ጥሮተኛ ከልቢ ፖሊስ ፍሉይ ሓድሽ ስራሕ ረኺባ

ሀይዲ ኮሊንስ ብዝተፈላለየ ሕማማት’ያ ትሳቐ ዘላ

ምንጪ ስእሊ, Thin Blue Paw Foundation

መግለጺ ስእሊ, ሀይዲ ኮሊንስ ብዝተፈላለየ ሕማማት'ያ ትሳቐ ዘላ

ንገለ ዓመታት ምስ ፖሊስ ሰሪሓ ጥሮታ ዝወጽአት ከልቢ፡ ሓድሽን ብዙሕ ዘይተለመደን ስራሕ ረኺባ።

እታ ከልቢ ኣባል ፖሊስ ኰይና ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት፡ ብፍሉይ ዝሕዛ ፒሲ ኣሽ ኮሊንስ ዝተበሃለ ኣባል ፖሊስ'ዩ።

ነዚ ኣባል ፖሊስ ብዓልቲ ቤት ብጽኑዕ ስለዝሓመመት፡ እዛ ከልቢ ንዓኣ ንምክንኻንን ንምሕላውን'ያ ሓድሽ ስራሕ ረኺባ።

እዛ ዶንጃ ዝተበሃለት ካብቶም 'ጀርመን ሸፐርድ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓሌታት ኣኻልብ ኰይና፡ ኣብ ምኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ሰሪሓ።

ብተወሳኺ ፖሊስ ኣብ ሃምፕሻየርን ታማስ ቫሊን ኣብ ዝገበርዎ ስርሒታት ብምስታፍ'ውን ዓቢ ግደ ተጻዊታ'ያ።

ዶንጃ - እታ ከልቢ - ጸገም ዓንዲ ሕቖ ስለዝገበረት፡ እቲ ብፍሉይ ዝከታተላ ዝነበረ ፖሊስ ፒሲ ኣሽ ኮሊንስ ተኸናኺኑዋ።

ኣብቲ እዋን እታ ጓል 40 ዓመት ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ፡ ሀይዲ ኮሊንስ ብዝተፈላለየ ሕማማት'ያ ትሳቐ ነይራ።

ሓደ እዋን፡ ወይዘሮ ሀንዲ ኮሊንስ ብኸቢድ ኣብ ዝሓመመትሉ እታ ኸልቢ ንቓንዛኣ ካብ መጀመርታ ጀሚራ ክትርድኦ ከምዝጀመረት ወይዘሮ ሀንዲ ኣስተብሂላትላ።

ፒሲ ኣሽ ኮሊንስ ዶንጃ ጥሮታ ምስ ወጽአት ናብቲ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ዝነብርሉ ዊልትሻየር ወሲዱ ምስኦም ከምእትነብር ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Thin Blue Paw Foundation

መግለጺ ስእሊ, ፒሲ ኣሽ ኮሊንስ ዶንጃ ጥሮታ ምስ ወጽአት ናብቲ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ዝነብርሉ ዊልትሻየር ወሲዱ ምስኦም ከምእትነብር ገይሩ

ፒሲ ኣሽ ኮሊንስ ዶንጃ ጥሮታ ምስ ወጽአት ናብቲ ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ዝነብርሉ ዊልትሻየር ወሲዱ ምስኦም ከምእትነብር ገይሩ።

ብዓልቲ ቤቱ ምስ ተጸልኣ እታ ከልቢ፡ "ካብ እግረይ ምፍላይ ኣብያ ናብ ዝኸድክዎ ደድሕረይ ትኸይድ፣ ክቕንዞ እንከለኹ ጭራኣ ሰይሰይ እናበለት ጽግዕ ትብለኒ፣ ኣብዛ ጥቃይ ደቂሳ ካብዛ ትርኣሰይ ኣይትፍለን'ያ" ትብል።

"ጸገም ዓንዲ ሕቖ ስለዘለዋ ዘሊላ ናብ ዓራተይ ክትድይብ ኣይትኽእልን'ያ፣ ይቕነዞ ከምዘለኹ እንተተረዲእዋ ግን ኣብ ገዛ ምድንጋጽ ይንበብ፣ ፈጺማ ከኣ ካብ ጥቓይ ኣጥትርሕቕን'ያ" ክትብል ትገልጽ።

ዶንጃ መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቖ ምስ ገበረት፡ ምሉእ ስርሓ ንወይዘሮ ሀንዲ ኣብ ምክትታልን ደገፋት ኣብ ምሃብን'ያ ተዋፊራ ዘላ።

"ብምንታይ ከምእተሐጕሰኒ ትፈልጥ'ያ፣ ክስሕቕ እንድሕር ደልያትኒ ጎያ ካብተን ዘሐጉሳኒ ባምቡላታት ተምጽኣለይ" ትብል።

ወይዘሮ ሀንዲ ኮሊንስ ኣብ ዝሓመመትሉ ዶንጃ ብፍጹም ካብ ጥቃኣ ኣይትፍለይን’ያ

ምንጪ ስእሊ, Thin Blue Paw Foundation

መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ ሀንዲ ኮሊንስ ኣብ ዝሓመመትሉ ዶንጃ ብፍጹም ካብ ጥቓኣ ኣይትፍለይን'ያ

ዶንጃ፡ ንጥሮተኛታት ኣኽላባት ፖሊስ ዝሕግዝ 'ቲን ብሉ ፓው' ዝተብሃለ ትካል ግብረሰናይ ሓገዛት የበርክተላ'ዩ።

ንመጥባሕታ ዝተገበረ ወጻኢታት'ውን እቲ ትካል'ዩ ሸፊንዎ፣ መዓልታዊ'ውን መግቢ ይሰደላ'ዩ።

ኣቦ ወንበር ትካል ግብረሰናይ ቲን ብሉ ፖው ኬራን ስታንብሪጅ "ዶንጃ ድሕሪ እቲ ዅሉ ዕማማት ፖሊስ ምዝዛማ፡ ኣብ እዋን ጥሮታኣ ካብ ቃንዛ ነጻ ኰይና ስራሕ ትቕጽል ምህላዋ ኣዝዩ ዘሐጕስ'ዩ" ኢሉ።

ዶንጃ ሕጂ መዓልታዊ ስርሓ ንሀንዲ ኮሊንስ ምክንኻን’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Thin Blue Paw Foundation

መግለጺ ስእሊ, ዶንጃ ሕጂ መዓልታዊ ስርሓ ንሀንዲ ኮሊንስ ምክንኻን'ዩ