ንስደት ስዒሮም ስደተኛታት ዝረድእ ትካል ዘጣየሹ ዶ/ር ጸሀየ ተፈራ

ምንጪ ስእሊ, ECDC
ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ 'ሻምፕዮንስ ኦፍ ቼንጅ' ናይ ለውጢ ሃዋርያ ካብ ዝብል ሽልማት ጀሚሩ ኣብታ ሕጂ ዝነብሩላ ዘለዉ ኣመሪካዊት ካዉንቲ ኣርሊንግቶን ምሉእ ዕድመኦም ንስደተኛታት ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ተዋሂብዎም'ዩ።
ካብ ድምባዛ ክሳብ ቨርጂንያ ዝቐጸለ ጕዕዞ ህይወት ዶ/ር ጸሃየ ተፈራ ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ስደተኛታት ዘጣይሱ ዓሰርተ ዓበይቲ ትካላት ሓደ ዝዀነ ኢትዮጵያን ኮሙኒቲ ዴቨሎፕመንት ካዉንስል [ECDC] መስሪቶም ኣብ ምምራሕ ይርከቡ።
"ኣብቲ ሕዪ ዘለኹዎ ደረጃ ትምህርትን ህይወትን ንኽበጽሕ ግደ ወላድየይ ዕዙዝ'ዩ ነይሩ፡" ብዝብል ናብታ ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ሕርካም እናኽፈሉ ማመልከቻ ዝጽሕፉላ ዝነበሩ ጣብያ ድምባዛ ብዓይነ ሕሊና ወሲዶሙና።
ኣብ ግዜ ጃንሆይ ኣመሓዳሪ ከባቢያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ወላዲኦም ፊትኣውራሪ ተፈራ ኣሉላ ደቆም ተማሂሮም ተመራመርቲ ምእንቲ ክዀንሎም ኣብ መረባኦም ቀሺ ቈጺሮም ከም ዘምሃርዎም ይዝክሩ።
"ኣቦይ ብጠቕላላ 15 ቈልዑ'ዩ ወሊዱ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣቲና ዝተምሃርና ግን ካባይ ንታሕቲ ዝነበርና ኢና። እቶም ሻቡ መጺኦም ዘምህሩና ዝነበሩ ቀሺ፡ ፊደል ምቝጻርን ምንባብን ጥራይ'ዩ ዝነበረ፡" ይብሉ።
እንተዀነ እቶም ኣቕሽሽቲ ንባብ እምበር ከመይ ከም ዝጽሓፍ የምህርዎም ስለ ዘይነበሩ፡ እቲ ናይ ሽዑ ቈልዓ ጸሃየ ንእቶም ቀሺ፡ "ከመይ ከም ዝጽሓፍ ዘይተምህሩና?" ኢሉ ከም ዝሓተቶሙን ንሶም ድማ "ምጽሓፍ እንታይ ክገብረልካ ኰይኑ ዘይ ናይ ጠንቋሎን ደብተራታትን'ዩ፡" ኢሎም ከም ዝመለሱ ንድሕሪት ተመሊሶም ይዝክሩ።

ምንጪ ስእሊ, ECDC
እቲ ፊደል ምቝጻር ጥራይ ዕግበት ዘይሃቦ ሰገን ጸሃየ ካብታ ዝተወለደላ ሃገረሰብ ድምባዛ ናብታ ኣስታት 30 ኪሎሜትሮ ሪሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም ከይዱ ስሩዕ ትምህርቲ ጀሚሩ።
"ወለደይ ኣብ ከተማ ገዛ ስለ ዝነበሮም ኣይተጸገምኩን። ምንባብ ጥራሕ ዘይኰነስ ምጽሓፍ'ውን ለሚደ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ሰባት ብደረት ደፊኢኻኒ፣ መርየት ንዓይ'ዩ ዝግብኣኒን ጥሪትካ ናብ ግራተይ ኣትየናኒ ብዝብሉ ጉዳያት ይካሰሱ ስለ ዝነበሩ፡ ኣነ ሕርካም እናኽፈልኩ ማመልከቻ ይጽሕፈሎም'የ ዝነበርኩ፡" ብዝብል እቲ 'ዘይተወቕረን ኣይጥሕን ዘይተምሃረን ኣየድሕን' ዝብል ምሰላ ሕብረተሰብ ገና ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ከም ዝተሰወጦም ኣጻዊቶሙና።
ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ከተማታት ኣኽሱምን መቐለን ተኸታቲሎም። ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ተኸታቲሎም ብድግሪ ተመሪቖም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንሒደት ዓመታት መምህር ኰይኖም ድሕሪ ምጽናሕ ባችለር ዲግሪ እኹል ኣይኰነን ኢሎም ኣብ 1972 ኣብ ኣመሪካ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ናብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅታዉን ተጸምቢሮም።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅታዉን ናይ ምስተርስ ዲግሪን ፒኤችድን ተማሂሮም ዝወድኡ ዶ/ር ጸሃየ፡ ኣብቲ ዝተምሃርሉ ዩኒቨርስትን ሃዋርድ ዩኒቨርስትን መምህርን ተመራማርን ኰይኖም ሰሪሖም።
"ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ናብ ዓዲ ክምለስ ሓሲበ'ኳ እንተ ነበርኩ፡ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ወዲቑ ደርግ ስልጣን ዝጨበጠሉ ግዜ ስለ ዝነበረ፡ ኣሽንኳይ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ክምለስ ሰብ ናብ ደገ ክወጽእ ዝደልየሉ ግዜ ስለ ዝነበረ ኣብዚ ዕቝባ ሓቲተ ክነብር ወሲነ፡" ይብሉ።
ሓደ ሰብ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ዝስደደሉ ምኽንያታት ይፈላለ'ዩ። ገሊኡ ክመሃር፣ ገሊኡ ናብራኡ ከመሓይሽ ገሊኡ ድማ ኣለሻ ፖለቲካዊ ናጽነት'ዩ።
"ኣነ ቅድሚ ናብዚ ዓዲ [ኣመሪካ] ጠቕሊለ ምምጽአይ ብስራሕ ጉዳይ መጽአ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባ ኣመሪካ እኹል ግንዛበ'ዩ ነይሩኒ፡" ዝበሉ ዶ/ር ጸሃየ ከም ካልኦት ሓበሻ ስደተኛታት ነገር ዓለሙ ጽልምትምት ኢሉዎም ከም ዘይነበረ'ዮም ዘዘንትዉ።

ምንጪ ስእሊ, ECDC
ኣብ ዓዱ መምህር ዝነበረ ናብ ኣመሪካ ምስ ከደ መምህር ክኸውን እዩ ዝደሊ። እቲ ሓኪም'ውን ብተመሳሳሊ ብሞያኡ ሰሪሑ ናብራኡ ክኣሊ ከም ዝኽእል ሓሲቡ'ዩ ዝስደድ። እንተዀነ ስርዓተ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዓድኻ ዝረኸብካዮ ወረቐት ኮነ ናይ ስራሕ ተመኵሮ ስለ ዘይቅበል፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ሞያኦም ሪሒቖም ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሑ ይግደዱ'ዮም።
በዚ ምኽንያት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኮነ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትጽቢቶም ምስ ክዉንነት ስለ ዝዋቕዖም ኣደዳ ጭንቀትን ምስልካይን ክዀኑ ከም ዝግደዱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ስነልቦና ይገልጹ።
ገለ ሰባት ምስ እቲ ሎሚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ኣንጻር ስደተኛታት ዘቕንዐ ተሪር ፖሊሲ ምዕራባውያን መንግስታት ኣተኣሳሲሮም 'ስደትስ ቀደም ደኣ ነይሩ እምበር' ኢሎም ከማርሩ ንሰምዕ ኢና። ቢቢሲ ንዶ/ር ጸሃየ 'ስደት ቀደም ድዩ ዝጥዕም ነይሩ?' ኢሉ ሓቲትዎም ነይሩ።
ቅድሚ 53 ዓመት ምድረ ኣመሪካ ዝረገጹ ዶ/ር ጸሃየ፡ "ኣብቲ ንሕና ዝመጽኣናሉ ግዜ ውሑድ ሰብ'ዩ ዝስደድ ዝነበረ። እዚ ድማ ኣሉታን እወታን ነይርዎ'ዩ። እቲ ጽቡቕ ጐድኑ እቲ ተሰዲዱ ዝመጽእ ሰብ ውሑድ ስለ ዝነበረ ናይ ስራሕ ዕድላት ከም ድሌትካ'ዩ ዝነበረ። ይዅን እምበር ውሑድ ሰብ ስለ ዝነበረ ናይ ሓበሻ ድኳናት ኮነ ኣብያተ ክርስትያናት ብዘይምንባሩ ብናይ ዓዲ ናፍቖት ይሳቐ ነይሩ። ወዲ ዓድኻ ብቐሊሉ ዘይምርካብ ዝወለዶ ብሕታውነት የጋጥም ነይሩ።"
ኣብ 1980ታት ንብሕታውነት ዝተቓልዑ ሰባት ነብሰ ቅትለት ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ጸሃየ፡ ሎሚ ሎሚ ካልእ ይትረፍ ኢንግሊዘኛ ዘይውግዓሎም ከባቢታት ከም ዘለዉ'ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዲሲ እኳ እንተ ወሲድና ቤተክርስትያን በብኸባቢኡ'ሎ። ደቂ ዓድኻ'ውን ኣብ ዝኸድካዮ ትረክብ ኢኻ። ገለ ገሊኡ መንደራት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለኻ ክሳዕ ዝመስለካ መዓት ሓበሻ ኢኻ ትረክብ። እንተዀነ መንግስቲ እዚ ዓዲ ንስደተኛታት ዝጥምት መዓልታዊ ሓደስቲ ፖሊሲታት የውጽእ ስለ ዘሎ ብዙሕ ስደተኛ ራዕዲ ከም ዝኣተዎ'ዮም ዘዘንትዉ።
እቲ እዋናዊ ስደተኛታት ዘርዕድ ዘሎ ኵነታት ግዝያዊ ከም ዝዀነን ሰባት ከከም ኣመጻጽኡ ክብድህዎ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, ECDC
ኣብ 1980ታት ኣመሪካ ገንዘብ ዝሕፈሶ ዓዲ ደኣ ይንበር እምበር፡ ሰባት ካብ መበቈሎም ተፈላልዮም ስለ ዝነብሩን ጸገማቶም ብቐሊሉ ዝርድኣሎሙን ይስእኑ ስለ ዝነበሩን፡ 'ኩስቶ ኣብ ሕክምና ኣትዩ'ሎ፤ እገለ'ውን ተጸጊሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ዩ ዘሎ ጠይቕዎ' እናተባህለ ይንገረና እሞ ኬድና ንሓትት ኢና ዝነበርና።
እቲ መቋረጺ ዘይብሉ ጸገም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ሰባት ብተናጸል ዝፍታሕ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖም ሽግር ስደተኛታት ትካላዊ ብዝዀነ መንገዲ ንምፍታሕ ይሕግዝ'ዩ ዝበልዎ 'ኢትዮጵያን ኮሙኒቲ ዴቨሎፕመንት ካዉንስል' [ECDC] ኣጣይሾም።
ኣብ 1983 (ግሪጎርያዊ ኣቈጻጽራ) ዝተመስረተ ኢሲዲሲ ብቐንዱ ስደተኛታት ዳግማይ ኣብ ምጥያስ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ስደተኛታትን ድማ ከም ድልድል ኰይኑ ዘገልግል ንመኽሰብ ዘይተጣሸ ትካል'ዩ።
ሽም ናይቲ ትካል ብኢትዮጵያ ደኣ ይጸዋዕ እምበር ስደተኛታት ኣፍጋኒስታንን ዩክረይንን ሓዊስካ ስደተኛታት 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝረድእ ካብ ዶ/ር ጸሃየ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ኢሲዲሲ ኣብ 2024 ጥራሕ ንልዕሊ 10,000 ስደተኛታት ከም ዘምጸአ ዝሓበሩ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ዶ/ር ጸሃየ፡ ኣብ 2025 ግን ብሰንኪ ምምሕዳር ትራምፕ ዘውጽኦም ፖሊሲታት ከምቲ ፈለማ ዝሓሰቦ መደብ ከም ዘይፈጸመ ኣረዲኦም።
ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሰባት ንእቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ኣዝማዶም ኮነ ደቂ ዓዶም ብዛዕባ እቲ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሃልክታት ብዝግባእ ስለ ዘይነግርዎም ብዙሓት ኢትዮጵያውን ኮነ ኤርትራውያን ካብ ዓዲ እንተ ወጺኦም ነገራት ኵሉ ለምለም ከም ዝዀነ ገይሮም ክሓስቡ ይገብሮም'ዩ ዝብል ትዕዝብቲ ዘለዎም ዶ/ር ጸሃየ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ ኣሽሓት መንእሰያት ብየመንን ሊብያን ኣቢሎም ሕማቕ ስደት ይስደዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ኣብ ኣመሪካ'ውን እንተዀነ እቲ ሓድሽ ናይ ትራምፕ ምምሕዳር በብግዜኡ ዘውጽኦም ዘሎ ፖሊስታት ንስደተኛታት ናብ ራዕዲ የእትዎም ከም ዘሎ ዝገለጹ ዶ/ር፡ "ግሪን ካርድ ሃሊይዎም ዜግነት ዝጽበዩ ሰባት 'ነቲ ግሪን ካርድ ብኸመይ ከም ዝረኸብኩሞ ክነጻርዮ ኢና፣ ንእሽቶ ናይ ትራፊክ ጌጋ ዝተረኸቦም ሰብ ግሪን ካርድ እንከይተረፈ ናብ ዓዶም ዲፖርት ክግበሩ ንርኢ ኣለና።

ምንጪ ስእሊ, ECDC
"ዕቝባ ሓቲቶም ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባት'ውን 'ኣብ ናይ መን ግዜ ዝኣተኹም ኢኹም? ወረቐት ዝረኸብክምሉ ኵነታት ክነጻርዮ ኢና' እናበሉ ሰባት የንከላብቱ ስለ ዘለዉ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ስደት ዝምከር ኣይኰነን።
"እዚ ኢልና ክነዋግዕ እንከለና ብዙሓት ሰባት 'ንስኻ ደኣ ኣብኡ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ኢሎም ዝሓቱና ሰባት ኣለዉ። ይዅን እምበር ንሕና ዝተሰደድናሉ ግዜን ሎምን በበይኑ'ዩ። ቀደም ምዕራባውያን መንግስታት ካብ ኣፍሪቃ ብዕሊ ስደተኛታት ይቐበሉ ነይሮም። ሎሚ ሎሚ ግን እቲ በሪ እናተዓጸወ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ፡" ድሕሪ ምባል ሰባት ስደት ክሓስቡ እንከለዉ ደጋጊሞም ክሓስብሉ ከም ዘለዎም ይምዕዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ የመን ክሰግሩ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኢትዮጵያውያን ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ከም ሓላፊ ኢሲዲሲ ንግዳያትን ስድራን ጽንዓት ተመንዮም።
ብዶ/ር ጸሃየ ዝምራሕ ኢሲዲሲ ንስደተኛታት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ጽፈት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ዝነጥፍ ኰይኑ፡ ዛጊት ሓደ ሚልዮንን ሓሙሽተ ምኢቲ ሽሕን መጽሓፍቲ ከም ዝረድአ መረዳእታ እቲ ትካል ይሕብር።
ኣብ ትውልዲ ዓዶም ድምባዛ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣኽሱም ደረጃኡ ዝሓለወ ቤተመጽሓፍቲ ዘስርሑ ዶ/ር ጸሃየ፡ ኣብ ትግራይ በቲ ዝሓለፈ ኵናት ንዝተጐድኡ ኣብያተ ትምህርቲ ማይ ቅነ ጣል፡ ጎልጎሎን ላኼናይን ዳግማይ ኣሐዲሶም ናብ ኣጎልግሎት ከም ዘብቅዑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
100 ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዘኽእሎ ስምምዕ ምስ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ከም ዝተፈራረሙ ዝሓበሩ ዶ/ር ጸሃየ፡ 'ዋላ'ኳ ልዕሊ 50 ዓመት ኣመሪካ እንተ ተቐመጥኩ መንፈሰይ ኵሉሻዕ ኣብ ዓደይ'ዩ፡" ክብሉ ተዛሪቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







