153 ሰባት ጽዒኖም ኣብ በረራ እንከለዉ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝደቀሱ ክልተ ፓይሎታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢንዶንዥያ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር በረራታት እተካይድ መንገዲ ኣየር ባተክ፡ ነፋሪት ኣብ በረራ እንከላ ክልቲኦም ፓይሎታት ደቂሶም እታ ነፋሪት መስመራ ከምዝሰሓተት ተገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኢንዶንዥያ እቲ ጉዳይ ብህጹጽ ክምርመር ምዃኑ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ካብ ሱላወሲ ናብ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ኣብ እተምርሓሉ ዝነበረት’ዮም ክልቲኦም ፖይሎታት ንኣስታት 28 ደቃይቕ በጥ ኢሎም ደቂሶም፡ እታ መንገዲ ኣየር ንክልቲኦም ፓይሎታት ካብ ስራሕ ደው ኣቢላቶም ኣላ።
እታ ኣየርባስ ኤ320 ዝዓይነታ 153 ገያሾን ኣባላት በበራራን ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት መስመራ’ኳ ስሒታ እንተነበረት ብሰላም ክትዓልብ ግን ክኢላ’ያ።
እቲ ብ25 ጥሪ ዘጋጠመ ክስተት እታ ነፋሪት ናብ ጃካርታ ኣብ ትኸደሉ ዝነበረት እዋን መስመራ ከምዝስሓተት ዝፈለጡ ኣብ መሬት ዝነበሩ ተቆጻጸርቲ ድሕሪ ዝገበርዎ ተደጋጋሚ ጻውዒት’ዮም እቶም ፓይሎታት ክበራበሩ ክኢሎም።
ወዲ 32 ዓመት ቀንዲ ፓይሎት እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ንተሓጋጋዚኡ ነታ ነፋሪት ክመርሓ ብምሕባር ንእሽተይ ቀም ከብል ምዃኑ ሓቢርዎ፡ እቲ ወዲ 28 ዓመት ተሓጋጋዚኡ ከኣ ንትእዛዝ ሓላፊኡ ተቐቢሉ ነታ ነፋሪት ክመርሓ ከምዝጀመረ ሚኒሰትሪ መጓዓዝያ ኢንዶኒዥያ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
እንተኾነ እቲ ተሓጋጋዚ ፓይሎት’ውን፡ ብዓልቲቤቱ ቅድሚ ወርሒ ማናቱ ወሊዳ ለይቲ ቆልዑ ኣብ ምሕብሓብ ክሕግዛ ስለዝሓደረ ደኺሙ በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ክልተ ፓይሎታት ደቂሶም 153 ተጓዓዝቲ ዝሓዘት ነፋሪት ብዘይ ኣላዪ ንሰማያት ኢንዶኒዥያ ክትሕንብሰሉ ጀሚራ።
ኣብ ጃካርታ ዝነበሩ ተቆጻጻርቲ ትራፊክ ናብቶም ፖይሎታት ተደጋጋሚ ጻውዒት’ኳ ኣንተኣቕረቡ ን28 ደቃይቕ ግን ዝኾነ መልሲ ክረኽቡ ኣይክኣሉን፡ ድሒሮም ግን ክልቲኦም ፓይሎታት ስለዝተበራበሩ ነታ ነፋሪት ናብ መስመራ መሊሶም ኣብ ጃካርታ ብሰላም ከዕልብዋ ክኢሎም።
ክልቲኦም ፖይሎታት በረራ ቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ዝተገበረሎም መርመራ ኩነታት ህርመት ልቦም፡ ጸቅጢ ደሞምን ካልእ ኩነታት ጥዕነኦምን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝነበረ’ዩ ዘርኢ።
መንገዲ ኣየር በቲክ ኣብ 2019’ውን ፓይሎት ናይታ ነፋሪት ኣብ ዕውለት ምስ ኣተወ ብህጹጽ ኣብ ካልእ መዓርፎ ነፋሪት ክትዓልብ ከምዝተገደደት ዝዝከር’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







