ኤርትራ፡ ዋዕላ ጸባን ውጽኢቱን ኣብ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, MoI
ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ክኢላታትን ዝሳተፍዎ "ዋዕላ ልምዓት ጸባን ውጽኢቱን" ይካየድ ኣሎ።
እቲ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኸፈተ ዋዕላ፡ ንጸባን ውጽኢቱን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ሚኒስተር ሕርሻ ኤርትራ ገሊጹ።
ሚኒስተር ኣረፋይነ በርሀ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ክሳዕ ሕጂ ንህዝብና ውሕስነት ጸባን ውጽኢቱን ከነረጋግጸሉ ኣይከኣልናን። በዚ ምኽንያት ኢና ኸኣ ነዚ ዋዕላ ክንውደብ ዝተበገስና" ንኣገዳስነት እቲ ኣኼባ ገሊጹ።
"ወሰኽ-ክብሪ ጸባ፡ ዓንዲ ሕቖ ምዕባለ ናይዚ ዓውዲ ምዃኑ ናይ ሓባር ግንዛበ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ . . .ካብዞም ካብ ደገ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ትካላት ምርምር፡ ትካላት ምፍራይን ምምስራሕን ጸባ፡ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ወዘተ. ንዝቕጽል ጉዕዞና ኣብዚ መዳይ ብዝሓሸን ዝማዕበለን ኣገባብ ንኽንምርሽ ጭቡጥ ተመኵሮታቶም ከካፍሉና’ዮም።
ዋላ’ኳ መንግስቲ ብዘካይዶም ንኣሽቱ ወፍርታትን ተበግሶታትን ሕርሻ እንስሳ ቀረባት ጸባን ስጋን ከምዝወሰኸ ዝግለጽ እተዀነ፡ ንጠለብን ድሌትን ዘማልእ ከምዘይኰነ’ዩ ዝንገር።
ሚኒስተር ኣረፋይነ ብተወሳኺ፡ "ሓረስቶትናን ሞያውያንናን’ውን ግብራዊ ስልጠና ንኽወስዱ ከም ዝተሓባበሩና ድማ እምንቶና እዩ። ካብዚ ተበጊስና ኸኣ ነቲ ህዝብና ካባና ዝጽበዮ ዘሎ ርቡሕን ብቑዕን ምህርቲ ንዘቤታዊ ሃልክን ክንዮኡን ንምርግጋጽ ዝሓሸን ዝጠጠሐን መገዲ ኣብ ምጽራግ ክሕግዘና እዩ" ኢሉ።
ኣብ ፈለማ'ዚ ወርሒ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ኢጣልያ ምብጻሕ ኣካይዱ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሓደ ውጽኢት ጸባ ዝምስርሓሉ ኣብ ከባቢ ፔሩጂያን ኖርሺያን ዝርከብ ትካል በጺሑ ነይሩ።
መንግስታዊ ኮርፐርሽን ጥሪትን ኣእካልን ካብ 2017 ጀሚሩ ኣስታት 600 'ብራውን ስዊስ' (Brown Swiss)፡ 'ሆልስቴን' (Holstein)፡ ከምኡ'ውን 'ፍለክቬህ' (Fleckvieh) ዝተባህላ ናይ ጸባ ከብቲ ካብ ወጻኢ ብምእታው ከፋሪ ከምዝፈተነ ይፍለጥ።
ኣብ መስከረም 2023 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ "ዋዕላ ዕፉን" ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር። "ሃገራዊ ዋዕላ ድንሽ" ድማ ኣብ መስከረም 2022 ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ, MoI
እታ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ዝዀነት ኤርትራ፡ ካብ ፈለማ ዓመታት ናጽነታ ጀሚራ"ብጽፍርና" ብዝብል መትከል ርእሰ-ምርኮሳ ተመሪሓ ቍጠባዊ ምዕባለን ውሕስነት መግብን ንምርግጋጽ'ያ ተበጊሳ።
እንተዀነ፡ ክሳብ ሎሚ ውሕስነት መግቢ ይዅን ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ልምዓት ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ዝደሓረ ጸብጻብ፡ ብዓይኒ ነዊሕን ጥዕና ዝመልኦ ህይወት፡ ፍልጠትን ደረጃኡ ዝሓለወን መነባብሮ ዜጋታት ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ከምእትስራዕ የብርህ።
“ኣብ 2021 መዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (HDI) ኤርትራ 0.492 ኰይኑ፡ ነታ ሃገር ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ኣስፊርዋ’ሎ- እዚ ማለት ካብ 191 ሃገራትን ግዝኣታትን መበል 176 ትስራዕ” ይብል ጸብጻብ ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP)።

ምንጪ ስእሊ, MoI
እቲ ፈለማ ዝስራዕ ጉዳይ መነባብሮ ዝዀነ ቀረብ መግቢ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ስክፍታን ጸገምን ዝፈጥር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ 2022 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ “ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ” የድልዮ።
ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም” ይብል። ካብኦም እቶም 745,600 ቈልዑ ምዃኖም ድማ ይጠቅስ።
ንኣብነት ካብቶም ኣስታት ርብዒ-ሚልዮን ዝዀኑ ኵነታቶም ዝተራእየ ህጻናት እታ ሃገር፡ ልዕሊ 45 ሽሕ “ብክቱር ሕጽረት መግቢ (acute malnutrition) ክሳቐዩ ከምዝጸንሑን ደገፍ ክግበረሎም ከምዝተወሰነን እቲ ትካል የረድእ።
ኣብታ ናይ “ዕንጋሎ ቍጠባ” እትውንን ኤርትራ፡ ጥምየት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ፤ እንተዀነ ሰብመዚ ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ንጹር ጸብጻባት ኣይህቡን’ዮም።
ንኵነታት ጥምየት ዝዕቅን ‘ግሎባል ሃንገር ኢንደክስ’ ዝተባህለ ትካል፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ደረጃ ጥምየት ሃገራት “ንኤርትራ ብሰንኪ ስእነት ሓበሬታ” ከምዘይጠቐሳ ኣፍሊጡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







