እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ ፈላማይ ፈተነ ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ብባሕሪ ተሳሊጡ
ናብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተበገሰት ፈለማይቲ መርከብ፡ ዝጽዓነቶ ረድኤት ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣራጊፋ።
ስጳኛዊት መርከብ ኦፐን ኣርምስ ትማሊ ሰሉስ ካብ ቆጵሮስ ተበጊሳ ናብታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ከምዘላ ዝተገለጸት ቓዛ 200 ቶን ኣድላይ መግቢ ሒዛ ተበጊሳ።
እቲ ተግባር ብኣየርን መሬትን ዝግበር ምብጻሕ ረድኤት ኣጸጋሚ ምዃኑ ምስተረጋገጸ፡ ብባሕሪ ዝግበር ምብጻሕ ውጽኢታዊ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ፈተነ ምጅማሩ ዘመልክት እዩ።
ነቲ መግቢ ዘቕረበት ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ; ዎርልድ ሴንትራል ኪችን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር ነቲ ተልእኾ ዝፈጸመት ኮይና ዝራገፈቶ ዓይነት ረድኤት ሩዝ፡ ሓርጭ፡ ቆርቆሮ ኣሕምልትን ቆርቆሮ ፕሮቲንን ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ቓዛ ዝሰርሕ ወደብ ስለዘይብላ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ዝምንጩ ጀቲ ብጋንታ ዎርልድ ሴንትራል ኪችን ተሃኒጹ። እቲ መግቢ ኣብ ጋዛ ብኸመይ ከምዝዕደል ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
መስራቲ ዎርልድ ሴንትራል ኪችን ዝኾነ ፍሉጥ ሼፍ ጆሴ ኣንድሬስ ኩሉ እቲ ካብታ ባርጅ ዝወጸ ሓገዝ መግቢ ኣብ 12 መካይን ከምዝተጻዕነ ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እታ መርከብን ጽዕነታታን ኣብ ቆጵሮስ ከምዝተፈተሸን፡ ነቲ ገማግም ባሕሪ ንምውሓስ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ከምዝተዋፈረን ገሊጻ።
ጋንታታት ነቲ ሓገዝ ናብ መሬት ንምብጻሕ ምሉእ ለይቲ ሰሪሐን። እታ መርከብ ብሰሉስ ካብ ወደብ ላርናካ ካብ እትብገስ ንደሓር ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ዕማም እዩ።
እዚ ናይ ባሕሪ ተልእኾ ዕዉት ተባሂሉ እንተተገምጊሙ፡ ካልኦት መራኽብ ረድኤት ከም ኣካል ናይቲ ናብ ጋዛ ዝያዳ ሓገዝ ንምእታው ዝግበር ኣህጉራዊ ጻዕሪ ክስዕብኦ ተኽእሎ ኣሎ።
እተን መራኽብ ብቐጥታ ናብቲ ዞባ ንምኻድ ሓድሽ ዝተኸፍተ መስመር ባሕሪ ክጥቀማ እየን።
ኣሜሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ ገዛእ ርእሳ ተንሳፋፊ ወደብ ክትሃንጽ መደብ ኣውጺኣ ኣላ፡ እዚ ድማ ብባሕሪ ንዝግበር ምብጻሕ ረድኤት ንምዕባይ እዩ።
ዋይት ሃውስ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሚልዮን መግቢ ናብ ቓዛ ክኣቱ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ክውንነት እቲ ውጥን ግን ሕቶታት ይለዓሉ’ዮም።
ወተሃደራዊ ስርሒታትን ምብትታን ማሕበራዊ ስርዓትን ኣብ ምክፍፋል ሓገዝ ዓብይ ዕንቅፋት ዝፈጠረ ኮይኑ ምህርቲ መግቢ ጋዛ ድማ ኣዝዩ ተሃስዩ; ሕርሻታት፡ እንዳ ዳቦን ፋብሪካታትን ድማ ዓንዮም።
ናብ ጋዛ ረድኤት ንምብጻሕ ዝቐልጠፈን ኣድማዒን መንገዲ ብጽርግያ'ኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ እገዳታት እስራኤል ክፋል ናይቲ ዘድሊ ምእታው ከም ማለት ከምዝኾነ ትካላት ረድኤት ገሊጾም።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መደብራቱ ኣብ ትሕቲ ቶኽስን መዝመትን ድሕሪ ምእታዎም፡ ብመሬት ኣቢሉ ዘካይዶ ዝነበረ ቀረብ ረድኤት ንግዜኡ ደው ከብሎ ተገዲዱ።
ከምኡ’ውን ዝሓለፈ ሰሙን ብኣየር ኣቢልካ ዝተፈተነ ቀረብ ረድኤት ብሰንኪ ፓራሹት ምፍሻሉ ሓሙሽተ ሰባት ስለዝሞቱ ተቛሪጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ህጹጽ ስጉምቲ ስለዘይተወሰደ ጥሜት "ዳርጋ ዘይተርፍ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ድማ እስራኤል "ሰብ ዝሰርሖ" ሓደጋ ፈጢራ ንጥሜት ከም ኣጽዋር ኲናት ትጥቀመሉ ከምዘላ ከሲሱ።
እስራኤል ኣብ ደቡብ ብኽልተ መሳገሪታት ሓገዝ ትፈቅድ ብምህላዋ ንሕጽረት መግቢ ቓዛ ተሓታቲት ከምዘይኮነት ብምግላጽ ነቲ ዝቐርበላ ዘሎ ክሲ ብትሪ ነጺጋቶ።
እስራኤል ትካላት ረድኤት ሎጂስቲካዊ ውድቀት ከምዘጋጠሞም’ያ ትገልጽ።
ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ንምባል ዝካየድ ዘሎ ድርድር ትማሊ ዓርቢ ቀጺሉ ዝወዓለ ኮይኑ፡ እስራኤል ነቲ ብሓማስ ድሒሩ ዝቐረበ እማመ ደው ምባል ተኹሲ ነጺጋቶ።
ሓማስ ንኣሸማገልቲ ናይ ዕርቂ ዝወሰድ ኩለመዳያዊ ሓሳብ ከምዝሃበ እኳ እንተገለጸ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ግን ነዚ "ዘይክውንነታዊ" ክብል ገሊጽዎ።