‘ልዕሊ 40 ኣብያተ መግቢ፣ 7 መሐንበሲ. . .’ - 2 ቢልዮን ዶላር ዝወደአት ኣብ ዓለም ዝዓበየት መርከብ ጉዕዞ ጀሚራ

ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ

ምንጪ ስእሊ, TRIBUNE NEWS SERVICE VIA GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, 20 ደርብታት ዘለዋ ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ፡ ሸውዓተ መሐምበሲ ጋብላታት፣ ሽዱሽተ መንሸራተቲ ማይ፣ ልዕሊ 40 ሬስቶራንትታት፣ ባራትን ላወንጅታትን ዝሓዘት እያ

ብግዝፈታ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ እትስራዕ መርከብ ‘ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ’ ፈላማይ ጉዕዞኣ ካብ ማያሚ ፍሎሪዳ ጀሚራ፤ ካብታ መርከብ ናብ ከባቢ ኣየር ዝልቀቕ ሚቴን ጋዝ ግን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

365 ሜትር እትነውሕ እዛ መርከብ፡ 20 ደርቢታት ዘለዋ ኮይና ክሳብ 7 ሽሕን 600ን ተሳፈርቲ ክትጽዕን ትኽእል። ብ ሮያል ካሪብያን ግሩፕ ዝተባህለ ትካል ድማ ትውነን።

እታ መርከብ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ጉዕዞ ንምግባር እያ ተበጊሳ ዘላ።

ሰብሞያ ከባቢ ኣየር ግና እታ ብፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዝትንቀሳቐስ መርከብ፡ ጎዳኢ ጋዝ ሚተን ናብ ከባቢ ኣየር ክትለቅቕ ምዃና የጠንቅቑ።

ካብ ብከላ ናጻ ንዝኾነ መጓዓዝያ ኣብ ዘወዓውዕ ዓለም ለኻዊ ትካል ኣይሲሲቲ፡ ዳይረክተር ፕሮግራም ማሪን ዝኾነ ብራያን ኮመር፡ ንጉዕዞ እታ መርከብ ‘‘ሓደ ስጉምቲ ናብ ግጉይ ኣንፈት’’ ክብል ከምዝገለጾ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ንሱ ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ምስ ነዳዲ እንትነጻጸር ብ 120 ምኢታዊት ዝለዓለ ልቀት በካሊ ጋዝ ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።

ኣይሲሲቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ብተመሳሳሊ፡ ብፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (ኤልኤንጂ) ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ካብቲ ዝፍቀድ መጠን ሚተን ዝበዝሐ ናብ ከባቢ ኣየር ከምዝፍንዋ ሓቢሩ እዩ።

ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, እታ መርከብ ሸውዓተ መሐምበሲ ጋብላታት፣ ብዙሓት ባራትን ኣብያተ መግብን ከምኡ እውን ኣብ ዝባን መዘናግዒ ስፍራ ኣለዋ
ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደጋዊ ክፋላት ናይታ ክብርቲ መርከብ ኣሻሓት መናብር ተሰሪዖም ኣለዉ
ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መረባ ናይታ መርከብ ዓሰርተታት ሓቃዊ ኣትክልቲ እውን ኣለዉ
ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ናይ ማይ መዘናግዒ እታ መርከብ ‘‘ትሪል ኣይላንድ’’ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣሎ
ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማእከላይ ኣዳራሽ ናይታ መርከብ ብመደያየብታትን ቅርጻ ቅርጽን ማዕሪጉ ይረአ

ሓያል ግሪንሃውስ ጋዝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሚተን፡ ኣብ 20 ዓመት፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ካብ ካርቦን ዳይኦክሳይድ 80 ዕጽፊ ሙቐት ናይ ምውህላል ዓቕሚ ኣለዎ። ናይዚ ልቀት ምቕናስ መቐት ዓለም ኣብ ምንካይ ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ እዩ ዝእመን።

ወሃቢ ቃል ወናኒ ናይታ መርከብ ሮያል ካሪብያን ግና ‘ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ’ ካብቲ ንዘበናዊ መራኽብ ዝፍቀድ መጠን ብ 24 ምኢታዊት ዝነከየ መጠን ነዳዲ ከምእትጥቀም ምግላጹ መራኸቢ ብዙሃን ሓቢረን። እቲ ትካል ኣብ 2035 ባዶ መጠን ልቀት ካርቦን ዘለወን መራኽብ ንምትእትታው ትልሚ ኣለዎ።

ብሓሙስ ነታ መርከብ ሽም ንምሃብ ኣብ ዝተሳለጠ መደብ፡ ሓለቓ ሃራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲናን ኣብዚ እዋን ንኢንተር ማያሚ ዝጻወት ዘሎን ሊዮነል መሲ ተሳቲፉ።

ኣይከን ኦቭ ዘ ሲስ፡ ንመስርሒኣ 2 ቢልዮን ዶላር ወዲኣ። እታ መርከብ ሸውዓተ መሐምበሲ ጋብላታት፣ሽዱሽተ መንሸራተቲ ማይ፣ ልዕሊ 40 ሬስቶራንትታት፣ ባራትን ላውንጅታትን ኣለዉዋ።