10 ሓደገኛ እንስሳታት፡ ወዲ ሰብ ኣብ መበል ክንደይ ይስራዕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለምና ብድምሩ 1.2 ሚልዮን ዝግመቱ ዓይነታት እንስሳታት ኣለዉ።
ገለ ካብቶም ንደቂ ሰባት ዝቐteሉ፡ ከም ኣናብስን ሓራግጽን ዝርከብዎም ዓበይቲ እንስሳታት ይርከብዎም። ይኹን’ምበር፡ ብዙሓት እንስሳታት ክንድቲ ዝግመት ቀተልቲ ኣይኰኑን።
ንኣብነት ሻርክ ኣብ ዓመት 70 ሰባት ጥራይ እዩ ዝቐትል።
እቲ ዝገርም ግን ካብቶም ኣዝዮም ቀተልቲ ፍጥረታት ብዙሓት ኣዝዮም ንኣሽቱ እዮም።
ግን እቲ ብግልጺ ኣብ ዓለም ዝያዳ ሓደገኛን ቀታሊን እንስሳ ኣየናይ እዩ? እቶም ሓደገኛ ዝተበሃሉ እንስሳታት ካብ 10 ክሳብ 1 እነሆ ተዘርዚሮም ኣለዉ።
10. ኣንበሳ - ኣብ ዓመት 200 ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብንጉስ ጫካ ዝፍለጥ ግን ኣብ ጫካ ዘይነብር አንበሳ፡ ኣብዚ ዝርዝር ሓደገኛ እንስሳታት ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ትጽቢት ክህሉ ይኽእል፤ ግን ኣይኰነን። ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ። ምስዚ ዅሉ ድማ እቲ 114 ዴሲብልስ ዝበጽሕ ካብ ርሑቕ ዝስማዕ ጋዕሪ፡ ንሰባት እኹል መጠንቀቕታ ክኸውን ይግባእ።
ብተለምዶ ብለይቲ እዩ ዘጥቅዕ፤ በላሕቲ ኣጽፋሩ ዓሚቝ ቁስሊ ከስዕቡ ዝኽእሉ ኰይኖም ክነክስ እንከሎ ድማ ኣዕጽምቲ ርእሲ ክስንጥቕ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣናብስ ብኣናእሽቱ ጉጅለ ተወዲቦም እዮም ነቲ ዕድለኛ ዘይኰነ እንስሳ ዝሃድኑ።
ብፍላይ፡ ምስ ኮራኹሮም ኣብ ዝህልውሉ እዋን፡ ምሕረት ዘይክህብ ይኽእል እዩ።
ኣናብስ ዘጥቅሉ ዕምኽንያት፡ ብሰንኪ ጥሜት ወይ ድማ እዓርሱ ካብ ሓደጋ ንምክልኻል እዩ።
9. ጉማረ - ኣብ ዓመት 500 ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉማረ በላዒ ሳዕሪ ብምዃኑ ኣብዚ ዝርዝር ምእታው ከደንቕ ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር ብሰንኪ ዝድነቕ ኣስናኑን ቁጡዕ ባህርያቱን ግን ሓደ ካብቶም ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ሓደገኛታት እንስሳታት ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።
ጉማረ ክሳብ ፍርቂ ሜትሮ ዝበጽሑ ነዋሕቲን በላሕቲን ኣስናኑ ኣብ እዋን ባእሲ ይጥቀመለን፤ ክነክስ እንከሎ ድማ ንኣካላት ወዲ ሰብ ኣብ ክልተ ክቖርጾ ይኽእል። ይምሓረነ! መንከስቲ ጉማረ ካብ ኣንበሳ ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ ዝሓየለ እዩ።
ብርቱዕ ግዝኣቱ ዓቃቢ ኰይኑ፡ ሰባት ናብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ክቐርቡ እንከለዉ ከጥቅዖም ተኽእሎ ኣሎ፤ ብተወሳኺ ብጌጋ ከም ሃደንቲ ብምርኣይ ከም ስጉምቲ ምክልኻል ኣብ ጫፍ ጀላቡ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ጀላቡ ብምግልባጥን ይፍለጥ።
ጉማረታት ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝተበገሰ ንናይ ገዛእ ርእሶም ዘርኢ ብምብላዕ ከይተረፈ ይፍለጡ።
8. ሓርማዝ - ኣብ ዓመት 600 ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓርማዝ ምቕታል ፈጺሙ ዘይርስዕ እንስሳ እዩ! ግዝፈቱ ድማ ሓደ ካብቶም ሓደገኛታት እንስሳታት ዓለም ይገብሮ።
ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ተኽእሎ ኣሎ።
ሓርማዝ ብተለምዶ ንደቂ ሰባት ብምርጋጽ’ዩ ዝቐትሎም። ኣፍሪቃዊ ሓርማዝ ክሳብ 8 ሽሕ ኤስያዊ ድማ ክሳብ 5.5 ሽሕ ኪሎ ክምዘን ስለ ዝኽእል፡ ክረግጽ እንከሎ ብሓይሊን ብቐሊሉ ንምቕታል እኹል እዩ።
ገረንገሩ ተጠቒሙ ንደቂ ሰባት ኣልዒሉ ናብ መሬት ክድርብዮምን ከምኡ’ውን ክሰብሮን እውን ይኽእል።
ብስኑ እውን ንሰባት ከምዝሃርም ይፍለጥ።
7. ሓርገጽ - ኣብ ዓመት 1000 ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport
ሓርገጽ ኣብ ዓመት ክሳብ 1000 ዝበጽሕ ሞት ደቂ ሰባት ዘስዕብ ፍሉጥ ጨካን እንስሳ እዩ። ሓንቲ ካብ ኣስናኑ ምርኣይ ጥራይ ስለምንታይ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝዀነ ዝሕብር ይኽእል።
መንከስቲ ሓርገጽ ካብ ናይ ኵሎም እንስሳታት ዝሓሰመ’ዩ።
ብፍላይ ሓርገጽ ናይል፡ ኣስናኖም መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምውሓጦም፡ ግዳይኦም ንምጭፍላቕ ይጥቀሙሉ።
ሓራግጽ ቁጡዓትን ኣዝዮም ግዝኣቶም ዝዕቅቡን ስለዝዀኑ፡ ናብ መነባብሮኦም ዝጽጋዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ከጥቅዑ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ ማይ ጸኒሖም’ዮም ዝደብዩ።
6. ዕንቅርቢት - ኣብ ዓመት 3300 ደቂ ሰባት ትቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጥንታውያንን ቁጡዓት ዕንቅርቢታት [ጥንቅርብዒት] ብጭራኦም ብምንካስ ንግዳዮም ብመርዚ ይወግኡ። ልዕሊ 2,600 ዓይነታት ዕንቅርቢት ኣለዉ፤ ካብዚኦም ኣስታት 25 ዝዀኑ ንደቂ ሰባት ክቐትል ዝኽእል ሓያል መርዚ ኣለዎም።
እቲ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ሞት ዝስዕብ ዴዝስታከር እዩ። እዞም ብጫ ሕብሮም ሞት ዘስዕቡ ዕንቅርቢታት ኣብ ስግር ደረቕ መልክዓ ምድርን በረኻታትን ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ይርከቡ። ንእሽቶይ ብምዃኖም ክነዓቑ ኣይግባእን።
ኣብ ውሽጦም ዘሎ መርዚ፡ ንመንእሰያት፣ ኣረጋውያንን ነቶም ንነዊሕ እዋን ፀገም ልቢ ዘለዎምን ሰባት ንምቕታል እኹል እዩ።
ጥዑያት ዓበይቲ ደቂ ሰባት’ውን ብመንከስቲ ዴዝስታከር ክሞቱ ተኽእሎ ኣሎ።
5. ቀተልቲ ትዃን (ሕማም ቻጋስ) - ኣብ ዓመት 10 ሽሕ ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀተልቲ ትዃን ቀንዲ ጠንቂ ዝርግሐ ናይቲ ቀታሊ ሕማም ቻጋስ እዮም። ብሰንኪ’ዚ እዞም ደም ዝመጥጡ ሓሳኹ ኣብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ናይ ብሓቂ ሓደጋ እዮም።
ሕማም ቻጋስ ቀታሊ ኰይኑ፡ ብነኸስ/ወይ ድማ ብሰገራ እዞም ሓሳኹ ዝተለኽፈ ዝሑል መግቢ ወይ መስተ ብምውሳድ ይመሓላለፍ።
ንልቢ፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢን ስርዓተ ነርቭን ዘጥቅዕ ዘስካሕክሕ ሕማም ከምዝዀነ ውድብ ጥዕና ፓን ኣመሪካ የመልክት።
እቲ ዝገደደ ድማ እቲ ሕማም ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ብመንገዲ ሽንቲ ዕሸል ካብ ኣደ ናብ ህጻን ክመሓላለፍ ዝኽእል ምዃኑ እዩ።
4. ከልቢ (ሕማም ዕቡድ ከልቢ) - ኣብ ዓመት 59,000 ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እሙን ዓርኪ ወዲ ሰብ ዝዀነ ከልቢ፡ ብሰንኪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝኸፍአ ጸላኢ ወዲ ሰብ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ኣኽላባት ንዋናታቶም ካብ ዘመትቲ ክሕልዉ ይፈትኑ፡ ብምንካስ ድማ የጥቅዑ። ብሰንኪ መጥቃዕቲ ከልቢ ዝሞቱ ሰባት ልሙድ እኳ እንተዘይኰነ፡ ብሰንኪ ምንካስ ከልቢ ብዝመሓላለፍ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘጋጥም ሞት ግን ልሙድ እዩ።
ብቐንዱ ድማ ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ኣብ ዝርከቡ ድኻታት ክፋላት ዓለም የጋጥም።
“ኣኽላባት ቀንዲ ምንጪ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘስዕቦ ሞት እዮም፤ ክሳብ 99 ሚእታዊት ካብ ኩሉ ናብ ደቂ ሰባት ዝመሓላለፍ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ድማ ኣበርክቶ ይገብሩ” ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
3. ተመን - ኣብ ዓመት 138,000 ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ሰባት ተመን ይፈርሑ እዮም። ዋላ’ኳ ኵሎም መርዛማትን ቀተልቲን እንተዘይኰኑ፡ ሞት ዘስዕቡ ግን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ንኣብነት ብላክ ማምባ ንሓደ ሰብ ብኽልተ ንጣብ መርዙ ጥራይ ክቐትል እንከሎ፡ ፓይቶን ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓቢ ሰብ ክውሕጦ ይኽእል እዩ።
ፓይቶን ነቲ ነዊሕ ኣካላቶም ብምጥቕላልን ብምሕናቕን ኣዕጽምቶም ብምስባርን እዮም ዘጥቅዑ።
ድሕሪኡ ነቲ ዝተዘርግሐ መንጋጋኦም ተጠቒሞም ነቲ ግዳይ ምሉእ ብምሉእ ይውሕጥዎ።
ንሓደ ምሉእ ሰብ ክውሕጡ ክሳብ ዝኽእሉ እዮም ዝዓብዩ፡ ክሳብ 10 ሜትሮ ንውሓት ክህልዎም ከምዝኽእል ይፍለጥ።
እቲ ዝበዝሐ ሞት ደቂ ሰባት ብመንከስቲ መርዛም ተመን ዘጋጥም ኰይኑ፡ እቶም ተነኺሶም ዝተርፉ ዕድለኛታት ድማ ምቑራጽ ኣካላትን “ካልእ ቀዋሚ ስንክልናን” ከጋጥሞም ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
2. ወዲ ሰብ (ብቅትለት ጥራይ) - ኣብ ዓመት 400,000 ደቂ ሰባት ይቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ሰባት ብቴክኒካዊ መዳይ ሞት ደቂ ሰባት ዘስዕቡ ካልኣይ ሓደገኛታት እንስሳታት’ዮም።
እዚ ድማ ቅትለት ጥራይ ክቑጸር እንከሎ እዩ።
ብዓለም ደረጃ ኣብ 2019 ጥራይ 0.7 ሚእታዊት ሞት ብሰንኪ ቅትለት እዩ ነይሩ።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ መጠን ቅትለት ካብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዝለዓለ እዩ።
ይኹን’ምበር ንናይ ገዛእ ርእሶም ዘርኢ ዝቐትሉ ደቂ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ኣብ ገለ እንስሳት'ውን ዘጋጥም ነገር እዩ።
1. ጣንጡ - ኣብ ዓመት 725,000 ሰባት ትቐትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጣንጡ ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍአት ሓደገኛ እንስሳ እያ።
ከም ዓሶ ዝኣመሰሉ ሕማማት ብምዝርጋሕ ኣብ ዓመት 725 ሽሕ ደቂ ሰባት ትቐትል። ኣንስቲ ሓሳኹ ጥራይ እየን ዝነኽሳ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ሓደገኛታት ይገብረን።
እዛ ንእሽቶ ሓሰኻ ብዝለዓለ ናይ ምቕታል ዓቕማ ኣቢላ፡ ኣብ ናጽነት ኣመሪካን ምልዓልን ውድቀትን ሮማን ኣገዳሲ ዝዀነ ተራ ተጻዊታ እያ።
ብፍላይ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንካ ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ 96 ሚእታዊት ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







