ኤርትራ 'ሃገራዊ ዋዕላ ድንሽ' ተካይድ ኣላ

ተሳተፍቲ ዋዕላ ድንሽ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, shabait.com

ኣብ ኤርትራ "ሃገራዊ ዋዕላ ድንሽ" ይካየድ ከምዘሎ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኣብቲ ሎሚ 21 መስከም ዝጀመረን ንክልተ መዓልታት ዝቕጽልን ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎን ዋዕላ፡ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ከምዝቐርቡ ተገሊጹ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ካብ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ዝመጹ ዝተፈላለዩ ትካላት መጽናዕቲ ሕርሻ ይሳተፉ ከምዘለዉ፡ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ጠቒሱ።

ዕላማ ናይቲ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ተመክሮ ኤርትራ ንካልኦት ንምክፋልን ካብ መሻርኽቲ ተመክሮ ንምውሳድን'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

"እቲ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዝኾነ ዋዕላ፡ ተመክሮ ኤርትራ ኣብ ምፍራይ ዝተመሓየሸ ዘርኢ ድንሽ" ንምክፋል ዝዓለመ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ሓድሽ ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ንምትእትታው ዝሕግዝ ምዃኑ ጠቒሱ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነ በርሀ ነቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተጠቃምነት ድንሽ ኣብ ኤርትራ ብሓሙሻይ ደረጃ ዝስራዕ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ኣብ መወዳእታ ክንበጽሖ እንደሊ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዙሕ ድንሽ ምፍራይን፡ ዓመት ምሉእ ኩሉ ኤርትራዊ ብርትዓዊ ዋጋ ከምዝረኽቦ ምግባርን እዩ" ይብል ሚኒስተር ኣረፋይነ።

ድንሽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድንሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ዝበቁል ሓደ ካብ ቀንዲ ዘራእቲ እታ ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ድንሽ ኣብ ከበሳታትን ቆላታትን ንምፍራይ ፈተነታት ከምዝካየድ ድማ እቲ ሚኒስተር ኣሚቱ'ሎ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ክራማት ኤርትራ ጽቡቕ ሸፈነ ዝናብ ዝተራእየሉ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።