓሊ እዩ!" ክብል ቤን ዓሚር ኣብቲ ዝተቐድሐ ድምጺ ይስማዕ።
በን ዓሊ ንነብሱ ኣዝዩ እዩ ዘድንቕ። ኣብ መደርኡ ወታእታእ እኳ እንተበለ ሓያል ድፍረት ነይሩዎ።
"እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ። ንስኻ ከኣ ብቋንቋኦም ስለእትዛረብ ናይ ህዝቢ ሰብ ኢኻ" ኢሉዎ ካልእ ዓርኩ።
በን ዓሊ በቲ ምትብባዕ እፎይታ ዝረኸበ ክመስል ይስሕቕ ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንህዝቢ ቱኒዝያ እተዛረበሎም ቃላት ፈጺሙ እኹል ኣይነበረን። ንጽባሒቱ፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እናሓየለ መጺኡ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ንምቁጽጻር ተደናዲኑ። ስድራ ቤት ቤን ዓሊ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ምእንቲ ድሕነቶም ኢሎም ናብ ስዑዲ-ዓረብ ክሃድሙ ምድላዋት ተገብረሎም፣ ቤን ዓሊ ከኣ ከሰንዮም አእመኑዎ።
ትሕዝቶን ግዜን እቲ ቀጺሉ እተቐድሐ ድምጺ በን ዓሊ ኣብቲ በረራ እንከሎ'ዩ ነይሩ።
ንሱ ንምኒስተር ምክልኻል፡ ንሓለቓ ሰራዊትን ንናይ ቀረባ ፈታዊኡን እሙን ዓርኩን ካመል ኤልታሪፍን ንሰለስቲኦም ናይ ምፍርራሕ ዝመስል ናይ ስልኪ ጻውዒት ከምዝገበረ ይስማዕ።
ንሱ ንሚኒስተር ምክልኻል ሪዳ ግሪራ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተረዳእናዮ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቱኒዝያ ዘሎ ኩነታት ብምሕታት ይጅምር። ግሪራ ኣብቲ እዋን ኣብ ክንድኡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ንቦትኡ ከምዝተከኦ ሓበሮ።
በን ዓሊ ንግሪራ፡ "ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት" ናብ ሃገሩ ከም ዝምለስ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ነቲ ዝሰምዖ ሓበሬታ ሰለስተ ሳዕ ክደግሞ ሓተቶ።
ድሕሪኡ፡ ቢቢሲ ቀረብኡን ፈታዊኡን ኢሉ ንዝኣምን ንካመል ኢልታይፍ ደዊሉ። በን ዓሊ ከኣ ንኢልታይፍ ምኒስተር ምክልኻል ነቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተዎ ነገሮ። ኣልታይፍ ግን ነቲ ሓበሬታ ኣይተቐበሎን።
"ኣይፋሉን እዚ ኩነታት ቀልጢፉ ዝሃድእ ኣይኮነን። ምኒስትሪ ምክልኻል ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዘሎ ኣይመስለንን" ክብል ንዓርኩ ነገሮ።
በን ዓሊ ፡ "እሞ ሕጂ ክምለስ ዲኻ ትመኽረኒ ዘለኻ ዋላ እንታይ?" ክብል ኮለፎ። ቅድሚ ኤልታፊ ምምላሱ ከኣ ነታ ሕቶ ሰለስተ ሳዕ ደገማ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኤልታኢፍ፡ "ኩነታት ጽቡቕ ኣይኰነን ዘሎ" ክብል መለሰ።
ሽዑ ቤን ዓሊ፡ ናብ ሓለቓ ሰራዊት እታ ሃገር ናብ ጀነራል ራኪድ ዓማር ደወለ። ኣብቲ ዝርርብ ድምጺ ዓማር ኣይልለን እዩ። መወዳእታ እቲ ርክብ ግን "ኣነ ፕረዚደንት እየ" ክብል ባዕሉ ነገሮ።
ዓማር "ኩሉ ነገር ደሓን እዩ ዘሎ" ክብል ኣረጋጊጹሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ ቤን ዓሊ ከምቲ ንኤልታፍ ዝሓተቶ፡ ናብ ቱኒዝያ ክምለስ ዝደልዩ እንተኾይኖም ሓቲቱዎ። ሽዑ እውን ዓማር "ቍሩብ እንተ ጸንሐ" ከም ዝሓይሽ ነገሮ።
ዓማር ንቤን ዓሊ፡ "ክቡር ፕረዚደንት መዓስ ክትምለስ ከም እትኽእል ምስ ረኣና ከነፍልጠካ ኢና" ከኣ በሎ ።
እንደገና ናብ ሚኒስተር ምክልኻል ደዊሉ፡ ናብ ዓዱ ክምለስ ዝኽእል እንተኾይኑ ሓተቶ። ሽዑ ግን ግሪራ፡ ንቱንዝያ እንተተመሊሱ "ብዛዕባ ድሕንነቱ ውሕስነት ክህቦ ከምዘይክእል" ንቤን ዓሊ ነገሮ።
ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣቢላ ነፋሪት ፕረዚደንት በን ዓሊ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ- ጅዳ በጽሐት። እቲ ፕረዚደንት ነቲ ፓይለት ንቱንዝያ ንክምለስ ክዳሎ ኣዚዙ፡ ንሱን ስድራ ቤቱን ናብ መዓርፎ ኣጋይሽ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ፈይሰል ከዱ።
እቲ ፓይለት ግና ንትእዛዝ ቤን ዓሊ ኣይተቐበሎን - ሓዲጉዎ ንቱኒዝያ ተመልሰ ።
ቤን ዓሊ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ተበራበረ: ንሚኒስተር ምክልኻል ሃገሩ እንደገና ደወለሉ። ግሪራ እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ናዕቢ ክቆጻጸሮ ከምዘይከኣለ ሓበሮ። ብዛዕባ ዕልዋ መንግስቲ ከይተረፈ እውን ይዝረብ ከም ዘሎ ንቤን ዓሊ ነገሮ።
በን ዓሊ፡ ነቲ ጠለብ ከም ናይ ሕሉፋት "ሰዓብቲ እምነት ምስልምና" ተግባር እዩ ክብል ነጸጎ።
ግሪራ፡ "ኣብ ጐደናታት ቱኒዝያ፡ ክገልጾ ዘይክእል ከቢድ ቍጥዐ ሰፊኑ ኣሎ" በሎ። ነቲ ፕረዚደንት ከኣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውን ነገር እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ክምለስ እየ እንተይልካ ግን ናትካ ውሳነ እዩ" በሎ ።
ቤን ዓሊ ንነብሱን ስሙን ክጣበቕ እናፈተነ "ኣነ ኣገልጊለዮም እምበር እንታይ ገይረዮም" በለ።
"ኣነ መግለጺ ዘይኮነስ ነቲ ዘሎ ኩነታት እየ ዝነግረካ ዘለኹ" ክብል መሊሱሉ።
- ዋና ጸሓፊ ናይቲ ገስጋሲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ማያ ጀሪቢ ብ14 ጥሪ ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፋ።
- ብ17 ታሕሳስ 2010 ሓደ ኣብ ጐደናታት ቱኒዝ ፍረታት ዝሸይጥ መንእሰይ ንከይሸይጥ ምስ ተኸልከለ ንነብሱ ብሓዊ ኣንደደ።
- እቲ ዘሕዝን ተግባረፍ ከኣ ነቲ ናዕቢ ብምጉህሃር ኣብ ጎደናታት ቱኒዝ ምስ ፖሊስ ብዝተገብረ ግጭት ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም።
- ፕረዚደንት በን ዓሊ ብ13 ጥሪ ነቲ ህዝቢ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ኣብ ዋጋታት ምግቢ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ቃል ኣተወ
- ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ በን ዓሊ ምስ ስድራ ቤቱ ብነፋሪት ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እተምርሕ ነፋሪት ተሰቕሉ
ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ሓድሽ መንግስቲ ተመስረተ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ መንግስቲ ቤን ዓሊ ዘገልግሉ ዝነበሩ ግሪራ ዝርከቦም ኣብ ስርሖም ቀጸሉ። ፕረዚደንት ቤን ዓሊ ግን ክሳብ ኣብ 2019 ዝመውት ናብ ዓዱ ኣይተመልሰን።
ሚኒስተር ምክልኻል ሪድሃ ግሬራን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ራኪድ ኣማርን ብዛዕባ እቲ ዝተቐድሐ ድምጺ ርእይተኦም ንክህቡ ብቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።
ናይ በን ዓሊ ቀረባ መሓዛ ካመል ኤልታኢፍን ታራክ ቤን ዓማርን ነቲ ምስኦም ዝተገብረ ናይ ስልኪ ዝርርብ ክክሕዱ እንከለው፡ ቤን ዓማር ነቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ግዝኣቱ ከረጋግጽሉ ከም ዘይፈተነ ገሊጹ።
ቢቢሲ ንሓቅነት እቲ ዝተቐድሐ ድምጺ ንምርግጋጽ ልዕሊ ሓደ ዓመት ግዜ እዩ ወሲዱ።
እቲ እተቐድሐ ዝርርብ ዝተሰነዐ ወይ ገለ ክፋሉ ይኹን ብምልኡኡ ኣርትዖት ተገይርሉ እንተኾይኑ ንምጽራይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ብዝርከቡ ኪኢላታት ድምጺ ክምርምሩ እንከለው ዝኾነ ምልክት ኣይረኸቡን።
ቢቢሲ፡ መንነት እቶም ኣብቲ ናይ ስልኪ ዝርርብ ዝሳተፉ ሰባት ንምርግጋጽ እውን ጽዒሩ እዩ። በቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከኣ ናይ ሰለስተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጸጥታ እቲ መንግስቲ: መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድብን ፕረዚደንት ቤን ዓሊ ዝመስል ድምጺ ረኺቦም።
ኵሎም እቶም ዝተሓተቱ ሰባት ነቲ ዝሰምዑዎ ድምጺ ናይቶም ሰባት ከይተጠራጠሩ ኣለልዮሞም። ብዛዕባ ሓቅነት እቲ ድምጺ ከኣ ስክፍታ ኣየሕደሩን። ድምጾም ምስቲ ቅድሚኡ ዝህቡዎ ቃል ዝመሳሰል እዩ።
እቲ ዝተቐድሕ ድምጺ፡ ሓደ ን23 ዓመት ብምልኪ ዘመሓድር ዝነበረ ጨቋኒ መራሒ ኣብ መወዳእታ ንድሕነቱ መምርሒ ኣገልገልቱ ከም ዝተጸበየ የረድእ። ብ2011፡ በን ዓሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኣካል ኣብ ዘይተረኽበሉ መጋባእያ በቶም ኣብ ጎደናታት ቱኒዝያ ዝሞቱ ሰልፈኛታት ተኸሲሱ ናይ "ህይወት ልክዕ" ማእሰርቲ ተፈርዶ ።