ዓሰርተ መርዛም እንስሳት ኣየኖት ምዃኖም ትፈልጡ ዶ?

ፍራውለ መርዛም እንቁርዖብ ኣብ ኮስታሪካ

ምንጪ ስእሊ, Christian Sanchez/500px/Getty

መግለጺ ስእሊ, ዳርት ፍሮግ (ዓይነት እንቁርዖብ)

ካብ እንቁርዖብን ክሳብ ሓርጃም፣ ካብ ጽምብላሊዕ ክሳብ ሕንዚዝ ኣብ ዓለም መርዛም እንስሳታት ኣይሰኣኑን። ኣብዚ ዝርዝር ዘለዉ ገለ ካብዞም እንስሳታት ዘገርሙ እዮም።

ዓለም እንስሳ ዘገዳም ከቢድ’ዩ። ብዙሓት እንስሳታት ድማ ንገዛእ ርእሶም ካብ ሃደንቲ ዝከላኸልሉ ሜላ ከድልዮም ግድን ይኸውን። ሓደ ካብቶም እንስሳታት ዘማዕበልዎም ሜላ ድማ ዓቕሚ ሕንዚ’ዩ - ስሚን መርዚን ከም መከላኸሊ ዝጥቀሙ ሒደት ኣይኰኑን።

ሕንዛምን መርዛምን ሓደ ዝመስሎም ሰባት ሒደት ኣይኰኑን - ስለዚ ፈለማ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ንርኣይ።

መርዛም እንስሳ እንብሎ እቲ መርዙ ብምትንፋስ፣ ብምውሓጥ፣ ብምምጣጥ ወይ ብምብላዕ ናብ ኣካላትና ምስ ዝኣቱ’ዩ።

ሕንዛም ድማ እቲ መርዚ ብመውጋእቲ ወይ ብምንካስ እዩ ናብ ኣካላና ዝኣቱ። ንኣብነታት ኮብራ ዓቃቢቶኡ፡ ዕንቅርቢትን ንህቢን ድማ ከም እሾኽ ዝበለ መንከሲ ተጠቒሞም መርዞም ናብ ሓደ እንስሳ ክኣቱ ይገብሩ።

መርዛም እንስሳ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይንጡፍ እዩ፤ መርዙ ግን ብቐጥታ ኣየመሓላለፍን። ኣብ ክንድኡ እቲ እንስሳ ምስ ዝትንከፍ ወይ ምስ ዝብላዕ ውጽኢቱ ይርአ።

ሕንዛም እንተዀይኑ ግን ንጡፍ መስርሕ እዩ፤ ፍሉይ ኣካል ተጠቒሙ መርዙ ናብ በላዕቲ ወይ ግዳያት ክበጽሕ’ዩ ዝገበር።

ኣብዚ ዝርዝርና ካብ ዘለዉ መብዛሕትኦም ብናይ ባዕሎም ኣመጋግባ እዮም መርዛም ነገራት ዝረኽቡ፤ ከም መከላኸሊ ኣንጻር በላዕቲ እንስሳታት ድማ ይጥቀሙ። ከም ግሪንላንድ ሻርክ ዝኣመሰሉ ግን መርዛምነቶም ምስ ከባቢኦም ካብ ዝገብርዎ ምትዕጽጻፍ ዘማዕብልዎ ጐድናዊ ፍርያት እዩ።

ብዝዀነ ብዛዕባ እዞም ዓሰርተ መርዛማትን ሕንዛማትን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ እነሆ!

ዳርት ፍሮግ (ዓይነት እንቁርዖብ)

ዓይነት እዞም እንቁርዖብ ኣብ ጫካታት ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ይርከቡ። ከም ብጫ፣ ኣራንሺ፣ ቀይሕ፣ ቀጠልያ፣ ሰማያዊ ዝበለ ምስ ዝተፈላለየ ድሙቕ ሕብሪ ኣለዎም።

እዞም እንስሳት ግን ምርኢታት ጥራይ ዘይኰነስ መርዞም እውን ሓያል’ዩ።

ንኣብነት ሓደ ቅጠልያ ዳርት እንቁርዖም ኣብ ሰብነቱ 20 ሽሕ ኣናጹ ወይ ንሓደ ዓቢ ሰብ ክቐትል ዝኽእል መርዚ ኣለዎ።

ከም ደቀቕቲ ሓሰኻ፡ እግረ-ሚእቲ፡ ጻጸ ዝኣመሰሉ ብምምጋብ ዘፍርይዎ መርዚ ካብ ዝዀነ ክበልዖም ዝኽእል እንስሳ ዝከላኸሎም ኬሚካላዊ መስርሕ ኰይኑ የገልግሎም።

እዞም እንቁርዖባት፡ ጎኒ ጎኒ መርዞም ከም መጠንቀቕታ ዘገልግል ድሙቕ ሕብሪ’ውን ኣማዕቢሎም’ዮም፡ ከምዚ ዓይነት መጠንቀቕታ ‘ኣፖሰማቲክ ነጸብራቕ ሕብሪ’ ተባሂሉ ይፍለጥ።

ኬን ቶድ (ዓይነት ሓርጃም)

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ እዚ ሓርጃም፡ ጸባ መሳሊ መርዚ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ እዚ ሓርጃም፡ ጸባ መሳሊ መርዚ ኣለዎ

መበቆሎም ካብ ደቡብን ማእከላይን ኣመሪካ ዝዀኑ ኬን ቶድ ብዝብል ዝጽውዑ ዓይነት ሓርጃም ሕጂ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ይርከቡ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝኸፍኡ ኣጥቃዕቲ እንስሳታት ምዃኖም ይግለጽ።

ኣብ ኣውስትራልያ ፍሉይ ጸገም ኣስዒቦም እዮም፤ ቃንጫ ሽኰር ዝምገቡ ሕንዚዛት በሊዖም ንኸጥፍኡ ተኣታትዮም’ኳ እንተነበሩ፡ ዝያዳ ብሓይሊ ተራቢሖም ኣብ ልዕሊ እንስሳ ዘገዳም እቲ ከባቢ ዘስካሕክሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም።

ኣብዚ ድማ መርዛምነቶም ልዑል ተራ ኣለዎ። ሓደጋ ዘስዕበሎም ነገር ዘሎ እንተመሲልዎም ካብ ኣብ ቆርበቶም ዝርከቡ ጽክታት ‘ቡፎቶክሲን’ ዝበሃል ጸባ መሳሊ መርዚ ይፍንዉ።

ኣብቲ መበቆሎም ደቡብን ማእከላይን ኣመሪካ ዝርከቡ ብዙሓት በላዕቲ እንስሳታት ነዚ መርዚ ዝከላኸሉሉ ኣገባባት ኣማዕቢሎም እዮም፤ ኣብ ኣውስትራልያ ግን እቶም ካልኦት እንስሳታት ነቲ መርዚ ንምምካት ዝሕግዝ መንገዲ ገና ኣየማዕበሉን።

እዚ ማለት እቶም ሓርጃማት ተፈጥሮኣዊ በላዒ እንስሳ ስለዘይብሎም ብቕልጡፍ ክበዝሑን ንዝዀነ ክበልዖም ዝፍትን እንስሳ ክቐትሉን ይኽእሉ እዮም።

ፍላምቦያንት ካትልፊሽ ፈፈር (ቀላሚ-ዓሳ)

ኣብ ማሌዥያ ኣብ ዝርከብ ፍላምቦያንት ካትልፊሽ (ቀላሚ-ዓሳ)

ምንጪ ስእሊ, Andre Seale/VW PICS/Universal Images Group via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማሌዥያ ኣብ ዝርከብ ፍላምቦያንት ካትልፊሽ (ቀላሚ-ዓሳ)

ፍላምቦያንት ካትልፊሽ ፈፈር ወይ ዓይነት ቀላሚ-ዓሳ ‘ኣፖሰማቲክ ነጸብራቕ ሕብሪ’ ከም ዝጥቀሙ ይሕሰብ።

ኣብ ዕረፍቲ ክዀኑ እንከለዉ ጸሊም ቡናዊ ሕብሪ ይህልዎም፡ በላዒ እንስሳ ምስ ዘጋጥሞም ግን ቀልጢፎም ሕብሮም ይቕይሩ፤ ጸሊም፣ ጻዕዳን ብጫን ድሙቕ ቀይሕ ጫፍ ክንፊን ዘለዎ ድሙቕ ዝንቀሳቐስ ምርኢት ይፈጥሩ።

እዚ ድማ ሓቀኛ መጠንቀቕታ’ዩ። ነዚኦም ምብላዕ መኽሰብ ኣይህልዎን - ጭዋዳታቶም ኣዝዩ መርዛም’ዩ።

እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ መርዛም ነገራት ብሓቂ ኣዝዩ ሓያል ብምዃኑ፡ ምስቲ ዕሉል ሰማያዊ ቀለቤት ዘለዎ ኦክቶፑስ ከም ዝወዳደር ይሕሰብ።

ግሪንላንድ ሻርክ

ግሪንላንድ ሻርክ፡ ካብ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም እንስሳታት ነዊሕ ዕድመ ዝነብር ምዃኑ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, JULIUS NIELSEN

መግለጺ ስእሊ, ግሪንላንድ ሻርክ፡ ካብ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም እንስሳታት ነዊሕ ዕድመ ዝነብር ምዃኑ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይገልጹ

ኣብ ዓሚቝ ማይ ዝርከብ፡ ብፍላይ ድማ ተፈጥሮኣዊ በላዒ ዘይብሉ ሻርክ መርዛም ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ’ዩ።

ይኹን’ምበር ግሪንላንድ ሻርክ፡ መበገሲ መርዛምነቱ ከም መከላኸሊ በላዕቲ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ እቲ ዝነብረሉ ከባቢኡ እዩ።

እዚ መሳጢ ዓሳ ኣብ ንምእማኑ ዘጸግም ዝሑልን ዓሚቝን ማያት’ዩ ዝነብር - ክሳብ ትሕቲ 2 ዲግሪ ሰልሽየስ ዛሕሊን 7,200 ጫማ ዕምቆትን ይበጽሕ።

ነቲ ኣዝዩ ዝሑልን ጸቕጢ ማይን ንምምካት፡ ስጋ እዚ ዓሳ ልዑል መጠን ‘ትራይሜቲላሚን ኦክሳይድ’ ዝሓዘ እዩ። እዚ ድማ ከም ጸረ-በረድ ብምስራሕ የገልግሎ። እቲ ጎናዊ ሳዕቤን ግን ስጋ እዚ ዓሳ መርዛም ብምዃኑ ክብላዕ ኣይኽእልን።

እዚ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ዘገርሙ ነገራት ግሪንላንድ ሻርክ’ዩ።

ካልእ ድማ መጠኑ ክሳብ 6.4 ሜተሮ ክዓቢ ዝኽእልን ካብ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም እንስሳታት ነዊሕ ዕድመ ዝነብርን ምዃኑ’ዩ። ክሳዕ 400 ዓመት ከም ዝነብር ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይገልጹ።

ሁድድ ፒቶሂ

መበቆል ሁድድ ፒቶሂ ካብ ኒው ጊኒ እዩ

ምንጪ ስእሊ, feathercollector/Getty

መግለጺ ስእሊ, መበቆል ሁድድ ፒቶሂ ካብ ኒው ጊኒ እዩ

መበቆላ ካብ ኒው ጊኒ ዝዀነት እዛ ሁድድ ፒቶሂ እትበሃል ዑፍ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ውሑዳት መርዛም ኣዕዋፍ እያ።

ኣብ ቆርበታ፡ ክንቲታን ኣካላታን ውህደታት ‘ባትራኮቶክሲን’ ዝተበሃለ መርዚ ዝሓዘ እዩ።

እቲ ዝገርም ሁድድ ፒቶሂ ምስተን ክረስትድ ፒቶሂ ተባሂለን ዝፍለጣ መርዛም ኣዕዋፍ ብቐረባ ይመሳሰላ እየን። ኣዝዮ ብቐረባ ዝዛመዳ ግን ኣይኰናን፤ እዚ ድማ ኣብነት ምትእስሳር ፍልቀት ከም ዝዀነ’ዩ ዝሕሰብ።

ኣብ ምትእስሳር ፍልቀት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍጥረታት ብነጻ ተመሳሳሊ ባህርያት ዘማዕብሉሉን፣ ከምኡ’ውን ነንሕድሕዶም ብምምስሳል ንሃደንቲ መጠንቀቕታ ምልክታት ዝህቡሉን ዓይነት ፍልቀት’ዩ።

ኪልባክ ስኔክ (ግልብጥ-ዝባን ተመን)

ኪልባክ ስኔክ (ግልብጥ-ዝባን ተመን) ሓደ ካብቶም ውሑዳት ናይ ብሓቂ መርዛም ተመናት እዩ

ምንጪ ስእሊ, kristianbell/Getty

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዛዕባ መርዚ ክሓስቡ እንከለዉ ቀዲሙ ናብ ኣእምሮኦም ዝመጽእ ተመን’ዩ።

ይኹን'ምበር ብዙሓት ተመናት ሕንዛም’ኳ እንተዀኑ፡ ብጌጋ ግን መርዛማት ተባሂሎም ይጽውዑ።

ግልብጥ-ዝባን ተመን ሓደ ካብቶም ውሑዳት ናይ ብሓቂ መርዛም ተመናት እዮም።

ብፍሉይ ዓቃቢቶ ዘይኰነስ፡ ኣብ ክንድኡ ብዘይተሓላቒ መንገዲ ብጽክታት ምራቕ ኣቢሎም እዮም መርዚ ዝፍንዉ።

እቲ መርዚ፡ መርዛም ሓርጃም ብምብላዕን ናብ ደሞም ብምምጣጥን ዝመጽእ እዩ።

እዞም ተመናት እዚኣቶም ግን፡ ልክዕ ከምቲ ሕንዛም ተመን ዝጥቀመሉ መገዲ ብምንካስ’ውን መርዞም ናብ ግዳያት ‘ክኣቱ’ ይገብሩ’ዮም።

ሞናርክ ጽምብላሊዕ

ምዕራባውያን ሞናርክ ጽምብላሊዕ መርዞም ተጠቒመን ንገዛእ ርእሶም ካብ በላዕቲ እንስሳታት ይከላኸላ

ምንጪ ስእሊ, Denise Taylor/Getty

መግለጺ ስእሊ, ምዕራባውያን ሞናርክ ጽምብላሊዕ መርዞም ተጠቒመን ንገዛእ ርእሶም ካብ በላዕቲ እንስሳታት ይከላኸላ

ሞናርክ ጽምብላሊዕ ሓንቲ ካብቶም መርዛም ነገራት ካብ ኣመጋግባኦም ዝረኽቡ ፍጥረታት እያ።

እዛ ጽምብላሊዕ፡ ኣብ ኣፈጣጥራኣ ካብ እንቋቑሖ ወጺኣ ከም ሓሰኻ ወይ ኣባጨጐራ ኣብ ትዀነሉ እዋን ተኽለ-ጸባ ብምምጋብ’ያ መርዚ ትረክብ።

ተኽለ-ጸባ፡ ንስራሕ ዋህዮታት ዝዘርጉ ‘ካርዲያክ ግላይኮሳይድስ’ ዝበሃሉ ውህደታት ዘፍርዩ ተኽልታት እዮም።

እቲ ዝገርም ግን እታ ኣባጨጐራ ከመይ ጌሮም ከይተጎድኡ ነቲ ተኽሊ በሊዖም ነቶም መርዛማት ነገራት ኣብ ኣካላቶም ክዕቅብዎ ምኽኣሎም’ዩ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ብውህደት ምቅይያር ሰለስተ ዝተፈላለዩ ዲኤንኤ ብምክያድ፡ ነቲ መርዛም ተኽሊ ምብላዕ ጥራይ ዘይኰነስ ክስስኑን ነቲ መርዚ ንዕላማኦም - ካብ በላዕቲ እንስሳታት ንምክልኻል - ክጥቀሙሉን ዘኽእሎም ተጻዋርነት ከም ዘማዕበሉ ይገልጹ።

ዓሳ ፓፈር

መርዚ ፓፈር ዓሳ ካብ ሳይናይድ ክሳብ 1200 ዕጽፊ’ኳ እንተሓየለ ኣብ ገለ ሃገራት ግን ምቁር መግቢ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Westend61/Getty

መግለጺ ስእሊ, መርዚ ፓፈር ዓሳ ካብ ሳይናይድ ክሳብ 1200 ዕጽፊ’ኳ እንተሓየለ ኣብ ገለ ሃገራት ግን ምቁር መግቢ’ዩ

እዚ ዓሳ በላዕቲ እንስሳት ዝከላኸለሉ ገለ ጽቡቕ ኣገባባት ኣለዎ። ዓሳ ፓፈር፡ ‘ክነፍሑ’ ከም ዝኽእል ይፍለጥ። ከብዱ ኣዝዩ ብቕልጡፍ ብማይ ብምምላእ ዳርጋ ክቢ ቅርጺ ይሕዝ እሞ ንምብላዕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን።

ብተወሳኺ ዓሳ ፓፈር ኣዝዩ መርዛም እዩ።

ዳርጋ ኩሎም ዓይነታት እዚ ዓሳ ቴትሮዶቶክሲን ዝበሃል ውህደት ዝሓዙ እዮም። እዚ ውህደት ብፍላይ ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ቀታሊ እዩ።

ካብ መርዚ ሳይናይድ ድማ ክሳብ 1200 ዕጽፊ ዝያዳ ይሕይል።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ ኣብ ገለ ሃገራት ምብራቕ ኤስያ ከም ምቁር መግቢ እዩ ዝረአ። ኣየኖት ክፋላት ንምብላዕ ውሑስ ምዃኑ ብዝፈልጡ ሰራሕቲ ምግቢ እንተዘይተዳልዩ ግን ሞት ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ መግቢ ምበላዕኽምዎ’ዶ?

ብዛዕባ እዚ ዓሳ ተወሳኺ ክትፈልጡ እንተደሊኹም ነዚ መፈንጠሪ ጠውቑ።

ብሊስተር ቢትልስ (ዝምቢ ስጳኛ)

ዝምቢ ስጳኛ ኣብ ቆርበት ከም ማይ ዝመዓጕ ቁስሊ ዘስዕብ መርዚ ብምፍናው ካብ በላዕቲ እንስሳታት ንነብሱ ይከላኸል

ምንጪ ስእሊ, mtreasure/Getty

መግለጺ ስእሊ, ሃመማ ስጳኛ ኣብ ቆርበት ከም ማይ ዝመዓጕ ቁስሊ ዘስዕብ መርዚ ብምፍናው ካብ በላዕቲ እንስሳታት ንነብሱ ይከላኸል

መርዚ ሃመማ-ስጳኛ ኣብ ህይወት ዘስዕቦ ሓደጋ ትሑት’ኳ እንተዀነ፡ ኣዝዩ ዘይምቹእ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል’ዩ።

እዚ ኣስታት 3,000 ዓይነታት ዘለዎ ስድራቤት -ሃመማ-ስጳኛ ብዘይካ ኣብ ኒውዚላንድን ኣንታርክቲካን ኣብ መላእ ዓለም ይርከብ።

ሓደ ሓደ ግዜ ዝራእቲ ይምገቡ እዮም፤ ኣብ ጥሪት ዘስዕብዎ ዕንወት ግን ዝያዳ ልዑል’ዩ። ብፍላይ መግቢ ኣፍራስ ኣብ ዝዀኑ ተኽልታት ኣልፋልፋ ይርከቡ’ዮም።

ኣብ ቆርበት ከም ማይ ዝመዓጕ ቁስሊ ዘስዕብ ካንታሪዲን ዝበሃል መርዞም ዋላ ምስ ሞቱ እውን ንመሕቀቒ መግቢ ናይቲ ዝበልዖም እንስሳ ክጎድእ ተኽእሎ ኣሎ።

ስለዚ ሓደ ፈረስ ሃመማ-ስጳኛ ዘለዎ መግቢ እንተበሊዑ - ዋላ ውሑዳት’ኳ እንተዀኑ - ክመውት ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ንብዙሓት ክሃድንዎም ዝኽእሉ እንስሳታት ንምስጓግ ድሙቕ ‘ኣፖሰማቲክ ነጸብራቕ ሕብሪ’ ይጥቀሙ’ዮም።

ሃውክስቢል ሲ ተርትል (ዓይነት ኣባ-ጎብየ)

እዚ ዓይነት ኣባ-ጎብየ ፈጺምኩም ዘይትጥርጥርዎ መርዛም እንስሳ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, James R.D. Scott/Getty

መግለጺ ስእሊ, እዚ ዓይነት ኣባ-ጎብየ ፈጺምኩም ዘይትጥርጥርዎ መርዛም እንስሳ'ዩ

ኣብ መወዳእታ ድማ ፈጺምኩም ዘይትጥርጥርዎ ሓደ መርዛም እንስሳ ኣሎ - ሃውክስቢል ሲ ተርትል ወይ ዓይነት ኣባ-ጎብየ!

ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ከም ኣርቺንስ ዝኣመሰሉ ፍጥረታት ብምምጋብ ዝረክብዎ መርዛማ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ገለ ጉድኣት ከየስዓበ ኣብ ስብሒ ኣካላቶም ይውሓጥ፤ ነዚ ስዒቡ ግን ስጋኦም መርዛም ይኸውን።

መርዛም ስግኦም ምብላዕ ከም ስኽራን ዝበለ ኵነታት የስዕብ - ከቸሎኒቶክሲዝም ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ።

ሳሕቲ ዘጋጥም’ኳ፡ እንተዀነ ኣብ ደቂ ሰባት ግን ቀታሊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ተኽእሎ ሓደጋ እንተሃለወ’ውን ሰባት ንስጋ ዝኸውን እዚ ዓይነት ኣባ-ጎብየ ካብ ምእካብ ዓዲ ኣይወዓሉን።

ኣብ 2010 ኣብ ማይክሮነዥያ ዘጋጠመ ጃምላዊ ለበዳ ምምራዝ መግቢ ኣጋጢሙ ነይሩ።

እቲ 3 ሰባት ዝቐተለን ኣብ ካልኦት 95 ድማ ጉድኣት ዘስዓበን ምምራዝ መግቢ ግን ሓንቲ ኣባ-ጎብየ ጥራይ ብምብላዕ ዝመጸ ምዃኑ ተፈሊጡ’ዩ።