ካብ መገዲ ኣየራት ኣፍሪቃ፡ ብብዝሒ ነፈርቲ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ በዓል መን’የን?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ሓደ መገዲ ኣየር ንምጅማርን፡ ጀሚርካ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ብዙሕ ገንዘብን ዓቕሚ ሰብን ዝሓትት ዓይነት መጓዓዝያ’ዩ።
ነፈርቲ ምግዛእ፡ ገዚእካ ዓማዊል ከም ዝረኽባ ምግባር፡ ምስ ዘሎ ዘመናዊ ቴክኒሎጂ ከም ዝኸዳ ምግባር ብዓቢኡ ከኣ ነዚ ዘተግብሩ ሰብ ሞያ ምርካብ መንገዲ ኣየራት ካብ ዘጋጥመን ብድሆታት እቲ ገሊኡ’ዩ።
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሰን መንገዲ ኣየራት ንክህልወን ብዙሕ ግዜ ክፍትና ይርኣያ።
እንተዀነ እተን ዝበዝሓ ነዊሕ ከይከዳ ክሳራ እናኣጋጠመን ቀልጢፈን’የን ዝዕጸዋ። ሰንከልከል እናበላ ዝቅጽላ’ውን ኣይተሰኣናን።
ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ኣብ ዓለማዊ ውድድር ኣቭየሽን ምስ ብዙሓት መገዲ ኣየራት እናተወዳደራ ህላውአን ዘረጋገጻን ኪንኡ ሓሊፈን’ውን ኣዝየን ኣብነታውያን ክብሃላ ዝበቕዓ መገዲ ኣየራት ኣለዋ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል’ዩ።
ኣብዚ ውድድር ዝበዝሖን ብዙሕ ወጻኢታትን ዝሓትት ጽላት መገዲ ኣየር፡ መገዲ ኣየራት ዘለወን ዓቕምን ጽሬትን ንምዕያር ዝተፈላለዩ መምዘኒታት ኣለዉ።
ገለ ካብኡ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ዝብጽሖ ቦታታት፡ብዝሒ ዘአንግዶም ገያሾን ዓመታዊ ዝረኽቦ መኽሰብን እቲ ኣብ ቅድሚት ዝጥቀስ ኰይኑ፡ እቲ መገዲ ኣየር ዝውንነን ብዝሕን ዓይነት ነፈርትን’ውን ሓደ ካብቲ መዐቀኒታት’ዩ።
ብደረጃ ዓለም ብብዝሒ ነፈርቲ ንመገዲ ኣየራት ኣመሪካ ዝዳረገን የለን።
መገዲ ኣየራት ኣመሪካ ብብዝሒ ዝውንነአን ነፈርቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ንዘሎ ደረጃታት ብሒተነኦ ይርከባ።
ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ህዝብን ብስፍሓት መሬትን ንኤስያ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ትስራዕ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ካብ መንገዲ ኣየራት ብዙሕ መኽሰብ ዝግሓጠላ ኣህጉር’ያ።
እዘን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ መንገዲ ኣየራት ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጠለብ ንምዕጋብ ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝበጽሐኦ ቦታታት ከብዝሓን ሓደሽቲ ነፈርቲ ክሽምታን’የን ተራእየን።
ነዚ መርኣያ ከኸውን ዝኽእል መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ቅሩብ እዋን ዝገበሮ ሸመታ ነፈርቲ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል’ዩ።
እቲ መንገዲ ኣየር ካብ ኩባንያ ቦይንግ ዕስራ ኣዝየን ዘመናውያን ዝዀና 777-9 ዝተባህላ ነፈርቲ ንምዕዳግ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ተፈራሪሙ ኣሎ።
እዘን ብ11 ቢልዮን ዶላር ክሽመታ ውዕል ተኣትይለን ዘሎ ሓደሽቲ ነፈርቲ ምስተን ቅድሚ ሕጂ ቦይንግ ዘፍርየን ዝነበረ ነፈርቲ ብምንጽጻር ነዳዲ ብ10 ሚኢታዎት ክቑጥባ ዝኽእላ ምዃነን ሰብ መዚ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይሕብሩ።
ንምዃኑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ መንገዲ ኣየራት ብዝውነነአን ነፈርቲ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሓሙሽተ መንገዲ ኣራት ብዓል መን’የን?
5. መገዲ ኣየር ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኣብ 1977 ዝተመስረት መገዲ ኣየር፡ ብሓፈሻ ናብ 44 መዓርፎ ነፈርቲ ቀጥታዊ በረራ የካይድ።
ካብዞም 44 እቶም 35 ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ እዮም።
ኣብ 2020 ካብ ኣፍሪቃ ዝበለጸ መንገዲ ኣየር ተባሂሉ ሽልማት ዝረኸበ መንገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ ዓመት 4 ሚልዮን ገያሾ የአንግድ።
እቲ መንገዲ ኣየር 48.9 ሚኢታዊት ብመንግስቲ ኬንያ ዝውነን ኰይኑ ብሓፈሻ 32 ነፈርቲ ይውንን።
- 9 ቦይንግ 787-8
- 8 ቦይንግ 737-800
- 2 ቦይንግ 737-300F
- 13 ኢምባሪየር E190
4. ሮያል ኣየር ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, ROYAL AIR MAROC/FB
እዚ ኣብ 1957 ዝተመስረት መንገዲ ኣየር ዝበዝሐ ክፋሉ ብመንግስቲ ሞሮኮ’ዩ ዝውነን።
ሮያል አየር ሞረኮ በተን 51 ዝውንነን ነፈርቲ መብዛሕትኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ብሓፈሻ ናብ 89 መዓርፎ ነፈርቲ ቀጥታዊ በረራታት የካይድ።
- 4 ኢምባሪየር E190
- 30 ቦይንግ 737-800
- 4 ቦይንግ 787-9
- 5 ቦይንግ 737-800
- 2 ቦይንግ 737-ማክስ 8
- 1 ቦይንግ 767-300 (ናይ ጽዕነት)
- 6 ኤአርቲ 72-600
3. መገዲ ኣየር ኣልጀርያ

ምንጪ ስእሊ, AIR ALGERIE/FB
እዚ ኣብ 1946 ኣልጀርያ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ እንከላ ዝተመስረተ መንገዲ ኣየር፤ ክምስረት እንከሎ ሰባት ካብ ኣልጀርያ ናብ ኣውሮጳ ንኸመላልስ’ዩ ተመስሪቱ። ብፍላይ ከኣ ንፈረንሳውያን።
ኣልጀርያ ኣብ 1962 ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ነጻ ምስ ወጽአት እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣልጀርያ ኣትዩ።
ኣብዚ እዋን በተን ዝውንነን 56 ነፈርቲ ናብ 78 መዓርፎ ነፈርቲ ቀጥታዊ በረራታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።
- 8 ኤርባስ ኤ 330
- 25 ቦይንግ 737-800
- 2 ቦይንግ 737-700
- 5 ቦይንግ 737-600
- 15 ኤአርቲ 72-2012 ኤ
- 1 ሄርኩሌ ኤል 100-30 (ናይ ጽዕነት)
2. መገዲ ኣየር ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, EGYPTAIR/FB
እዚ ኣብ 1932 ብወግዒ ስርሑ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር በግድምና ብደረጃ ዓለም ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስራዓ መንገዲ ኣየራት’ዩ ዝጽብጸብ።
እቲ መንገዲ ኣየር ናይ መጀመርታ በረርኡ ኣብ ውሽጢ ግብጺ ካብ ካይሮ ናብ ኣሌክሳንድርያ’ዩ ዘካይድ ነይሩ።
እዚ መንገዲ ኣየር ምሉእ ንምሉእ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝውነን ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ናብ 100 መዓርፎ ነፈርቲ ቀጥታዊ በረራታት የካይድ።
እዚ መንገዲ ኣየር ኣብ ቀረባ ዓመታት ነተን ዘለወኦ 82 ነፈርቲ ካልኦት ተወሰኽቲ ነፈርቲ ክውስኸለን ከም ዝዀነ’ዩ ዝግለጽ።
- 12 ኤርባስ ኤ220
- 10 ኤርባስ ኤ320
- 7 ኤርባስ ኤ321
- 11 ኤርባስ ኤ330
- 29 ቦይንግ 737
- 6 ቦይንግ 777
- 7 ቦይንግ 787
1. መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN
እዚ ቅድሚ 80 ዓመታት ኣብ እዋን ንጉስ ሃይለስላሴ ዝተመስረተ መገዲ ኣየር ብዘመዝገቦ ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።
እዚ ቀንዲ ማእከሉ ኣብ ዓለምለካዊ መዓርፊ ነፈርቲ ቦሌ ዝዀነ መገዲ ኣየር ኣብ ቶጎ ሌሜ፡ ኣብ ማላዊ ሊሎንፍዉ ኣብ ሞዛምቢክ ከኣ ኣብ ሉሳካ ተወሳኺ ማእከላት ኣለዎ።
እዚ መገዲ ኣየር ናብ ሓሙሽተ ኣህጉራትን ልዕሊ 150 መዓርፎ ነፈርትን ቀጥታዊ በረራታት የካይድ።
እዚ ብሓፈሻ 148 ነፈርቲ ዘለውኦ መንገዲ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ዘይብሉ መንገዲ ኣየር ብምዃን ኣብ ቅደሚት ተኾይጡ ይመርሕ ኣሎ።
እዚ መንገዲ ኣየር ብመንግስቲ ዝውነን ኰይኑ ዓመታዊ ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ነታ ሃገር የኽስብ።
- 20 ኤርባስ ኤ350
- 44 ቦይንግ 737
- 20 ቦይንግ 777
- 29 ቦይንግ 787
- 32 ቦምባርዴር ኪው 400
- 3 ቦይንግ 767




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







