እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ 'መን'ዩ ባባ ክብለኒ?'፡ ንብዓት 103 ኣባላት ስድራ ዝተቐዝፈ ኣቦ
ኣሕመድ ኣል-ጉፈሪ እታ ንስድርኡ ዘጥፍአት ቦምባ ኣይረኸበቶን።
ኣብ ከተማ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ መንበሪ ገዛኦም ተኣኪቦም ዝነበሩ 103 ኣዝማዱ ክቕተሉ እንከለው፡ ንሱ 80 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብቲ ዝተጐበጠት ምዕራባዊ ገማግም ከተማ ያሪኮ ነይሩ።
ኣሕመድ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈተሉ እዋን፡ ኣብ ተልኣቪቭ ስርሓት ህንጻ ይሰርሕ ነይሩ።
ብሰንኪ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝመጽአ ኲናትን ወተሃደራዊ ዕጽዋ እስራኤልን ግን ናብ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ንኣሽቱ ደቁን ክምለስ ኣይከኣለን።
መዓልታዊ መስመር ተሌፎን ኣብ ዝፍቀዶ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ተሌፎን ደዊሉ ይረኽበን፤ ምሸት 8 ታሕሳስ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ክፍጸም እንከሎ ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሽሪን ብተሌፎን የውግዕ ነይሩ።
"ክትመውት ምዃና ተረዲእዋ ነይሩ። ንዝዀነ ዝገበረቶ ሕማቕ ይቕረ ክብላ ነጊራትኒ። ከምኡ ምባል ከም ዘየድሊ ነጊረያ። ኣብ መንጐና ዝነበረ ናይ መወዳእታ ዕላል ተሌፎን ድማ ንሱ'ዩ ነይሩ።"
እዚ ዓቢይ መጥቃዕቲ ቦምባ ክፍጸም እንከሎ፡ ኵሎም ኣባላት ስድራኡ ምሸት ኣብ ገዛ ኣኮኡ ነይሮም፤ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ንኣሽቱ ደቁን - ታላ፡ ላናን ናጅላን ተቐቲለን።
ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ንኣደ ኣሕመድ፡ ኣርባዕተ ኣሕዋቱን ስድራቤቶምን፡ ከምኡ’ውን ዓሰርተታት ኣኮታቱን ደቂ ሓውቦኡን ቀቲሉ።
ብድምር ልዕሊ 100 ኣዝማዱ ሞይቶም።
ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ወርሒ፡ ገለ ሬሳታት ገና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ኣባይቲ ተደብዩ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ በዓል ልደት ናይታ ንእሽቶ ጓሉ ነይሩ፤ ናጅላ ብህይወት እንተትህሉ ነይራ ክልተ ዓመት ምመልአት።
ኣሕመድ ሕጂ'ውን ሓዘኑ ክድብስ ይቃለስ'ዩ ዘሎ።
ሬሳ ደቁ ክርኢ ወይ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሮም ክርከብ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዘይብሉ ግን ድማ ብንብዓት ዝተውሓጠ ገጹ ኰይኑ፡ ሕጂ'ውን ብህሉው ግዜ ይዛረበለን።
"ደቀይ ንዓይ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ እየን" ይብል።
"ክሳብ ሕጂ ነቲ ዘጋጠመና ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። ኣብ ሕልሚ ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ"።
ስእሊ ደቁ እናርኣየ ምእንቲ ከይሰናበድ፡ ኣብ ገጽ ተሌፎንን ላፕቶፑን ዝነበረ ስእለን ኣልዩዎ ኣሎ።
ሕጂ፡ ካብ ውሑዳት ብህይወት ዝተረፉ ኣዝማዱን ጐረባብቱን ዝረኸቦም ዛንታታት እቲ ክስተት ጥራይ'ዩ ሒዙ ተሪፉ።
መጀመርያ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ስድራኡ ሚሳይል ከም ዝሃረመ ነገርዎ።
"ተሃዊዀም ወጺኦም ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ እንዳ ኣኮይ ከይዶም። ድሕሪ 15 ደቓይቕ ነፋሪት ውግእ ነቲ ገዛ ሃሪማቶ።"
እቲ ስድራቤት ኣሕመድ ዝተቐትለሉ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ገዛ፡ ካብ ማእከል ሕክምና ሳሃባ፡ ኣብ ኵርናዕ ዘይቶን ዝበሃል ከተማ ቓዛ ዝዓረፈ'ዩ ነይሩ።
ሕጂ ሃደሽደሽ ኢሉ ናብ ዝፈረሰ ኮንክሪት ተቐይሩ ኣሎ። ኣብ ዝባን እቲ ፍርስራስ ድማ፡ ቀጠልያ ፕላስቲክ ኩባያ፡ ሓመድ ዝመልኦ ቍርጽራጽ ክዳውንቲ ይርኣዩ።
ዝተጨፋለቐ ፍሬም ናይ ሓንቲ ብሩራዊ ዝሕብራ መኪና፡ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ትሕቲ ኣካውሕ እቲ ኮንክሪት ትርኣይ።
ሓደ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣዝማድ ኣሕመድ ዝዀነ ሓሚድ ኣልጉፈሪ፡ እቲ መጥቃዕቲታት ምስ ተጀመረ፡ እቶም ናብቲ ጐቦ ዝሃደሙ ከም ዝደሓኑ፡ እቶም ኣብቲ ገዛ ዝተዓቑቡ ድማ ከም ዝተቐትሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ዘየቋርጽ ነበልባል'ዩ ነይሩ፤ ኣብተን ኣብ ጐኒ ገዛና ዝነበራ ኣርባዕተ ገዛውቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቓይቕ ንሓደ ገዛ ይሃርሙ ነይሮም።"
"ካብ ስድራቤት ጉፈሪ 110 ሰባት ኣብኡ ነይሮም - ደቅናን ኣዝማድናን። ብዘይካ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ኵሎም ተቐቲሎም።"
ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ እታ ቦኽሪ ግዳይ ጓል 98 ዓመት ዓባዮም እያ ነይራ፤ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ድማ ቅድሚ ትሽዓተ መዓልቲ ጥራይ ዝተወልደ ህጻን ነይሩ።
ካልእ ዘመድ፡ ኣሕማድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ ሓውቦኡ፡ ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ክልተ ዓበይቲ ነትጒቲ ከብርህ እንከሎ፤
"ቅድመ መጠንቀቕታ ኣይነበረን። [ገለ] ሰባት ድሮ ካብዚ ከባቢ እንተዘይወጽኡ ነይሮም፡ ኣማኢት ምተቐትሉ። ሕጂ እቲ ከባቢ ፍጹም ዝተፈልየ'ዩ። መዕረፊ መካይን፡ መኽዘን ማይ፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ገዛውቲን ሓደ ዓቢይ ገዛን ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ንሓደ ምሉእ መንበሪ ከባቢ'ዩ ኣጥፊእዎ" ኢሉ።
ሓሚድ፡ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባት፡ ነቲ ሬሳታት ካብቲ ፍርስራስ ንምውጻእ ላሕ ይብሉ ነይሮም።
"ነፈርቲ ኣብ ሰማይ የዘንብያ ነይረን፤ ኣስክሬናት ከነውጽእ ኣብ እንፍትነሉ ሰዓት ድማ፡ ኳድኮፕተራት ይትኩሳና ነይረን" ይብል እቲ ወዲ ሓውቦ ኣሕመድ።
ኡም ኣሕመድ ኣልጉፈሪ፡ "ኣብቲ ገዛ ኮፍ ኢልና ስለ ዝነበርና፡ ንነብስና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ረኺብናዮ። ካብ ሓደ ጸግዒ ናብ ካልእ ይንከላበት ነይረ። ብኸመይ ከም ዘውጽኡኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ሞት ኢና ርኢና" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ድሕሪ ክልተ ወርሕን ፈረቓን ገና ንገለ ካብቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ዘለዉ ሬሳታት ከውጽኡ ይጽዕሩ ኣለዉ።
እቲ ኵዕታ ብመሳርሒ ዝተሓገዘ ንክኸውን ድማ እታ ስድራ ገንዘብ ኣተኣኻኺባ ኣላ።
"ኣርባዕተ ሬሳታት ኣውጺእና [ሎሚ]፤ በዓልቲ ቤት ሓወይን ቁርጽራጽ ሰብነቱ ዝተረኽበ ወዲ ሓወይ መሓመድን። ን75 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተደብዮም ጸኒሖም" ይብል።
ግዝያዊ መቓብር እዛ ስድራ ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ ባዶ መሬት ተገይሩ ኣሎ።
ኣሕመድ ኣብ ያሪኮ ስለ ዝተዓጽወ ክሳብ ሕጂ ክበጽሖም ኣይክኣለን።
"ኣደይ፡ በዓልቲ ቤተይ፡ ደቀይን ኣሕዋተይን ክሕረም እንታይ'የ ገይረ?" ክብል ይሓትት።
"ኵሎም ሲቪላት እዮም ነይሮም"።
ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣየር ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ምስ ሓማስ ኣብ ዝገበሮ ኲናት "ሲቪላዊ ጉድኣት ንምቅላል ዝከኣል ጥንቃቐታት" ከም ዝወሰደን ገሊጹ።
ስድራቤት ኣሕመድ ቅድሚ ምቕታሎምን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ኣብቲ ካብ እንዳ ኣልጉፈሪ ንደቡብ ሒደት ብሎኮታት ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሸጃይያ ኣብ መንጐ ሓይልታት እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ጽዑቕ ውግእ ነይሩ'ዩ።
እቲ ሰራዊት ብ9 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሸጃይያ ናብ ወተሃደራት ዝቐርቡ ዝነበሩ "ጸረ ታንክ ሚሳይላት ዝዓጠቑ ብርክት ዝበሉ ኣሸበርቲ ኣለልዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊኦም ብሄሊኮፕተር መጥቃዕቲ ክካየድ ጸዊዑ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ክሊ እቲ ብኣጋር ዝካየድ ዝነበረ ውግእ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንኣሸበርቲ ዒላማ ከም ዝገበራ ገሊጹ እዩ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ገዛ ስድራ ኣሕመድ ዝነበረሉ ከባቢ ዘይቶን፡ ቀንዲ ትዅረት ሓድሽ ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ያሪኮ ዝርከብ ኣሕመድ ሓሓሊፉ ኣብ ቓዛ ናብ ዝርከቡ ውጻእ መዓት ኣዝማዱ ተሌፎን ይድውል እዩ።
ድሕሪ እዚ ዅሉ ግን፡ ናብ ቓዛ ክምለስ ድዩ ዝብል ርግጸኛ ኣይኰነን።
"ኣብ ቓዛ ዝነበሩኒ ሕልምታተይ ኵሎም ተሓምሺሾም'ዮም። ንመን ኢለ ክምለስ? መን እዩ ባባ ኢሉ ክጽውዓኒ? መን እዩ ፍቕረይ ክብለኒ? በዓልቲ ቤተይ፡ ምሉእ ህይወተይ ኢኻ ትብለኒ ነይራ። ሕጂ መን እዩ ከምኡ ክብለኒ?"