ኤርትራ፡ 'ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን' ኣብ ኣስመራ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK
ኤርትራ፡ ሓያለ ወጻእተኛታትን ወከልቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን ተካይድ ኣላ።
እቲ ርእሰከተማ ኣስመራ ሎሚ ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ "ነዞም ኣእካልን ብልጫታቶምን ብብዙሕ ሸነኻት ንምድህሳስ ዝዓለመ ምዃኑ" ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነ በርሀ ከምዝተዛረበ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እታ ሃገር ንውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ "ሃገራዊ ዋዕላ ድንሽ" ኣካዪዳ ምንባራ ይዝከር።
ዝበዝሐ ህዝቢ ናይታ ንበዳሂ ኩነታት ኣከባቢን ክሊማን ቅልዕቲ ዝኾነት ኤርትራ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝተዋፈረ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።
"ሕርሻ ቀንዲ ምንጪ ቁጠባ ኮይኑ፡ ኣስታት 24 ሚእታዊት ጃምላዊ እቶት ሃገር ይውክል" ይብል ዓለምለኻዊ ማዕከን ሕርሻ ሕቡራት ሃገራት።
ኣብቲ “ሓያል ጻዕሪ ንምርግጋጽ ብቑዕን ውሑስን ቀረብ ዘርኢ ስርናይን ዕፉንን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኸፈተ ኣኼባ፡ "[ን]ህሉው ኲነታትን መጻኢ ኣመታትን ምህርቲ ስርናይን ዕፉንን ኣብ ኤርትራ" ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከምዝቐረበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
"ሚኒስትሪ ሕርሻ ብቑዕን ውሑስን ቀረብ ዘርኢ ስርናይን ዕፉንን ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየዶ ዕቱብ ጻዕሪ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ገሊጹ"።

ምንጪ ስእሊ, MoI
ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፡ ካብ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኪኢላታት፡ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሕርሻዊ ምርምርን፡ ከምኡ'ውን ካብ ኣየርላንድን ህንድን ዝመጹ ክኢላታት ይሳተፉ ኣለዉ።
ኤርትራ ሓንቲ ካብ ድኻታት ዓለም ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝረኸበቶ እቶት ዕደና ውሕስነት መግቢ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ ይንገር።
እታ "ርእሰ-ምርኮሳ" ዝብል ቁጠባዊ መትከል ከምእትኽተል እትገልጽ ኤርትራ፡ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ረዴት ካብ እትሕሰም ዓመታት ኣሕሊፋ'ያ።
ብሰንኪ ሰፊሕ ሸፈነ ዘይነበሮ ድሩት ዝናብ ናይዚ ዓመት'ዚ ክራማት ከምቲ ዝድለ ከምዘይኮነ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







