ዶብ ኣርክቲክ ሩስያ፡ ንኲናት ዝዳለዋ ዘለዋ ሓደስቲ ኣባላት ኔቶ

ኔቶ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ምትዅታኽ ንከይህሉ ብምስጋእ ብቐጥታ ንሩስያ ንዘይምጥቃስ ልዑል ጥንቃቐ ክገብረሎም ዝጸንሐ እዋናት ነይሮም።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ሙሉእ ወራር ግን ነዚ ኩሉ ቀይርዎ ኣሎ።
ሕጂ እቲ ኪዳን ዝገብሮ ዘሎ ልምምዳት ንሞስኮ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።
ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት እዚ ኪዳን ንሩስያ ብጽኑዕ ንምዕጋት ከም ዝዀነ ይግለጽ።
እዚ፡ እቲ ኪዳን ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ዘካይዶ ዘሎ ዝዓበየ ኰይኑ፡ 90 ሽሕ ወተሃደራት ዝሳተፍሉን ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ኤውሮጳ ዝካየድን እዩ።
እቲ ስተድፋስት ዲፈንደር ዝተሰመየ ውጥን፡ ፈላሚ ፈተነ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትልሚ ኔቶ ከም ዝኸውን ይግልጽ።
እቲ ትልሚ፡ ዝዀነት ኣባል ሃገር ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ምስ እትኣቱ ብሰራዊት ኰነ መሳርሒ ብቕልጡፍ ንምድጋፍ ዝተዳለወ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ነቲ 'ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ኔቶ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዝተፈጸመ’ዩ' ዝብል መርገጺ እቲ ኪዳን ዘረጋግጽ ከም ዝኸውን ይግመት።
ኣብዚ ጉዳይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝሃቦ ርኢይቶ ነዚ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ገይሩዎ ከይኸውን ይስጋእ፤ እንተዀነ ኣመሪካ ሕጂ’ውን ዓንዲ ሕቖ ኰይና ትቕጽል እያ ዘላ፤ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ዓቢ ሓገዛት ክትገብር ቃል ኣትያ ኣላ።
ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ልምምድ ኣብ ሰሜናዊ ኖርወይ ዞባ ፊንማርክ ይካየድ ኣሎ። እዚ ካብቲ ኖርወይ ምስ ሩስያ ዘዳውባ 191 ኪሎ ሜትሮ ዝረሓቐ ኣይኰነን።
ጓል 21 ዓመት ኖርወጃዊት ተመሃሪት ሕክምናን ወተሃደርን ኢቮር፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ናዚ ንኖርወይ ኣብ ዝወረሩሉ እዋን ወለዳ ናብዚ ከባቢ ክሃድሙ ከም ዝተገደዱ ትዛረብ።
“ኣብዚ ጸኒሐ ክቃለስ ይመርጽ” ትብል።
ሩስያውያን ክወሩ ከም ዘይትጽበ እትገልጽ ኢቮር፡ “ግን ወትሩ ድልዊ ኰይንካ ክትጸንሕ’ዩ ዝሓይሽ” ትብል።
ካብ ስዊድንን ፊንላንድን ዝመጽኡ ሓይልታት ኣብዚ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ወተሃደራዊ ልምምድ ኔቶ ይሳተፉ ኣለው።

ክልቲአን ሃገራት ሓደሽቲ ኣባላት እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ኪዳን ዓለም ብምዃነን ኣብ ውሽጢ ሰራዊተን ዝሓደረ ልዑል ፍናን ኣሎ። ክመጽእ ንዝኽእል ሓደጋ ንምልላይ እውን ዝያዳ ድልዋት እዮም።
ኣብ ገምገም ባሕሪ ፍዮርድ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ ሓደ ፊንላንዳዊ ባሕረኛ፡ ሃገሩ “ንበይና ኣንጻር ሩስያ ምዃና” ትርጉም ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ካልእ ድማ፡ “ኔቶ ንሩስያ የፍርሓ እዩ” ይብል።
ሓደ ስዊድናዊ ባሕረኛ ብወገኑ፡ ሃገሩ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ኪዳን ብምጽንባራ “ዝያዳ ውሕስና” ከም ዝስምዖ ይዛረብ።
ፖለቲከኛታት እታ ሃገር’ውን ነዚ ኣረኣእያ ይቕበሉዎ’ዮም።
ሚኒስተራት ምክልኻል ስዊድን፡ ፊንላንድን ኖርወይን ኣብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ወተሃደራት ካብ ፊንላንድ ናብ ኖርወይ ክሰግሩ እናርኣዩ ነቲ ሓድሽ ኣባልነቶም ጸንቢሎም።
ኣብ ፊት ሮኬት ላውንቸር ኰይኖም ኣብ ዝተስኣሉዎ ስእሊ'ውን ፍሽኽሽኽ ክብሉ’ዮም ተራእዮም።
ሚኒስትር ምክልኻል ስዊድን ፓል ጆንሰን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሩስያ ኣብ ርእሳ ዘውረደቶ ቁስሊ ጨው ክንስንስ ድሕር ኣይበለን።
ኣባልነት ስዊድንን ፊንላንድን ንሞስኮ “ኣደ ኵሉ ዘይተሓሰበ ሳዕቤን” እዩ ብምባል ገሊጹዎ።
ሩስያ ክልቲአን ሃገራት ናብቲ ኪዳን ከይጽንበራ ደው ንምባል ሓያሎ ጻዕሪታት እኳ እንተገበረት ኣይሰመረላን።
ኣባልነት ፊንላንድ፡ ክልቲአን ሃገራት (ሩስያን ፊንላንድን) ልዕሊ 1,287 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ናይ ሓባር ዶብ ዘለወን ብምዃነን፡ ሩስያ ዝያዳ ናብ ኔቶ ክትቐርብ ገይሩ’ዩ፤ ሕጂ እተን ኣባል ሃገራት ነዚ ክከላኸላ ድሉዋት ክዀና እየን።
እቲ ስግአት ክሳዕ ክንደይ ሓቂ’ዩ?
ኣብዚ እዋን፡ ሩስያ ሓይልታታ ኣብ ዩክረይን ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት ተጸሚዶም ስለ ዘለው ናይ ቀረባ ስግኣት እያ ዝብል ሰብ የለን።
እንተዀነ፡ ሩስያ ንሓንቲ ኣባል ሃገር ኔቶ ዒላማ ክትገብር ትኽእል እያ ዝብል ዝጸንሐ ኣረኣእያ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ስዊድን፡ ህርፋን ሞስኮ ካብ ዩክረይን ንላዕሊ ከም ዝኸይድ ዘጠራጥር ኣይኰነን ይብል።
ሌተናል ጀነራል ካርል-ጆሃን ኤድስትሮም፡ “ስግኣት ሩስያ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ፤ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ክንሕይል ኣለና” ይብል።
ኔቶ፡ ነቲ ኣፋፍኖት ተጠቒሙ ዓቕሚ ሓይልታቱ ከሐይል ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
ካልኦት ሓያሎ ሓለፍቲ ሰራዊት ኤውሮጳን ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን እውን፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መላፍንቲ ኔቶ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ከም እትኽእል የጠንቅቑ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝከታተሉ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝዀነ ምክትል ኣድሚራል ዳግ ፔሪ፡ “ኤውሮጳ ድሮ ኣብ ኲናት ከም ዘላ” ንጹር'ዩ ይብል።
ንግዚኡ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዩክረይን ተሓጺሩ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ ኔቶ “ባህርያትን ዓቕሚን ሩስያ ክግምግም ኣለዎ። ነዚኦም ደሚርካ ምድላው የድሊ” ኢሉ።
ፊንላንድን ስዊድንን ኣብ ቀረባ እዋን ኣባል ኔቶ ምዃነን ድማ ነጸብራቕ ናይቲ ስግኣት እዩ ኢሉ ይኣምን።
ሃገራት ኖርዲክ ልክዕ ከም ሃገራት ባልቲክ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ኣለና ዝብል ልዑል ስምዒት ስግኣት እዩ ዘለወን። እዚ ድማ፡ ዋጋ እቲ ኣብ ጥቓ ሩስያ ምንባር ምዃኑ እዩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ንላዕሊ ወጻኢታት ምክልኻል ብቕልጡፍ ክውስኻ ይርኣያ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን መሪር ተመክሮ ወራር ዘሕለፋ ብምዃነን ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዘ ዋጋ ኲናት እንታይ’ዩ ዝብል ዝርድአን ግዝኣታት'ውን እየን።
ኣብ ግዝኣታት ኖርዲክ፡ ምክልኻል ካብ ዝዀነ ክፋል ኤውሮጳ ብዝተፈለየ ልዑል ወፍሪ ዝግበረሉ ዓውዲ እዩ።
ኩለን፡ ገለ መልክዕ ወተሃደራዊ ዕስክርና ኣለወን፤ እዚ ማለት ኵሉ ወለዶ ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዘለዎን ብዙሓት ድማ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኰይኖም ዘገልግሉን’ዮም።
ኵሎም ኣባል ሃገራት ኔቶ ግን ከምዚ ዓይነት ጽቡቕ ምድላዋት ዘለወን ኣይኰናን። ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ሰራዊት ንምምልማል ይጽገማ እየን ዘለዋ።
ኣብዚ ልምምድ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሞያውያን ወተሃደራት ኣባላት ሓለዋ ገዛ ኖርወይ ይርከብዎም - መብዛሕትኦም ናይ ትርፊ ግዜ ወተሃደራት እዮም።
ነዚ ልምምድ ክኣ፡ ከም ጸላኢ ኰይኖም ይዋስኡ ኣለዉ። ኣብቲ ብበረድ ዝተሸፈነ ጎቦታት እናጐየዩ፣ ኣብ ቆራር ኩነታት ኣየር እናደቀሱ ይሳተፉ ኣለው። መብዛሕትኦም ክኣ መንእሰያት እዮም።
ጓል 21 ዓመት መምህር መውዓሊ ህጻናት ጆሴፊን፡ “ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዘለዎም ሰባት ኣለዉና፤ ኣብ ኩሉ ስለ ዘለና ድማ ከምኡ ምዃኑ ውሑስ ይገብሮ” ኢላ።
ጓል 20 ዓመት ነርስ ኤልሳቤጥ ብወገና፡ "ንኖርወይ ብሓቂ ክከላኸሉ ዝደልዩ ሰባት ምህላዎም ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ ኩላትና ውሕስነት ክስምዓና" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







