ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልይዎ ዘሎ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ትእምርታዊ እንስሳ ክስስን ጀሚሩ

'ሜክሲካን ኣክሶሎትል'

ምንጪ ስእሊ, Victoria Gill/BBC News

ፍሉይ ትርኢት ዘለዎ እንስሳ ኰይኑ ሓደ ካብቶም ሓደጋ ምጽናት ዘጋጠሞም ምድረ-ማያውያን እስሳታት ዓለም'ዩ።

እዚ ወትሩ ፍሽኽታ ዝዓሰሎ 'ሜክሲካን ኣክሶሎትል' ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ካብ ገጽን ከርሲን ምድሪ ጠቕሊሉ ክጠፍእ ተቓሪቡ ዝነበረ'ዩ።

ከምኡ ስለዝዀነ ድማ'ዮም ተመራመርቲ ስነእንስሳ ሓድጉ ንምትራፍ ኣብ ቤተፈተነታትን መካነ እንስሳታትን ክናብይዎ ጸኒሖም።

ሕጂ ግን ካብቲ ተዳጒንሉ ዝጸንሐ መዕቈሪታት ናብ ሰፊሕ ማሕድሮ ምስ ወጸ ቀጻልነቱ ተስፋ ረኺቡ ኣሎ።

ተመራመርቲ፡ 18 ኣብ ቤተፈተነ ዝተፈረዩ 'ኣክሶሎትል' ናብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ሜክሲኮ ዝርከብ ዝተሓሰነን ንዕኦም ተባሂሉ ዝተዳለወን ሓጽቢታት ብምፍናው ዕዉት ፈተነ ኣካይዶም ኣለዉ።

እዞም ጽዑቕ ክንክን እናተገብረሎም ዝእለዩ ዝነበሩ ኣገረምቲ ፍጥረት፡ "ኣብ ክልቲኡ ማያዊ ቦታታት ክነብሩን ክምእርሩን" ከምዝኸኣሉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

"እዚ ዘሐጕስ ውጽኢት'ዩ" ብምባል'ያ እታ ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት ዶ/ር ኣለሃንድራ ራሞስ ካብ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውቶኖሞስ ባጃ ካሊፎርኒያ ትዛረብ።

እቶም መጽናዕቶም ኣብ ፍሉጥ ሳይንሳዊ መጽሔት ዘሕተሙ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ እቶም እንስሳታት ናብቲ ባህርያዊ ማሕድሮኦም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ዘረጋገጸ ፈተነ'ዩ።

እቲ ብልምዳዊ ሕርሻን በቲ ካብ ጐቦታት ዝወሓዘ ማይን ቅርጹ ዝሓዘ ኣብ ከባቢ ከተማ ሜክሲኮ ዝርከብ ማያት ሶቺሚልኮ በዞም እንስሳታት እዚኦም ዝመልአ'ዩ ነይሩ።

እታ ከተማ እናስፋሕፍሐት ብምኻዳ፡ ብከላ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ጸቕጥታት እናዓበ ብምምጽኡ ግን እናበረሱ ክመጹ ተገዲዶም። ሎሚ ካብ 50 ዘይበዝሑ ጥራይ'ዮም ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማሕድሮኦም ከምዘለዉ ዝንገረሎም።

"እዞም ዓሌት እዚኦም እንተ ስኢንናዮም፡ ሜክሲካዊ መንነትና ኣጥፊእና ማለት'ዩ" ክብል እቲ ማንታ መራሒ ናይቲ ፕሮጀክት ዝዀነ ዶ/ር ሉዊስ ዛምብራኖ ካብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሜክሲኮ ዝገልጽ።

ኣክሶልቶል ፍሉይ ኣርማ'ዩ ምባል ምግናን ኣይኮነን። ካብቲ ዝጸነተ ስልጣነ 'ኣዝተክ' ዝመጸ ብሂል ከምዝብሎ፡ እቲ እንስሳ ብሳላማንደር ቅርጺ ዝተኸሰተ ኣምላኽ ተገይሩ'ዩ ዝርአ ነይሩ - ኣምላኽ ሓዊን በርቂን ኣዝተክ።

'ሜክሲካን ኣክሶሎትል'

ምንጪ ስእሊ, Victoria Gill, BBC News

እዚ ፍሉይ ትርኢትን ታሪኻዊ ትእምርትን ዘለዎ እንስሳ ኣብ ዙርያ እታ 20 ሚልዮን ነበርቲ ዘለውዋ ዓባይ ከተማ ክስስኑ እንተጀሚሮም "ደቂሰባት ተስፋ ከምዘለዎም ኰይኑ'ዩ ዝስማዓኒ" ይብል ዶ/ር ዛምብራኖ።

እቶም ተመራመርቲ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሓረስቶት ብምውህሃድን ነቲ ዝተበከለ ማያት ብምጽራይን'ዮም ነቶም እንስሳታት "መዕቆቢ" ከዳልውሎም ክኢሎም።

ነፍሲወከፍ እንስሳ ድማ ኣበይ ከምዘሎ ዘነጽር መሐበሪ ራድዮ ተሰዂዑሉ እዩ።

"እቲ ዘገርም ነገር ኵሎም ብሂወት ኣለዉ" ክትብል'ያ ዶ/ር ራሞስ ንቢቢሲ ሓቢራ። "ንሱ ጥራይ'ውን ኣይኰነን፡ እቶም ደጊምና ክንሕዞም ዝኸኣልና'ውን ሚዛን ወሲኾም ጸኒሖምና- ክሃድኑ ጀሚሮም ማለት'ዩ" ክትብል ሓጐሳ ትገልጽ።

ካልእ ዘገርም ትዕዝብቲ ድማ፡ "ገሊኦም ምስ ካልእ ከምኦም ብጽምዲ ግዚኦም ከሕልፉ ተራእዮም- ልክዕ ከምዚ ንእሽቶ ዕርክነት ዝገበሩ" ትብል ዶ/ር ራሞስ።

እቶም 'ሳላማንደር' ተባሂሎም ዝፍለጡ ግሩማት ፍጥረት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ቤተፈተነታትን ኪነታዊ-ማሕድሮታት (ኣኳርዮም) ብኣማኢት ኣሽሓት ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ፍሉይት ፍጥረት ዝገብሮም ድማ ዝሰንከለ ወይ ዝተመንጠለ ኣካላቶም ደግማይ ከማዕብሉ ብምኽኣሎም'ዩ።

ደቂሰባት ነዚ ዝቐንእሉ ዓቕሚ'ዚ ብኸመይ ከምዘማዕብልዎ ንምፍላጥ ሕክምናዊ ምርምር ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ክሳብ ዝዀነ ዝኸውን ግን ነቲ ዝተዘርገ ማያት ከተማ ሜክሲኮ ብምጽራይ ነዞም ዓቢ ምስጢራት ዘለዎም ንኣሽቱ እንስሳታት ማሕድሮኦም ዳግማይ ንምሕዳስ ሓያል ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

"ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት እንስሳታት ማሕድሮኦም ይስእኑ ኣለዉ" ትብል ዶ/ር ራሞስ፡ ዋላኳ ፕሮጀክትታት ፍወሳ ማሕድሮታት ንምዕዋት ቀሊል እንተዘይኰነ "ግን ይክኣል'ዩ- ብዝሒ ዝዋሳእ ሰብ ጥራይ'ዩ ዘድሊ" ብምባል ተስፋ ከምዘሎ ተመልክት።

"ንኽትሳተፍ ተመራማሪ ክትከውን ኣየድልየካን'ዩ፤ ኵሉ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ሰብ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።"