እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ቓዛ፡ 'ኔታንያሁ ንምትካእ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ'- ሴኔተር ሹመር
ኣብ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንምትካእ ምርጫ ክካየድ መራሒ ሰኔት ኣመሪካ ቻክ ሹመር ጸዊዑ።
ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኣመሪካ ዝለዓለ ደረጃ ስልጣን ዘለዎ ኣይሁዳዊ ሹመር፡ ኔታንያሁ መገዱ ጠፊኡዎ’ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ መራሕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝኽተሎ መገዲ ዝምልከት ብቐጥታ ካብ ምንቃፍ ተቖጢቦም’ዮም።
ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ንእስራኤል ዝደገፈ ሹመር፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝወረድ ዘሎ ጉድኣት ንእስራኤል “ፍንፍንቲ” ክገብራ ዝኽእል ሓደጋ ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ።
ንሱ ትማሊ ኣብ ሰኔት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኣብ ልዕሊ መራሒ እስራኤል ተሪር ነቐፌታ ዘቕረበ ኰይኑ “ፖለቲካዊ ህላወኡ ልዕሊ ረብሓ እስራኤል ከቐድም” ዝፈቐደ መራሒ’ዩ ኢሉ።
እስራኤል፡ "መአረምታታት" ክትገብርን ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ብዝበለጸ ንምክልኻል ስጉምትታት ክትወስድን ከም ዘለዋ’ውን ገሊጹ።
መራሕቲ እስራኤል ነቲ ሴኔተር ዝነቐፉ ኰይኖም፡ ኔታንያሁ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኲድ እስራኤል “ሪፐብሊክ ባናና" ኣይኰነትን ብምባል ፖሊሲታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ብብዝሒ ድምጺ ዝድገፍ" ምዃኑ ገሊጹ።
“ሴኔተር ሹመር ነቲ ዝተመርጸ መንግስቲ እስራኤል ከኽብሮ እምበር ከዳኽሞ ትጽቢት ኣይግበርን” ክብል እቲ ሰልፊ ገሊጹ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ዋሽንግተን ማይክል ሄርዞግ እውን “ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ዴሞክራሲያዊት መሓዛ ርኢይቶ ምሃብ ሓጋዚ ኣይኰነን” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እዚ ካብ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣመሪካ ዝተዋህበ ርኢይቶ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዋይት ሃውስ ዝቐርበ ዘሎ ነቐፌታታት ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝርከብዎም መራሕቲ ክልቲኡ ሰልፊታት ዋሽንግተን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኔታንያሁ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም ልዕሊ 250 ድማ ጅሆ ምስ ወሰዱ ዝጀመረ ጐንጺ ዝኣለየሉ መገዲ ካብ ምንቃፍ ተቖጢቦም ጸኒሖም’ዮም።
ኣመሪካ ናይ ቀረባ መሓዛ እስራኤልን ዝዓበየት ወሃቢት ወተሃደራዊ ሓገዝን ኰይና ክትቅጽል እንከላ፡ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ባይደንን ኣብ ገለ ኣባላት ናይ ገዛእ ርእሱ ሰልፍን ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘለዎም ስክፍታታት እናወሰኸ መጺኡ።
ካብዚ ብዝበገስ፡ ዳግማይ ንዋይት ሃውስ ዝወዳደር ዘሎ ባይደን፡ ኣብዚ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ውን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከጋጥሞ ተራእዩ ኣሎ።
ጥምረት ዓረብ-ኣመሪካ መረጽቲ ኣብ መስርሕ መባእታዊ ምርጫ ዴሞክራት ዕዉት ናይ ተቓውሞ ጻዕርታት ገይሮም’ዮም፤ እዚ ድማ ምልክት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዴሞክራት ብዛዕባ ኵነታት ቓዛ ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ ዘስዓቦ ተቓውሞ’ዩ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ግን ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም መንግስታት ግልጺ ኣፈላላይ ክቕልቀል ጀሚሩ፤ ባይደን እስራኤል ናብ ከተማ ራፋ ወራር ከይተስፍሕ ብምጥንቃቕ “ቀይሕ መስመር” እዩ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ነቲ እስራኤል ኣብቲ ግዝኣት ዝሃበቶ ምላሽ'ውን “ዝተጋነነ” እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ባይደን፡ እስራኤል "ዝዀነ መመኽነይታ" ከየቕረበት ናብ ቓዛ ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ንከተፍቅድ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ’ዩ።
እንተዀነ፡ ዋይት ሃውስ ካብቲ ሹመር ትማሊ ዝሃቦ ርኢይቶ ንነብሱ ኣርሒቑ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ጆን ኪርቢ፡ እቲ መራሒ ሰኔት ርእይቶ ናይ ምሃብ መሰል’ኳ እንተሃለዎ፡ ሰበስልጣን ምምሕዳር ግን ኣብ ምክልኻል እስራኤል ምስራሕ ትኹረት ከም ዝገበሩ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ልዕሊ 30 ሽሕ ፍልስጤማውያን - መብዛሕትኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን - ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ብሰንኪ ደብዳባት ነፈርቲ እስራኤል ብፍርስራስ ህንጻታት ተጸቒጦም ብምህላዎም ቁጽሪ መወትቲ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ 30 ሽሕ ዝብል ኣሃዝ ክቕበሎ ከም ዘይክእል ተዛሪቡ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ 13 ሽሕ ተዋጋእቲ ሓማስ ከም ዝቐተለ ብምግላጽ፡ ሞት ሲቪላትን ሞት ዕጡቓትን ካብ 1 ክሳብ 1.5 ጉዚ ዝዀነ ይግመት ኢሉ።
ሹመር ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ “ከም ዴሞክራስያዊት ሃገር እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሳ መራሕቲ ክትመርጽ መሰል ኣለዋ፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን እስራኤላውያን ምርጫ ክወሃቦም ምኽኣሉ’ዩ፤ ብዛዕባ መጻኢ እስራኤል ሓድሽ ክትዕ ክካየድ ኣለዎ። ብናተይ ኣረኣእያ፡ እቲ ዝበለጸ ምርጫ ምክያድ'ዩ ዝብል’ዩ” ኢሉ።
ቀጻሊ መረጻ እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2026’ዩ ክካየድ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ ኣብ ሞንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝግበር ዝርርብ ሰላም ንኽስጉም እቲ ኣብ ዝተጎብጠ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከብ ፕረዚደንት በዓል መዚ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ እውን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ኢሉ።
እቲ ወዲ 88 ዓመት መራሒ ፍልስጤም፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጐንጺ ብዙሕ ከም ዘይተራእየን፡ መንግስቱ ድማ ካብ 2006 ጀሚሩ ምርጫ ከም ዘየካየደን ይፍለጥ።
ምምሕዳሩ ጽገናታት ክገብር ካብ ኣመሪካ ጸቕጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ዓባስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣማኻሪኡ ንዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ሸይሙ’ዩ።
ንሱ፡ "ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ዲሞክራሲ ልዕሊ ዓቐን ንፋስ ዝእትዉ ኣሜሪካውያን፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መራሒ እስራኤል ክእለ ምጽዋዖም ምስሉይነት'ዩ" ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ገለ ዳህሳሳት መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ ኲናት ከም ዝድግፉ እኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተዘርግሐ ሓደ መጽናዕቲ ግን 15% ካብ መረጽቲ ኔታንያሁ እቲ ግጭት ምስ ተወድአ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከም ዝደልዩ ይሕብር።