ብሪክስ፡ ንሩስያ ልፍንቲ ጸረ-ምዕራባውያን እዩ፤ ነተን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት ከ?

ፑቲን ኣብ ባነር እቲ ዋዕላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካዛን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብሪክስ፡ ፑቲን ኣብ 2022 ንዩክረይን ድሕሪ ምውራሩ፡ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ መድረኽ እዩ።

እቲ ካብ 22 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ሩስያ ከተማ ካዛን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብሪክስ፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ንደሓር ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ መድረኽ እዩ። መራሕቲ ኣባል ሃገራት እዚ ልፍንትን ካልኦት ክጽንበሩ ዝደልዩን ኣብዚ ዋዕላ ይሳተፉ ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ከይተረፈ ኣብዚ ዋዕላ ዝተሳተፈ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብ ዩክረይን ተቓውሞ ኣስዒቡ’ሎ።

ሩስያ፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ክንጽላኣ ከም ዘይክእላ ክተርኢ ትደሊ።

ካልኦት ተሳተፍቲ ዋዕላ ብሪክስ ግን፡ ምስ ክረምሊን ዘይዛመድ ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣጀንዳታት ኣለወን።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ እተን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት እንታይ ከም ዝደልያ ተንቲኖም ኣለዉ፤

ትእምርታዊ ዓወት ፑቲን

ግሪጎር ኣታነስያን - ቢቢሲ ኒውስ ሩስያ

ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ እዚ ዋዕላ ንምዕራባውያንን ንህዝቡን፡ ካብ ዓለም ዝተነጸለ ፍንፉን ከም ዘይኰነ ከርእየሉ ዝኽእል ዕድል እዩ።

ዲፕሎማሰኛታትን ሚኒስተራትን ልዕሊ 30 ሃገራት ደቡባዊ ዓለም’ውን [ግሎባል ሳውዝ] ዝተሰማምዑ ይመስሉ።

እዚ ንመራሕቲ ሃገራት ቻይና፡ ህንዲ፡ ኢራን፡ ተርኪ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዝሓቘፈ እዩ።

ካብዘን ሃገራት ገሊአን ከም ሩስያ ብምዕራባውያን ማዕቀብ ዝተነበረለን ኰይነን፡ ካልኦተን ድማ ከም ቱርኪ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣሜሪካን ኔቶን እየን።

እንተዀነ፡ እዚ ምትእኽኻብ ብሪክስ፡ ንክረምሊን ተምሳሌታዊ ብርትዐ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ እንታይ ዓይነት ነገራዊ ውጽኢት ከም ዘምጽእ ንጹር ኣይኰነን።

ኵሉ እቲ ዘረባ፡ ኣማራጺ ባጤራ ንኽህሉ፡ ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎ ልዕልና ምብዳህን ዝብል እዩ። መርበብ ሓበሬታ እቲ ዋዕላ እቶም በጻሕቲ ጥረ ገንዘብ ሒዞም ንኽመጽኡ ኣዘኻኺሩ’ዩ። ማስተር ካርድን ቪዛ ካርድን ኣብ ሩስያ ስለዘይሰርሑ፤ “ኣብ መብዛሕትአን ባንክታት ሩስያ ጥረ ገንዘብ ዶላርን ዩሮን ጥራይ’ዩ ብሩብል ክቕየር ዝኽእል” ይብል።

ቻይና፡ ስርዓተ ዓለም ንምቕያር ንብሪክስ ከም ሞተር’ያ ትርእዮ

ሺ ጂንፒን ኣብ ድሕረ ባይታ ዋዕላ ብሪክስ 2024፡ ካዛን፡ ሩስያ፡ ጥቅምቲ 22-24

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዕላማ ቻይና፡ ብዝተኻእለ መጠን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ዘለወን ሃገራት ኣብ ሓደ ንምምጻእ እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቸን ያን - ቢቢሲ ኒውስ ቻይና

ትልሚ ቻይና፡ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ ዘለወን ሃገራት ናብ ሓደ ምምጻእ’ዩ

ዋላ’ኳ ቻይና ቀንዲ መሓዛ ሩስያ እንተመሰለት፡ ድሕሪ ፍጻመታት ቀረባ እዋናት ግን፡ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ኣብ ጐድኒ ክሬምሊን ክትስለፍ ከም ዘይትደሊ፡ ሩስያውያን ዝተረድእዎ ይመስሉ።

ንኣብነት፡ ብመሰረት ተደጋጋሚ ሕቶ ኣመሪካ፡ ቻይና ንኽልተ ረብሓ ማለት ሲቪላውን ወተሃደራውን ዘገልግሉ ኣቝሑ ናብ ሩስያ ካብ ምስዳድ ተቘጢባ ኣላ።

እንተዀነ ኣብ ጉዳይ ምዕራባውያን ሩስያን ቻይናን ኵሉ ግዜ ምስ ሓበራ እየን። ጕጅለ ብሪክስ ናይዚ ኣብነት ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እሞ ደኣ ቻይና እንታይ’ያ ትደሊ?

ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ፡ ዓለም ንመሰል ንኣሽቱ ሃገራትን ሰብኣዊ መሰላትን ዘውሕስ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ተኺላ፤ እዚ ስርዓት ብዙሕ ግዜ ሓይሊ ዝጐድሎ ግን ከኣ ብሕብረት ደው ምባል ዝኸኣለ እዩ።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዘመዝገበቶ ቅልጡፍ ዕብየት፡ ረብሓታታ ከውሕዝ ብዝኽእል ጠለባት ተሰንዩ ኣሎ።

ስለዚ ቻይና እንታይ ዓይነት ዓለም እየ ትደሊ?

ብንጹር ንምቕማጥ፡ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ዝያዳ ንመለኽቲ ዝጥዕም ክገብሮ ይደሊ።

ብፍላይ፡ ቻይና ካልኦት ሃገራት ከም ቻይና ክዀና ኣይትደልን። ግን ተመሳሳሊ መምዘኒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይብሎም ሉኡላውያን መንግስታት ጣልቃ ዝኣቱ ዓለምለኻዊ ስርዓት ክትፈጥር ትብህግ።

ብቐሊል ቋንቋ ንምግላጽ፡ ቻይና ኣብ ክንዲ “መጀመርታ ሰብኣዊ መሰላት” “መጀመርታ ልኡላውነት” እያ ክተቐድም ትደሊ።

ስለዚ ቻይና ነዚ ብኸመይ’ያ ከተዕውቶ ትኽእል?

ትልሚ ቻይና ብዝተኸኣለ መጠን ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ ዘለወን ሃገራት ናብ ሓደ ምምጻእ ዝብል’ዩ።

በይጂን ዘለዋ ረዚን ቍጠባዊ ሓይልን ንሰብኣዊ መሰላት ዕሽሽ ትብል ምዃናን፡ ንዓለማዊ ስርዓት ኣመሪካ ብዘይፈትዋ ሃገራት ተመራጺት ይገብራ።

ጕጅለ ብሪክስ ድማ፡ እዘን ሃገራት ዝሕደሳሉ (ማሕበራዊ ርክብ ዝገብራሉ) ክለብ ኰይኑ ኣሎ። ሓደስቲ ሃገራት ብዝጸንበረ ቍጽሪ ድማ እዚ ውጥን ዝያዳ ጋህዲ ይኸውን ኣሎ።

ህንዲ መራሒትን ፈጣሪትን ሰላም ክትከውን ትደሊ

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ቭላድሚር ፑቲንን እናተሓቛቘፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሞዲ ኲናት ዩክረይን ንምፍታሕ ክሕግዝ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ራገህቨንድራ ራኦ - ቢቢሲ ኒውስ ህንዲ

ምስ ክልተ ሓያላት ሃገራት ቻይናን ሩስያን ትነጥፍ ንዘላ ህንዲ፡ ናይዚ ዓመት ዋዕላ ብሪክስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን ምስ ፕረዚደንት ሺ ክልትኣዊ ዝርርብ ይገብር ኣሎ።

ህንዲ፡ ነቲ ካብ 2020 ጀሚሩ ክልቲአን ሃገራት ዝዋጠጣሉ ዘይንጹር ዶብ ሂማለያ (Line of Actual Control) ንምሕላው ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሓ ድሕሪ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ እዩ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕታት እዚ ዝርርብ ዝካየድ ዘሎ።

ሞዲን ሺን ብመሰረት ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ህንዲ ነቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ደበና ጽላሎት ዘንበረ ዶባዊ ውጥረት መዕለቢ ንምንባር ተተስፍያ ኣላ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ህንዲ ነቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሸምጋሊት ክትከውን ትደሊ።

ናሬንድራ ሞዲ ናብ ካዛን ምስ ኣተወ፡ ህንዲ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ኵሎም ኣማራጺታት ንምንዳይ ድልውቲ ከም ዝዀነት፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛሪብዎ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪን ምዝርራቡ፡ ህንዲ ኣብ ምዝሓል እቲ ቅልውላው ወሳኒ ተራ ከተበርክት ከም ትደሊ ዘመልክት እዩ።

ቱርኪ፡ ብሪክስ ተወሳኺ እምበር ኣማራጺ ሕብረት ኣውሮጳ ኣይኰነን

ኢምረ ተመል - ቢቢሲ ኒውስ ቱርኪ

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣባል ብሪክስ ንምዃን ዝሓተተት ቱርኪ፡ ብፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝምራሕ ዓቢይ ጕጅለ ናብ ካዛን ልኢኻ ኣላ።

እዚ ዋዕላ ንቱርኪ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣንካራ ንኣባልነት ብሪክስ ብመንጽር እቲ ገና ዘይሰመረላ ጻዕሪ ምጽንባር ናብ ሕብረት ኣውሮጳ እያ ትጥምቶ።

ፑቲንን ኤርዶጋንን፡ ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ካዛን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝርርቦም ብዛዕባ እዚ’ውን ከልዕሉ እዮም።

ከም ፈላማይ ደረጃ ኣባልነት ብሪክስ፡ ‘ደረጃ መላፍንቲ’ ዝበሃል መስርሕ ንቱርኪ ከቐርብ ይኽእል እዩ።

ቱርኪ እዚ ምስ ብሪክስ ትገብሮ ምትሕብባር ሚዛን ከም መትሐዚ እምበር ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘለዋ ንግዳዊ ስምምዕ ከም ኣማራጺ ገይራ ኣይትርእዮን።

ንኣእዛን ኢራን ሙዚቃ እዩ

ካይቫን ሑሰይኒ - ቢቢሲ ኒውስ ፐርሽያ

ብዛዕባ ብሪክስ ዝዀነ ይዅን ነገር ንኣእዛን ኢራን ሙዚቃ እዩ። እዚ ምዕራባውያን ዘይኰና ኒዩክሊየር ዝውንና ክልተ ሃገራት ዝምራሕ ጂኦስትራቴጅያዊ ውድብ፡ ነቲ ብምዕራባውያን ዝተዓብለለ ስርዓተ ዓለም ንምብዳህ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ምስ ራእይ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ብቐንዱ ዝሰማማዕ እዩ።

ብርግጽ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመይኒ፡ ቅድሚ ምውላድ ብሪክስ ዓመታት ኣቐዲሙ ብዳላር ኣመሪካ ዝግበር ንግዲ ዓለምለኻዊ ዓብላልነት ዋሽንግተን ኣብ ሕቶ ኣእትዮሞ እዮም።

በዚ ድማ ኣብ ኢራን ዘሎ እስላማዊ ስርዓት፡ ብኣውራኡ ካብ ኣመሪካ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ድማ ካብ መሻርኽቲ ዝዀና ሃገራት ኣውሮጳ፡ ከም እገዳ ንብረትን ካልኦት ቍጠባዊ ጸቕጥታትን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ማዕቀባት ተነቢርዎ።

ዶላር ኣብ ዓለማዊ ፋይናንስ ብዘለዎ ወሳኒ ግደ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፋይናንሳዊ ትካላት ኢራን ሓጹር ኣንቢራ፤ እዚ ድማ ንዝዀነ ዓይነት ምትዕድዳግ ቴህራን ሓላሊኽዎ።

ብሪክስ ዋላ’ኳ ክሳብ ሕጂ ንዕዳጋ ዓለም ካብ ቍጽጽር ምዕራባውያንን ነጻ ዕዳጋን ዳግማይ ክውድቦ እንተዘይከኣለ፡ ኣብቲ ጠረጴዛ ተቐሚጡ ዘሎ ተምሳሌት ፕረዚደንት ኢራን ግን፡ እቲ ስርዓት ንዘለዎ ኣንጻር ምዕራባዊ ስነ-ሓሳብ ዓወቱ ዝውክል እዩ።

ብራዚል፡ ጽልዋኣ ክተስፍሕ ትደሊ

ጁልያ ብሮውን - ቢቢሲ ኒውስ ብራዚል

ብራዚል ነዚ ውዳበ ካብ ዝመስረታ ፈለምቲ ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ ኣብዚ እዋን ናይዚ ጕጅለ ኣባል ዝዀነት እንኮ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገር እያ።

ኣብ 2024 ኣባል ንምዃን ወጢና ዝነበረት ኣርጀንቲና፡ ኣብ መወዳእታ ክትሳተፍ ፍቓደኛ ከይኰነት ተሪፋ።

ከም ምሕዳስ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ገለ ጉዳያት፡ ካብ ምምስራት ብሪክስ ጀሚሩ ንብራዚል ኣገደስቲ ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።

እንተዀነ፡ ካብ መፈለምታ ሳልሳይ እብረ ዘበን ስልጣን ፕረዚደንት ሉላ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ጽልዋ ብራዚል ኣብ ዓለም ንምስፋሕ ኣብ ዝሓዞ ትልሚ ካልኦት ኣርእስትታት ተሓቚፎም ኣለዉ።

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዓለም መሪሕ ግደ ምህላው ኣጀንዳ ፕረዚደንት ሉላ እዩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ፡ መንግስቱ ኣብ ብሪክስ ይዅን ሓድሽ ባንኪ ልምዓት ብከቢድ ዝወረራድ ዘሎ ይመስል።

ኣብ ዶላር ኣሜሪካ ዘሎ ዓለማዊ ጽግዕተኛነት ምንካይ፡ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ዝግበሩ ክትዓት ምምራሕን ንዓለምለኻዊ ግጭታት ንምፍታሕ ከም ኣሸማጋሊት ምዃንን ዝብሉ፡ ቀንዲ ትዅረታት ብራዚል ኰይኖም ጸኒሖም።

ኣብ 2024 ኣብ ካዛን ዝቃናዕ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ግን፡ ብራዚል ዝያዳ ተግባራዊ ክዀኑ ዝኽእሉ ትዅረታት ሒዛ እያ ትሳተፍ ዘላ። እዚ ድማ ሓደስቲ ሃገራት ናብቲ ውዳበ ንምእታው ዘድልየን መሰረታዊ ረቛሒታት ዘነጽር እዩ።

መንግስቲ ብራዚል፡ ንዅለን ሓደስቲ ሃገራት ሚዛናዊ ዝዀነ ጂኦግራፊያዊ ውክልና ክህልወን፡ ምስተን ዝጸንሓ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ድማ ምሕዝነታዊ ርክብ ክህልውን ጸቕጢ ክገብር’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ብራዚል ተሓባበርቲ ሃገራት ንምዃን ንዝተሓጽያ ቬንዙዌላን ኒካራጓን ከም ትነጽገን ኣቐዲማ ወግዓዊ ገይራ እያ። ዋላ’ኳ ኣብ ሓደ እዋን ክልቲአን ሃገራት መሓዙት ሉላ እንተነበራ፡ ኣብዚ እዋን ግን ምስ ክልቲአን ሃገራት ላቲን ዝነበረ ርክብ ዛሕቲሉ ይርከብ።

ወከልቲ ሃገራት ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ ብሪክስ መደረ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሎም ይሰምዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሕቲ ልዕሊ 30 ሃገራት ንዋዕላ ብሪክስ ናብ ካዛን ተጋቢኦም

ኣብ ሓድሽ ዓለማዊ መድረኽ ሃገራት ኣፍሪቃ ቦታ ዝረኽባሉ ዕድል

ብሩኖ ጋርሰዝ - ኤዲተር ኒውስ ኣፍሪቃ

ኣፍሪቃ፡ በታ ብ2010 ናብዚ ውዳበ ዝተጸንበረት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ 2024 ኣባል ብዝዀና ግብጽን ኢትዮጵያን፡ ብሰለስተ ሃገራት ኣብ ብሪክስ ተወኪላ ኣላ።

ኣብ 2010 ደቡብ ኣፍሪቃ ሓዳስ ኣባል ውዳበ ብሪክስ ክትከውን እንከላ፡ ንኣፍሪቃ ዓብይ ጉዳይ ከም ዝዀነ ተራእዩ ነይሩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበራ ካልኦት ኣርባዕተ ኣባል ሃገራት እቲ ውዳበ ኣመና ዝነኣሰ ቍጠባ፡ ብዝሒ ህዝቢን መጠንን እኳ እንተነበራ፡ ምጽንባራ ግና ኣገዳሲ ምልክት እዩ ነይሩ። ብ24 ታሕሳስ 2010 ናብ ብሪክስ ብወግዒ ምጽንባራ፡ እታ ንስርዓት ኣፓርታይድ ዝሰዓረት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከም ውህብቶ ልደት እያ ተቐቢላቶ።

ዋላ’ኳ ብመጠን ንእሽተይ እንተዀነት፡ ኣብታ ኣህጉር ካብ ዘለዉ ብሉጻት መሰረተ ልምዓታት፡ ተበጻሕነት መዓድናት፡ ጸረ-ዓሌትነትን ባዕዳዊ መግዛእትን ዝተገበረ ፍሉይ ታሪኽ ቃልሲን ኣበርኪታ እያ።

ከም መልሲ ናይዚ ድማ፡ ዓበይቲ ወፍሪታት ቻይና- ካብ ባንኪ ክሳብ ዕደና ተቐቢላ፤ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ድማ ሓድሽ ጠቓሚ ግደ ረኺባ።

ገለ ኣፍሪቃውያን ግን፡ እታ ገዚፍ ቍጠባ ዘለዋ ናይጀርያ እንተትምረጽ ዝያዳ ትርጕም ምሃለዎ ነይሩ ብምባል ይምጕቱ። ምናልባት እዚ እቲ ውዳበ ምስ ሰፍሐ ክፍታሕ ይኽእል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፍሪቃ ክልተ ናብ ብሪክስ ዝጽንበራ ሃገራት ኣበርኪታ እያ- ግብጽን ኢትዮጵያን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ “ሓቛፍን ብልጹግን ስርዓተ ዓለም” ናይ ምስታፍ ዕድል’ዩ ብምባል፡ ሃገሩ ናብዚ ውዳበ ምእታዋ ንኢዱ ነይሩ።

እዚ ነቲ ዝዓቢ ዘሎ ውዳበን ኣባላቱን ከም ናእዳ፡ ነተን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሓቝፋን ከም ቀደም ከም ምዕቡላት ክረኣያአን ንዘይክእላ ምዕራባውያን ድማ ጸርፊ እዩ።

ምስ እዘን ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ግን፡ ብሪክስ ሕጂ ጽኑሕ ቅርሕንቲ ሓቝፉ’ሎ።

ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ብሰንኪ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ብዘይምስምመዐን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንሓድሕደን ከም ጸላኢት ዝረኣኣያሉ ልፍንቲ ፈጢረን ኣለዋ።

ዋላ’ኳ እዚ ምክፍፋላት እንተሃለዉ፡ ናብዚ ውዳበ ምጽንባር ግን ብሃገራት ኣፍሪቃን ክንዮኡን ይጽንበል ኣሎ።