‘ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ ንሲቲ ቀይሕ ኣምሲሎማ’

ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሜዳ ኦልድትራፎርድ፡ ትማሊ ቀዳም 14 ጥሪ፡ ነተን ክልተ መቐናቕንቲ ጋንታታት ሓደ ከተማ ‘ደርቢ’ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣራኺቡ ኣምስዩ፤ ዩናትድን ሲቲን።

ኣብቲ ናይ ትማሊ ግጥም፡ ሲቲ ክትዕወት ልዑል ግምት እዩ ተዋሂብዋ ነይሩ።

ሲቲ ኣብ ቀዳማይ ርክበን፡ ዩናይትድ ነቲ ካብ ብራይተንን ብሬንትፎርድን ዝወረዳ ስዕረት ገና ከይጸገነት 4 ሸቶታት ኣከታቲላ ብምምዝጋብ ብጠቕላላ 6 ብ 3 ምስዓራ ኣይርሳዕን።

እዛ ብሆላንዳዊ ኤሪክ ተን ሃግ እትምራሕ ማንቸስተር ዩናይትድ ግን፡ ሕጂ ዝተፈልየት ኰይና እያ ትመጽእ ዘላ።

ካብ ግምት ብዙሓት ወጻኢ ድማ ዩናይትድ ንሲቲ 2 ብ 1 ስዒራ፡ እቶም ‘ቀያሕቲ ሰይጣውንቲ’ ማንቸስተራውያን ንሲቲ 'ቀይሕ' ኣምሲሎሞም ውዒሎም።

ዩናይትድ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሜድኣ ንኣርሰናል፡ ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ረቲዓ እያ፤ እዚ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሲቲ ዝተመዝገበ ምቍር ዓወት ግን ነታ ጋንታ ንዝተረፈ ውድድራት ‘ዚ ዓመተ ምንቕቓሕ ዝፈጥር እዩ።

እቶም ‘ሰማያውያን’ ሲቲ ብሰንኪ’ዚ ብዩናይትድ ዝወረዶም ስዕረት፡ ነቲ ምስ መራሒት ኣርሰናል ዝነበረ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ከጽብብዎ ኣይከኣሉን።

ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ፡ ሲቲ ኣቐዲማ፡ በቲ ንፎደ ዝተክአ ግሪሊሽ ሸቶ ከተመዝግብ ክኢላ ነይራ። ጃክ ግሬሊሽ ብኬቨን ደብሮይና ንዝተቘጸትሉ ኵዕሶ ብርእሱ ኣብ ሰኪዐት ኣዕሪፉዋ።

ተጻወትቲ ዩናይትድ ድሕሪ ኣስታት 20 ደቓይቕ እዮም ግብረመልሲ ሂቦም። ሓለቓ ጋንታ ዝነበረ ብሩኖ ፈርናንደዝ፡ ምስቲ ካብ ጸወታ ወጻኢ ዝነበረ ራሽፎርድ ዝተጓየዩላ ኵዕሶ ቀሊዑ ንጋንታኡ ማዕረ ገይሩዋ።

በዛ ሸቶ፡ ተጻወትቲ ሲቲ ተኸራኺሮም’ኳ እንተነበሩ፡ ማእከላይ ዳኛን ሓጋዚኡ መስመር ዳኛን ተመኻኺሮም ግን ኣጽዲቘምዋ። ራሽፎርድ ዋላ’ኳ ካብ ጸወታ ወጻኢ እንተነበረ ነታ ኵዕሶ ስለዘይተንከያ እያ እታ ሸቶ ጸዲቓ። እንተዀነ ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ንተኸላኸልትን ሓላው ልዳትን ሲቲ ኣደናጊሩ እዩ፤ ስለዚ ኣብ ምምዝጋብ እታ ሸቶ ኣበርክቶ ነይርዎ ዝብል’ዩ ንብዙሓት ዘከርኸረ ጉዳይ።

እቲ ኣከራኻሪ ዝነበረ ራሽፎርድ፡ ጸኒሑ ካልኣይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ንዓወት ጋንታኡ ኣራጕዱ።

ራሽፎርድ፡ ምስዛ ናይ ትማሊ ሸቶ ወሲኽካ ኣብ ዝሓለፈ 7 ተኸታተልቲ ጸወታታት 8 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ፡ ኣብ ጽቡቕ ቍመና ዝርከብ ኣጥቃዒ ኰይኑ’ሎ።

እታ ሎሚ ኣንጻር ቶተንሃም እትገጥም ኣርሰናል፡ ብ44 ነጥቢ [ብዘይ’ዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ኣምለት'ዩ] ንፕረሚየርሊግ እንግሊዝ ክትመርሕ እንከላ፡ ሲቲ ብ39 ነጥቢ ትስዕባ፤ ዩናይትድ ከኣ ብ38 ነጥቢ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ንሲቲ ብ1 ነጥቢ ድሒራ ትኽተላ’ላ። 

ደርቢ ሰሜን ለንደን

ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፡ ኣርሰናልን ቶተንሃምን ካብ ቀንዲ መቐናቕንቲ ጋንታታት እየን እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን።

እዘን ክልተ ክለባት ሰሜን ለንደን ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ጸወታታት ፕረምየርሊግ እየን ሎሚ ክራኸባ።

ኣርሰናል ኣብዚ ጸወታ እንተ ተዓዊታ፡ ካብተን ብቐረባ ዝስዕባኣ ዘለዋ ሲቲን ዩናይትድን ፍንትት ንኽትብል ዕድል ክትረክብ እያ።

ኣቐዲማ ኣብ ደርቢ ሰሜን ለንደን ኣብ ሜዳ ኢምሬትስ ኣርሰናል ንቶተንሃም 3ብ1 ረቲዓታ እያ።

ኣብ 5ይ ደረጃ እትርከብ ቶተንሃም ሎሚ ኣብ ሜዳኣ ኣንጻር ኣርሰናል ክትጻወት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣገደስቲ ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ ናብ 4ይ ደረጃ ክትድይብ ዕድል ክህልዋ ተኽእሎ ኣሎዋ።

ወሃቢ ርእይቶ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን፡ ኣርሰናል ነዚ ጸወታ 3ብ0 ከም እትዕወተሉ ኣተንቢሁ’ሎ።

ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ 11 ጸወታታት ፕረምየር ሊግ ኣይተሳዕረትን። ዘጋነርስ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት’ዚ ሓንሳእ ብማንቸስተር ተሳዒሮም ክልተ ግዜ ድማ ማዕረ ተፈላልዮም።

ብኣንጻሩ ቶተንሃም ኣብ ዝሓለፈ 11 ጸወታታት ፕረምየርሊግ 5 ግዜ ተሳዒራ እያ።

ሱተን፡ ኣርሰናል ዝሓሸት ጋንታ ከም ዝዀነትን፡ ብቕዓት ቶተንሃም ግን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምዃኑን ይገልጽ።