ምስጢር ልዕሊ 100 ዓመት ምንባር እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየት ሰብ፡ ብሲስተር ኣንድሬ እትፍለጥ ፈረንሳዊት ፈላሲት ሉሰል ራንደን፡ ጥሪ 17 ኣብ መበል 118 ዓመታ ዓሪፋ ኣላ።
ነቲ ኣብ ጊንየስ ዝተመዝገበ ክብረ ወሰና መን ክወርሶ ይኾን ኣብ ዝብል ብዙሕ ዘተ ክህሉ እዩ። እታ ቀጺላ ዘላ ዕድሚኣ ዝተረጋገጸ ኣመሪካዊት ማርያ ብራንያስ ሞሬራ ድማ ኣብ ዝቕጽል መጋቢት 116 ዓመት ክመልኣ እዩ።
ካብ ደቂ ተባዕትዮ ፡ ቨነዝዌላዊ ሁዋን ቪሰንተ ሞራ ብ 113 ዓመት ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ።
ሓደ ነገር ግን ርጉጽ እዩ፤ እቲ ክብረ ወሰን ትሑዝ ዝበሃል ኣይኮነን።
ካብ ቀረባ ኣሰርተታት ዓመታት ናብዚ፡ ቁጽሪ ዘምእቱ ( ምኢቲ ዓመት ዝነብሩ) ሰባት ኣዐርዩ ወሲኹ እዩ።
መረዳእታ በዝሒ ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2021 ኣብ መላእ ዓለም 100 ዓመት ዝመለኦም ብውሑድ 621 ሽሕ ሰባት ነይሮም። እዚ ቁጽሪ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓሰርተ ዓመት ሓደ ሚልዮን ክሓልፍ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ 1990 ኣኣ፡ 92 ሽሕ ሰባት ጥራሕ እዮም ኣብዚ ዕድመ ዝበጽሑ ነይሮም።
ኣብ ሕክምና፣ ምግብን ኣገባብ መነባብሮናን ዝተፈጠሩ ምዕባለታት ምስጋና ይብጸሓዮም፡ መጠን ብህይወት እንጸንሓሉ ዕድመ ምስ ኣበው እመዋትና እንትነጻጸር ኣዐርዩ ተመሓይሹ እዩ።
ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት መረዳእታ ምእካብ ዝጀመረሉ 1960 ዝተወለደ ሰብ፡ ብማእከላይ 52 ዓመታት ክነብር ትጽቢት ይገብር ነይሩ።
100 ዓመት ምንባር ቀሊል ኣይኮነን
100 ዓመት ምንባር ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን፤ ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2021 ካብ ህዝቢ ዓለም 0.008 ምኢታዊት ጥራሕ እዮም ኣብዚ ዕድመ በጺሖም።
ብመሰረት ጽብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ማእከላይ ዕድመ ብደረጃ ዓለም 73 ዓመት እዩ፤ እቲ ቁጽሪ ግና ካብ ሃገራት ናብ ሃገራት ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ጃፓን ማእከላይ ዕድመ 85 ዓመት ኮይኑ ኣብ ማእካይ ኣፍሪቃ ዝነብር ሓደ ሰብ ግን ብማእከላይ 54 ዓመት ክነብር ትጽቢት ይግበር።

መብዛሕተኦም ነዊሕ ዕድመ ዝጸንሑ ሰባት ብሕዱር ሕማማት ዝሳቐዩ እዮም።
“ነዊሕ ዕድመ ምንባር ማለት ጥዑይ ኮይንካ ምንባር ማለት ኣይኮነን” ትብል ኣብ ዪኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ፕሮፌሰር ስነ ህይወት ዝኾነት ጃነት ሎርድ።
ንሳ ከምእትብሎ ሰብኡት ኣብ ናይ ህይወቶም ናይ መወዳእታ 16 ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ 19 ዓመታት፡ ካብ ሕማም ሽኮር ክሳብ ምርሳዕ ብዝበጽሑ ሕማማት ይጥቅዑ።
ምስጢር ልዕሊ 100 ዓመት ምንባር እንታይ እዩ?
ልዕሊ 100 ዓመት ምንባር ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ዩኒቨርሲቲ ቦስተን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ካብ 5 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሓደ ጥራሕ በውሑድ 110 ዓመት ይነብር። ነዚ ደረጃ ‘ሱፐርሰንተናሪ’ ክብሉ ይጽውዕዎ።
ኣብዚ ዕድመ ዝበጽሑ ሰባት ብዙሕ ግዘ ቀልቢ ተመራመርቲ ይስሕቡ።
“እዞም ሰባት ካብቲ መብዛሕተኦም ሰባት ምስኣረጉ ዘጋጥሞም ዝተፈለዩ እዮም፤ ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ እውን ዛጊድ ኣየረጋገጸናን” ትብል ፕሮፌሰር ሎርድ።
ኣብዚ ብርኪ ዘለዉ ሰባት ዕድመኦም ካብ ምንዋሕ ብተወሳኺ፡ ምስ ዕድሚኦም ብተነጻጻሪ ደሓን ዝበሃል ኩነታት ጥዕና ኣለዎም። ሓንቲ ኣብነት፡ ስድራቤታ ኣብ ለካቲት 2022፡ 120 ዓመት ከምዝገበረት ዝሓበሩ፡ ሓረስታይ ዝነበረት ብራዚላዊት ጆሲፋ ዳ ኮንሰይካኦ፡ እያ፤ ብምኽንያት ጸገም ሰነዳት፡ ጊንየስ ኣብ ክብረወሰን ኣይመዝገባን።
ጓላ ሲሰራ ከምዝሓበረቶ፡ ኣዲኣ ስሩዕ ሕክምና ከምዘየድልያን ሐዚ እውን ብሩንዶን ሽኮር ዘለዎም ምግብታት ከምእትምገብን ትገልጽ።
ዋላኳ ናይ ምዝካርን ምርኣይን ክእለታ እንተነከየ፡ ብኩነታት ኣዲኣ ከምእትግረም እያ እትሕብር።
“ከምቲ ዝነበረቶ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፤ ተሰኪምና ነንቀሳቕሳን ከምቆልዓ ጨርቂ ሽንቲ ንቕይረላን። ኮይኑ ግና ከም ሓንቲ ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ ሽጋራ እተትክኽን ንዓመታት ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሐትን ሰብ፡ክንድዚ ዕድመ ምንባራ ይገርመኒ” ትብል እታ ጓል 76 ዓመት።

ጥንቃቐ ዘለዎ ኣነባብራ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ይሕግዝዶ?
እቲ ንተመራመርቲ ዘገርም ዘሎ ካልእ ነገር፡ መብዛሕተኦም 100 ዓመት ዝበጽሑ ሰባት፡ ንጥዕና ዝሕግዙ ተባሂሎም ዝግለጹ ኣገባባት ዘማልኡ ኣይኮኑን።
ጆሴፋ ማርያ ዕድሚኣ ሙሉእ ሽጋራ ኣትኪኻ፡ ኣብ 2020 እያ ምትካኽ ጠጠው ኣቢላ። ኣብ ርሑቕ ሰሜን ምብራቓዊ ብራዚል ብድኽነት ዝዓበት እውን እያ።
ሲስተር ኣንድሬ ብተመሳሳሊ መዓልታዊ ሓደ ብርጭቆ ወይኒ ትሰቲ ምንባራ ይፍለጥ።
ኣብ 2011 ኣብ ኣመሪካ፡ ልዕሊ 95 ዓመት ኣብ ዝነበሩ 400 ኣይሁድ ዝተገበረ መጽናዕቲ ድማ ብዙሓት ሕማቕ ዝበሃሉ ልምዲታት ረኺቡ።
ካብቶም ኣብ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ዳርጋ 60 ምኢታዊት ኣዐርዮም ኣትከኽቲ፣ ፍርቂ ድማ መጠን ዝሓለፎ ርጉዲ ዝነበሮም ኮይኖም 3 ምኢታዊት ጥራሕ ተመገብቲ ኣሕምልቲ ነይሮም። ብዙሓት መጠናዊ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ እውን ኣይነበሩን።
“ምስኣቶም ዝተፈጠረ ዝተፈለየ ነገር ኣለዎም። ምኽንያቱ ካብቲ ብልሙድ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር የድልይ እንብሎ ነገራት ዝቃረን እዮም እዮም ዝገብሩ” ይብል ተመራማሪ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ፋራገር።
መበቆላዊ ዶ ይኸውን?
ነዊሕ ዕድመ ንምንባር መበቆላዊ ሰረት ዘርኢ (ጀነቲክስ) ዓብዪ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ተመራመርቲ ይጥርጥሩ።
ምኢቲ ዓመትን ልዕሊኡን ዝነብሩ ሰባት ዝከላኸልሉ ዓቕሚ ዘለዎም ይመስል። ንመብዛሕትኡ ሰብ ዝቐትል ልምዲ ዘከሓሕሰሎም ተፈጥሮ ዝተዓደሉ እውን ይመስሉ።
ከም ሎርድን ፋራገርን ዝበሉ ተመራመርቲ፡ እዞም ጸጋታት እንታይ ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ቁጽሪ ዘምእቱ ሰባት ምውሳኽ፡ ናይ ደቂ ሰባት ብህይወት ዝጸንሑሉ ዕድመ ክውስኾ ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ እውን ኣብ ተመራመርቲ ፈጢሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነዊሕ ዕድመ ብምንባር ዝተመዝገበ ሰብ
ዛጊድ ዝተረጋገጸ ነዊሕ ዕድመ ብምባር ዝተመዝገበት ፡ ኣብ 1997 ኣብ 122 ዓመታ ዝሞተት ፈረንሳዊት ጂያን ካልመት ኮይና ልዕሊ 120 ዓመት ምንባራ ዝተረጋገጸ ብሕታዊት ሰብ እያ።
ኮይኑ ግና ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን፡ ኣብዚ ክፍለ ዘበን ቁጽሪ ዝለዓለ ዕድመ ካብ 125 ክሳብ 130 ክበጽሕ ከምዝኽእል ይግምቱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እርጋን ከመይ ንርደኦ?
ጉዳይ ዕድመ ንምርዳእ ሳይንስ ክምልሶም ዝግባእ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ።
ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ልዕሊ 65 ዕድመ ዝርከቡ ሰባት፡ ካብ ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት ዝበዝሑ እዮም። ከም ዶ/ር ሪቻርድ ሲዮው ዝበሉ ተመራመርቲ ዕድመ ድማ፡ ኣብታ ቁጽሪ ኣረጋውያን እናበዝሐላ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም፡ ምስ ጽሬት መነባብሮ ዝተተሓሓዙ ጸገማት ንምፍታሕ እርጋን ክንርደኦ ግቡእ ምዃኑ ይገልጹ።
“እቲ ዝዓበየ ሕቶ ክንደይ ዓመት ንነብር ዝብል ኣይኮነን፤ ምስ ዕደመ ዝተተሓሓዙ ጸገማት ምድንጓይን ካብቲ ዘለናዮ ንላዕሊ ጥዑያት ኮይንና ምጽናሕን እዩ” ይብል ሺዮው።
“በዚ መንገዲ፡ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዕደለኛታት እንተኾይንና፡ እዞም ዓመታት ክንሳቐየሎም ዘይኮነስ ክንሕጎሰሎም ንኽእል ኢና።”
እዚ ፍልስፍና ነቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንስርዓተ ጥዕና ከም ሸከም ዘይኮነስ ከም ዕድል ንምውሳድ ጠቓሚ ከምዝኾነ ኣብዚ ዓውዲ ዝሰርሑ ትካላት ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







