እስራኤል 'ንኹሉ ስጉምቲ ክወስድ ተገድድ ኣላ' - ፕረዚደንት ኢራን

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ፡ እስራኤል እትወሰዶ ዘላ ስጉምቲ "ቀይሕ መስመራት ሰጊሩ'ሎ፡ እዚ ድማ ኩሉ ሰብ ስጉምቲ ክወስድ ከገድዶ ይኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ራይሲ ብሰንበት ኣብ ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ወሲኹ፡ "ዋሽንግተን ዝኾነ ነገር ከይንገብር ትሓተና፡ እንተኾነ ግን ንእስራኤል ሰፊሕ ደገፍ ትህብ ኣላ። ኣመሪካ ናብ ‘ኣክሲስ ኦፍ ረሲስታንስ’ መልእኽቲ ሰዲዳ፡ ካብ ዓውደ ውግእ ግን ፀብፃባት ትቕበል ኣላ” ኢሉ።

"ኣክሲስ ኦፍ ረዚዝተንስ" [ሕብረት መኸተ]፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ዝሓቖፈ ግጅለ ኮይኑ፡ ሓማስ ኣካል ናይዚ ምትእኽኻብ እዩ።

ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ደው ንምባል ድሌት ስለዘለዎም፡ ኢራን ካብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኢዳ ክትእክብ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩን ብኢራን እውን ዝድገፍን ጉጅለ ሂዝቦላህ ግን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ እስራኤል ተኹሲ ክለዋወጥ ቀንዩ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ወተሃደራቱ ኣብ ቓዛ ንዝካየድዎ ናይ ምድራዊ ወፍሪ ክዳለዉ ዘርኢ ምስልታት ለጢፉ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ትማሊ ቀዳም ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እስራኤል ናብ ካልኣይ መድረኽ ኲናት ምስ ሓማስ ከምዝኣተወትን፡ ወተሃደራትን ኣዘዝትን ናብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ከምዘዋፈረትን ገሊፁ።

"እዚ ነዊሕን ከቢድን ኲናት ክኸውን'ዩ። ግን ክንዕወት ኢና፡ ክንስዕር ኢና" ክብል ተሓንዩ።

"ኢድና ኣይንህብን፡ ክንቃለስ ኢና። ካብ መሬት ይኹን ካብ ሰማይ ቓዛ’ውን ኣይክንስሕብን።"

እቶም ስእልታት ኣብ ወግዓዊ ኣካውንት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ኤክስ (ቀደም ብትዊተር ዝፍለጥ) ተዘርጊሖም።

እቲ ካልአይ ሰሙኑ ዘቑፀረ ጎንፂ ሓማስ-እስራኤል፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቃዛውያን ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዐበ ዀይኑ፡ ውሱን ረድኤት ክኣቱ ከምዝጀመረን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ስልክን ኢንተርኔትን ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎን ፀብፃባት ይሕብሩ።