ኤርትራውያን ብመንበሪ ገዛ ዝሽገሩላ ዘለዉ ኤውሮጳዊት ሃገር

ርእሰከተማ ሉክሰንበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኤውሮጳዊት ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስ መነባብሮኦም ዝተሓሓዝ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም።

እቶም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ "ቅልውላው መንበሪ ገዛ" ክፈትሓሎም'ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ።

ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት ዘዘራረቦ ኣብታ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ ከም ዝብሎ፡ እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ'ቲ ጸገም ግዳም-ሓደር ክዀኑ ይግደዱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ዝቕመጥ ኣበድ ወልደማርያም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ፈለማ ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ኣብ መዓስከራት ወይ ኣብ ሆቴላት "ከም ኣጣል ኣብ ሓደ ክፍሊ ልዕሊ ሰላሳ ሰባት" ክነብሩ ከም ዝግበር ይጠቅስ።

ዑቝባ ምስ ተዋህቡ'ውን ኣብቲ ዘለውዎ ኰይኖም፡ ዝሓሸ ገዛ ናይ ምርካብ ኵነታት ክፈጥሩ ሓላፍነት ኣለዎም።

"ብሓፈሽኡ ኣብ ሉክሰንበርግ ናይ ገዛ ጸገም ኣሎ፡" ዝበለ ኣበድ፡ ስደተኛታት ግን ድርብ ብድሆ ከም ዘጋጥሞም ይገልጽ።

"ኣብ ስደተኛታት ንዘሎ ጸገም መሊሱ ዘግድዶ፡ ገዛውቲ ክትካረ እንድሕር ኴንካ፡ እቶም ኣካረይቲ ናይቲ ገዛ፡ ቀዋሚ ወይ ግዝያዊ ስራሕ ኣለካዶ ኢሎም'ዮም ዝሓቱኻ፡" ይብል።

"እቲ ዝዓበየ ሽግር፡ ዘይትሰርሕ እንተ ኴንካ ገዛ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ዳርጋ የብልካን ማለት'ዩ። ስለዚ፡ ከይፈተኻ ኣብቲ ካምፕ ክትጸንሕ ትግደድ።"

ኣብቲ መዓስከር'ውን ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ክጸንሑ'ዩ ዝፍቀደሎም።

"ኣብዛ እዋን እዚኣ እቶም ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ድሕነት ገዛ ክረኽቡልካ እንተ ዘይክኢሎም፡ እቲ ናብኡ ዘእትወካ ኣካል ውጻለይ ይብለካ፡" ብምባል'ዩ ኣበድ ነቲ ዝተሓላለኸ ጸገም ዝገልጾ።

ትካላት ማሕበራዊ ድሕነት ብተዛማዲ ብሕሱር ገዛ ክረኽቡልካ ተኽእሎ እኳ እንተ'ሎ፡ እቲ ዕድላት ድሩት ብምዃኑ ግን ንትጽቢቶም ዘማልእ ኣይኰነን።

ስራሕ ረኺቦም ርእሶም ክኢሎም ከይወጽኡ ድማ ናይ ቋንቋ ጸገም ዓቢይ ዕንቅፋት ኰይኑዎም ኣሎ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ካብቲ መዓስከራትን ግዝያዊ መጽንሒን ክወጽኡ ተገዲዶም፣ ገለ ኣብ ጐደናታት ገሊኦም ድማ ምስ ካልኦት ተጸጊዖም ይነብሩ ኣለዉ። እቶም ኣብ ሆቴላት ከፊሎም ክድቅሱ ዝፍትኑ'ውን ብሰንኪ ክብሪ ዋጋ ምኽኣል ስኢኖም ከም ዘሎ የመልክት።

ካብቶም መጽንሒ ቦታታት ብሓይሊ ክወጽኡ ዝግደዱ ዘለዉ እቶም ኤርትራውያን ምዃኖም'ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣር-ቲ-ኤል ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ዑቝባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን፡ "እናኸፍአ ዝኸየድ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛ ቅልውላው፡" ከም ዘጋጠሞም ይሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንሓደ ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝዀነ ሰሎሙን መኮነን ብምጥቃስ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ሆቴል ክነብሩ ዝተገደዱ ስድራቤታት ከም ዘለዉ ይገልጽ።

"ሓደ ሰብ ምስ መሓዛኡ ተጸጊዑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ሆቴል ንሓደ ሰሙን እዩ ክጸንሕ ዝኽእል። ንሓደ ወርሒ ኣስታት 4,000 ዩሮ ከፊሎም ኣብ ሆቴል ዝነብሩ ክልተ ስድራቤታት እፈልጥ። ኣታዊ የብሎምን፡ እቲ ማሕበረሰብ'ዩ ዝድግፎም። ግና እቲ ማሕበረሰብ'ውን ንሓዋሩ ከምኡ ክገብር ኣይክእልን'ዩ፡" ይብል ሰለሙን ነቲ ጸበባ ክገልጾ እንከሎ።

"ሰኣን ገዛ፡ ስራሕካ ትስእን፡ ደቅኻ ትስእን፡ ኣታዊኻ'ውን ትስእን። ሕሰቦ'ሞ፣ ሓሙሽተ ቈልዑ ሒዝካ፡ ኣታዊ የብልካ፡ ስራሕ የብልካ፡ ገዛ የብልካ! ኣብ ነዊሕ ግዜ ግዳም-ሓደር'ዮም ክዀኑ፡" ክብል ዘለዎ ከቢድ ሻቕሎት የረድእ።

ካልእ ፍስሃየ ገብረገርጊስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ህይወት ኣብቲ መዓስከራት ከቢድ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ሓደ ክፍሊ 29 ደቂኣንስትዮ. . . ኣብቲ 150 ደቂተባዕትዮ ዘለውዎ ካምፕ ክነብራ'ሞ ሕሰቦ!" ይብል።

ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብታ ሃገር 2,079 ዕቝባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ኣለዉ። ዩክረይን፡ ኤርትራን ሶርያን ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝመጹለን ሰለስተ ቀዳሞት ሃገራት ምዃነን'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ 2019 ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሉክሰንበርግ ዝነበረ ጂን ሰልቦርን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን በጺሑ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ምኒስተር ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኻድ'ውን ኵነታት ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ክዕዘብ ፈቲኑ ነይሩ። እንተዀነ፡ ዋላ'ኳ ብሽልማት ኖበል ዝተባረኸ ሰላም እንተ ተፈረመ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከም ዘይተፈትሐን ዋሕዚ ስደተኛታት ዝያዳ ይውስኽ ምንባሩን ከም ዝተረድአ'ዩ ንባይቶ ሃገሩ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዞም ሓደገኛ ዶባት፡ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ዝኣትውወን ሃገራት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ዝዀነ ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታት ከም ዘጋጥሞም ይግለጽ። ብሰንኪ'ዚ፡ ንስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝተቓልዑ መንእሰያት ውሑዳት ኣይኰኑን።

ኣስታት 681,000 ህዝቢ ዘለዋ ንግስነት ሉክሰንበርግ፡ ምስ በልጁም፡ ጀርመን ከምኡ'ውን ፈረንሳ እትዳወብ ኰይና፡ ኣብ ኤውሮጳ ሳልሰይቲ ዝነኣሰት ሃገር'ያ። ኣስታት ፍርቂ ካብ ህዝባ ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝኣተወ ምዃኑ ይግለጽ።

ብተመሳሳሊ ስም እትጽዋ ርእሰከተማ ሉክሰንበርግ፡ ሓያለ ቀንዲ ቤትጽሕፈታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከበላ ኰይና፡ እቲ ኣብቲ ሕብረት ዝለዓለ ቤትፍርዲ ፍትሒ ሓደ ካብኦም ምዃኑ ይፍለጥ።