ስድራቤት ግዳያት ሓደጋ ነፈርቲ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ኣብ ኣሜሪካ ጥርዓን ኣቕሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስድራ ግዳያት ናይተን ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዝወደቓ ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ኣብ መንጎ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን ቦይንግን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ጥርዓን ኣቕሪቦም።
እቶም ስድራ፡ እቲ ቤት ዕዮ ምስ ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ ኣብ 2021 ብዝዓባ ዝበፅሖ ስምምዕ፡ መብርሂ ክወሃቦም ከምዝሓተቱ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብተን ብመንገዲ ኣየር ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዝውነና ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጓዓዝቲ ከምዝሞቱ ይዝከር።
ስድራቤት ናይቶም በዚ ሓደጋታት ዝሞቱ ሰባት ንቦይንግ ብምኽሳሶም እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ምፅንሑ ይፍለጥ። ቦይንግ ድማ ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ካሕሳ ክኸፍል ተሰማሚዑ።
እቶም ኣብቲ ክልተ ሓደጋታት ኣባላት ስድራቤቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ እቲ ኣብ መንጎ ቤት ዕዮ ፍትሒ ኣሜሪካን ቦይንግን ዝተበፅሐ ስምምዕ ነቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ኩባንያ "ብዘይ ገበናዊ ክሲ ክሃድም" ከምዝገብር ብምሕባር መብርሂ ክወሃቦም ይጠልቡ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ኣሜሪካዊ ዳኛ ሪድ ኦኮነር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ነቶም ግዳያት ክልተ ሓደጋታት ቦይንግ 737 ማክስ "ግዳያት ገበን" ክብል ገሊፅዎም ነይሩ። እንታይ ዓይነት ካሕሳ ክወሃብ ከም ዘለዎ ክውሰን ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ።
ኣብ 2018ን 2019ን ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠሙ ሓደጋታት፡ ንቦይንግ 20 ቢልዮን ዶላር ከውፅእ ካብ ምግዳድ ብተወሳኺ፣ እተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ’ውን ን20 ኣዋርሕ ካብ በረራ ክእገዳ ምኽንያት ኮይኖም።
ስድራቤት ናይቶም ዝሞቱን ጠበቓታቶምን ብዓርቢ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ መንግስቲቲ ዝተራኸቡ ኮይኖም ብኣካል ክርከቡ ዘይከኣሉ ድማ ብኢንተርነት ኣቢሎም ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተሳተፉ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።
ስድራቤት እቶም ግዳያት ናብ ዳኛ ሪድ ኦኮነር ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ “መንግስቲ ኣሜሪካ ሓሲዩና፤ ብምስጢራዊ መስርሕ መሰላትና መንጢሉና" ክብሉ ገሊጾም።
ኣብ 2021፡ ቦይንግ ኣብተን ዓይነታት ነፈርቲ ንዝነበሩ ግድፈታት ወግዓዊ ብዘይምግባሩን ብምትላልን 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ምስተገበረ ዝተዋህቦም ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክለዓልን ተሓታቲ ክኸውንን ድማ ተማሕጺኖም።
እቲ ኩባንያ ብኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዝውነና ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ምውዳቐን ስዒቡ 346 ሰባት ብምሟቶም 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ከምዝተሰማምዐ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ንድፊ እታ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ክኢላታት ድሕነትን ጸጥታን ኣመሪካ ሓበሬታ ሓቢኡ ብዝብል’ዩ ነቲ መቕጻዕቲ ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ኣብቲ እዋን፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ እቲ ኩባንያ “ካብ ግልፅነት ንመኽሰብ" ቀዳምነ ከምዝሃበ ገሊፁ ነይሩ።
ካብቲ ቦይንግ ክኸፍሎ ዝተሰማምዓሉ መጠን ገንዘብ፡ እቲ 500 ሚልዮን ዶላር ነቶም በቲ ሓደጋ ነፋሪት ስድራቤቶም ዝሰኣኑ ክኽፈል ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ወግዓዊ ኮይኑ።
ቅድሚ ሎሚ’ውን፡ ስድራቤት ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣመሪካ ሕጋዊ ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም’ዮም።
እቶም ስድራቤታት፡ ‘ኣሜሪካ ንቦይንግ ካብ ገበናዊ ክሲ ንነብሱ ክከላኸል ዝገብር ውሕስና ዝረኽበሉ ስምምዕ ብሕቡእ ኣዳልያ’ ክብሉ ከሲሶም ምንባሮም ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
በቲ ሓደጋ ወዲ 24 ዓመት ወዳ ዝሰኣነት ናድያ ሚልሮን፡ "ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ነቲ ምስ ቦይንግ ዝተገብረ ምስጢራውን ዘይሕጋውን ስምምዕ ዓቂቡ ምህላዉ ዘሕዝን'ዩ። እዚ ድምጺ ግዳያት ዘየካተተን ንቦይንግ ካብ ተሓታትነት ነፃ ክኸውን ዝገብሮን እዩ" ኢላ ኣብቲ ንሮይተርስ ዝሃበቶ ርእይቶ።
ቦይንግን ክፍሊ ፍትሕን ብወገኖም፡ እቲ ትካል ዝተፈረዶ 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ኣብ ዝተሰማምዐሉ እዋን እቲ ጉዳይ ዳግማይ ምልዓሉ ተቓዊሞሞ።
ካብቲ 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ፡ 500 ሚልዮን ዶላር ንግዳያት 243.6 ሚልዮን ዶላር ድማ ንመቕጻዕቲ ዝክፈል ክኸውን ከሎ፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ድማ ንኻሕሳ መገዲ ኣየራት ዝውዕል እዩ።
ክፍሊ ፍትሒ እቲ ስምምዕ ክቕየር ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ "እቲ ውሳነ እንተተቐይሩ ግን ነቶም ካሕሳ ዝተወሃቦም ስድራ ግዳያት ሓዊሱ ንኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ክጸልዎም'ዩ" ኢሉ።
ይኹን እምበር ነቲ ካብ ስድራ ግዳያት ዝተልዓለ ሕቶ ዕሽሽ ከምዘይብሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ቦይንግ ብወገኑ ነቲ ክሲ ዳግማይ ንምኽፋት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝቃወሞ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።
"ዘይተጸበናዮ፡ ዘይፍትሓውን ክዕወት ዘይክእልን" ክብል ድማ ነቲ ካብ ስድራ ግዳያት ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ነቒፍዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







