ቻይና፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ደቀንስትዮ ብዝሒ ህዝባ ይጐድል

ምንጪ ስእሊ, Chen Fuping / Getty Images
ብዝሒ ህዝቢ ቻይና፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ዘጋጠመ ከቢድ ዓጸቦ ንፈለማ እዋን ይንኪ ኣሎ። ስለ ምንታይ? እዚኸ ነቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል?
ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ሃገር፡ ብዝሒ ህዝባ የንቈልቁል ኣሎ።
ቻይና፡ ልዕሊ 16 ሚእታዊት ብዝሒ ዓለም ትሕዝ። ኣብ ውሽጢ 40 ዓመት ብዝሒ ህዝቢ እዛ ሃገር ካብ 660 ሚሊዮን ናብ 1.4 ቢሊዮን እኳ እንተዓበየ፡ ኣብዚ ዓመት ንፈለማ እዋን ምጉዳል ኣርእዩ።
ኣብ ቻይና፡ እቲ ዝዓበየ ዓጸቦ ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ 1959 ክሳብ 1961 [ኣ.ኤ] ተኸሲቱ ዝነበረ’ዩ።
ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ቻይና ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2021፡ ብዝሒ ህዝባ ካብ 1.41212 ቢሊዮን ናብ 1.41260 ጥራይ እዩ ዓብዩ።
እዚ፡ ናይ 480 ሽሕ ወሰኽ ጥራይ ዘርኣየ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣዝዩ ዝተሓተ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ኰይኑ’ዩ ተመዝጊቡ።
ኣብታ ሃገር፡ ቈልዓ ንምውላድ ዘሎ እብያን እገዳታት ኮሮናቫይረስን ነቲ ንዓመታት ምጉዳል እናርኣየ ዝመጽአ ምንካይ ወሊድ ጽልዋ ኣሕዲሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ብ1980ታት፡ መጠን ወሊድ ቻይና [ካብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ] 2.6 ነይሩ፤ መጠን ሞት ድማ 2.1።
ካብ 1994 ንደሓር ግን፡ ካብ 1.6 ክሳብ 1.7 ኰይኑ ጸኒሑ፤ ኣብ 2021 ግን ናብ 1.15 ወሪዱ።
እዚ ኣብ ኣውስትራሊያን ኣሜሪካን 1.6 ኰይኑ፡ ኣብ ጃፓን 1.3 ኣሎ።
ደቂ ኣንስትዮ ቻይና ቈልዓ ንምውላድ ዝኣብያሉ ዘለዋ ምኽንያት ዝምልከት ዝተፈላለየ ግምታት ይወሃቦ'ዩ። እቲ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ እቲ ህዝቢ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ስድራቤት ተላሚዱ ምጽንሑ’ዩ።
ምኽባር ዋጋታት፡ ንገሊኦም ቈልዓ ንዘይምውላድ ምኽንያት ክዀኖም እንከሎ፣ ወሊድ ክደናጐን ድሕሪ ግዜ ድማ እቲ ድልየት ክቕህም ዝገብር ጉዳይ ዕድመ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ቻይና ውሑዳት ቈልዓ ክወልዳ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ እየን ዘለውኣ።
ቻይና፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ፖሊሲ ሓደ ቘልዓ ክትክተል ብምጽንሓ፡ ብዙሓት መጻምዲ ወዲ ክወልዱ እዮም ዝመርጹ ነይሮም።
እዚ ድማ፡ መጠን ብጽሒት ሓደስቲ ውሉዳት [ኣብ ካልእ ዓለም'ውን ዝርአ]100 ደቂ ተባዕትዮ፡ ን106 ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብዚ እዋን ናብ 120 ኣብ ገሊኡ ዞባታት ድማ ናብ 130 ደቂ ተባዕትዮ ን100 ደቀንስትዮ ዓብዩ።
ቻይና፡ ድሕሪ ዓጸቦ ብዝተኸተለቶ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሒ ህዝባ ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት ብ0.34 ጥራይ እዩ ዓብዩ።
ጉጅለ ማሕበራዊ ሳይንስ ኣካዳሚ ሻንጋይ፡ ድሕሪ 2021 ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ብማእከላይ ገምጋም ብ1.1 ሚእታዊት ክጐድል ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ኣብ 2100 ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ናብ 587 ሚሊዮን ከውርዶ ከም ዝኽእል ይእምት።
ናይዚ ምኽንያት፡ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ መጠን ወሊድ ካብ 1.15 ናብ 1.1 ክወርድ ምዃኑን እዚ ድማ ክሳብ 2100 ዝቕጽል ከም ዝዀነን እዩ።
እዚ ቕልጡፍ ምጉዳል ብዝሒ ህዝቢ ክኣ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢይ ጽልዋ ከሕድር እዩ።
እቲ፡ ኣብ 2014 ወሰኽ ኣርእዩ ዝነበረ ብዝሒ ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብ ኣብ 2100 ብትሕቲ 13 ሚእታዊት ክንኪ ምዃኑ ምሁራት ይእምቱ።
ኣብታ ሃገር፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዀኑ ሰባት ንዝነውሐ ግዜ ክውስኽ እዩ ዝብል ግምት’ውን ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ነፍሲ ወከፍ ን20 ኣረጋውያን ክሕግዝ ዝኽእል 100 ኣፍራዪ ሓይሊ ኣሎ፤ ኣብ 2100 ግን 100 ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ን120 ኣረጋውያን ቻይና ዝጥውር ክኸውን እዩ።
እዚ ሓይሊ ሰብ ዓመታዊ፡ ብገምግማ 1.73 ሚእታዊት ምጕዳል ዘርኢ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣፍራይነት ብቕልጡፍ ክዓቢ እንተዘይክኢሉ ትሑት ቁጠባዊ ዕብየት ክርአ ምኽንያት ክኸውን እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዋጋ ሰራሕተኛታት ፋብሪካታት ክልተ ዕጽፊ ካብ ኣብ ቬትናም ዘሎ እዩ።
ብተመሳሳሊ፡ ቻይና ነቲ ዝውስኽ ዘሎ ቑጽሪ ኣረጋውያን ተበጻሒ ንምግባር እቲ ዝበዝሕ መፍረያይ ሓይላ ናብ ጥዕናን ኣገልግሎት ኣረጋውያንን ከተውዕሎ ክትግደድ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







