ጎብየ ምስ ሰብ ኣዝዩ ዝመሳስል ባህሪ ከምዘለዎ ተረጋጊጹ

ጎብየታት ምስ ሰብ ኣዝዩ ዝመሳስል ባህርያት ከምዘለዎም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጎብየታት ምስ ሰብ ኣዝዩ ዝመሳስል ባህርያት ከምዘለዎም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ

ጎብየታት ልክዕ ከም ደቂ ሰብ፡ ከም ተስፋ፡ እወታውን ዝኣመሰሉ ስምዒታት ከምዝርድኦምን ከምዝስመዖምን ኣብ ዩኒቨርስርቲ ሊንከን ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እቲ መጽናዕቲ ቀይሕ እግሪ ዘለዎም ጎብየ፡ ልክዕ ከም ኣጥበውትን የዕዋፍን ቀቀልጢፉ ዘይቀያየር ስምዒታት ከምዘለዎም የረድእ።

እዚ ሓድሽ ርኽበት፡ እንስሳታት ኣብ መካነ እንስሳታት ብኸመይ ክተሓዙ ከምዘለዎም ዓቢ መረዳእታ ከምዝህብ ወሃቢ ቃል እቲ ዩኒቨርስቲ ገሊጹ።

ባህርያትን ድሕነትን እንስሳ ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ኦሊቨር በርንማን፡ ውጽኢት እዚ መጽናዕቲ "ጎብየታት እንታይ ስምዒታትን ከምዘለዎም ኣብ ምርዳእ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።

ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ኣብ ልዕሊ 15 'ቸሎኖዲስ ካርቦናሪስ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ቀይሕ እግሪ ዘለዎም ጎብየታት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣጥበውትን ኣዕዋፍን ዝግበር 'ኮግነቲቭ ባያዝ ቴስት' ዝብሃል ኣገባብ መጽናዕቲ ኣካይደምሎም።

እቲ መጽናዕቲ፡ እቶም ጎብየታት ኣብ ዘይንቡር ኵነታት ከመይ ከምዝስመዖምን እንታይ ዓይነት መልሰ ግብሪ ከምዝህቡን ብምግምጋምን ብምትንታን፡ ጎብየታት ኣዝዮም ትስፍዋትን እወታውያንን ኰይኖም ከምዝረኸቦም የረጋግጽ።

እቶም ተመራመርቲ፡ እቶም ዝያዳ ተስፋ ዘለዎም ጎብየታት ውሑድ ጭንቀት ከም ዘለዎም'ውን ክርድኡ ክኢሎም።

እቶም ተመራመርቲ፡ እቶም ዝያዳ ተስፋ ዘለዎም ጎብየታት ውሑድ ጭንቀት ከም ዘለዎም'ውን ክርድኡ ክኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቶም ተመራመርቲ፡ እቶም ዝያዳ ተስፋ ዘለዎም ጎብየታት ውሑድ ጭንቀት ከም ዘለዎም'ውን ክርድኡ ክኢሎም

እቶም ተመራመርቲት፡ ነቶም ጎብየታት ንሓደስቲ ከባቢታትን ነገራትን ብምቅላዕ ምስ ጭንቀት ዝተኣሳሰር መርመራታት'ውን ኣካይዶምሎም።

እቶም ርጉእን ተስፋ ዘለዎን ግብረ መልሲ ዝሃቡ ጎብየታት፡ ውሑድ ጭንቀት ዝመልኦ ባህርያት ከም ዝነበሮም እቲ ውጽኢት ኣረጋጊጹ።

ወሃቢ ቃል ዩኒቨርሲቲ ሊንከን፡ እንስሳታት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኵነታት ስምዒት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል፡ እዚ ናይ መጀመርታ ዝርአ ዘሎ ንጹር መርትዖ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሕጊ ድሕነት እንስሳታት ዓንቀጽ 2022 እንስሳታት ንነገራት ክርድኦም ዓቕሚ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ብኸመይ ክንከላኸለሎም ከም እንኽእል ንምርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚ መዃኑ የነጽር።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሊንከን እንስሳታትን ባህርያቶምን ኣብ ምፍላጥ እትሰርሕ ፕሮፌሰር ኣና ዊልኪንሰን፡ " ድሕነት እንስሳታት ክንብል እንከለና፡ ሓደ ዓይነት እንስሳ ስምዒታዊ ኵነታት ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ኣብ ዘርኢ መርትዖ ዝተመርኮሰ'ዩ" ትብል።

ኣስዒባ፡ "ብተመሳሳሊ እንስሳታት ከም እንስሳ ዘቤት እናተለመዱ ኣብ ዝኸዱሉ ዘለዉ እዋን፡ ዝዀነ ነገር ብኸመይ ክጸልዎም ከም ዝኽእል ንምርዳእ ስምዒታቶም ከነጽንዕ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል።