ንስደተኛታት ማዕጾኣ ዘርሓወት ግዝኣት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Jorge Luis Pérez Valery
ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሓደ ካብቶም ተወዳደርቲ ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ዘካትዕዎም ጉዳያት እዩ።
ክልቲኦም ሕጹያት ኣብ ስግር ዶብ መክሲኮ ንዝፍጸም ዘይሕጋዊ ስደት ንምቁፅፃር ቃል ኣትዮም ኣለዉ።
ብኣንጻሩ፡ ሓንቲ ሪፓብሊካዊት ግዝኣት ስደተኛታት ንምስሓብ ዝያዳ ትሰርሕ ኣላ።
ኣብታ ኣብ ወሽመጥ ኣላስካ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኮርዶቫ ሰዓት ምሳሕ እዩ፡ ዓሳ ዓሳ እያ ትጨኑ።
ሓያሎ ሰባት ካብ ፋብሪካ ምምስራሕ ዓሳ ንምሳሕ ይወጹ ኣለዉ። ግን መግቢ ኣመሪካ ዘይኰነ፡ ታኮስን ቶርቲላን ዝበሃሉ መግብታት መክሲኮ እዩ ዝቐርበሎም።
ብዙሓት፡ ንገንዘብ ክብሉ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም ዝመፅኡ እዮም።
“ዓሚ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ 27 ሽሕ ዶላር ኣዋህሊለ" ይብል፡ ኤድጋር ቬጋ ጋርስያ።
ኣብ መክሲኮ ዓመታዊ ኣታዊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 16,269 ዶላር ጥራይ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኮርዶቫ ቁሪ እዩ፤ መጠን ሙቐት ትሕቲ ዜሮ እዩ ዝኸውን።
ብርቱዕ ዝናብን ዶሮናን ልሙድ እዩ። ኣብ ገለ ወቕቲ ድማ ጸሓይ ንኽልተ ወርሒ ኣይትረአን።
ኣብ ውዑይ ወቕቲ ግን፡ ምሉእ መዓልቲ ብርሃን እዩ ዝኸውን።
ደቂ ዓዲ ነቲ ፍሉጥ ኣላስካ ሳልሞን [ዓይነት ዓሳ] ንምግፋፍ ናብቲ ሩባ ይወርዱ።
ልዕሊ ፍርቂ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ፋብሪካታት ምምስራሕ ዓሳ ይሰርሑ። ዓሳ ምድላው፡ ምዕሻግን ምሻጥን ብዙሕ ሓይሊ ሰብ እዩ ዝሓትት።
ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ዕዮ ኣላስካ፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብተን ኣብታ ግዝኣት ዝርከባ ትካላት መስርሒ ምግቢ ባሕሪ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ካብ ካልእ ከባቢታት ዝመጹ እዮም።
ካብ ካልኦት ግዝኣታት ኣመሪካ ዝመጹ ሰራሕተኛታት እኳ እንተሃለዉ፡ መብዛሕትኦም ካብ ዩክረይን፡ ፔሩ፡ ቱርኪ፡ ፊሊፒንስ፡ ውሑዳት ድማ ካብ መክሲኮ እዮም።
ኣብ መፍረ ዓሳ ዘሎ መሃያን ኩነታት ስራሕን ካብ ናይ ዓዶም ዝሓሸ ምዃኑ ይዛረቡ።
ሓደ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓሳ ኣብ ሰዓት 18 ነጥቢ 06 ዶላር ይረክብ። እዚ ማለት ኣስታት 2100 ብር ማለት እዩ።
ገሊኦም ድማ ክሳብ 27 ዶላር ኣብ ሰዓት ይኽፈሉ።
ካብ ስሩዕ ሰዓት ትርፊ እንተሰሪሖም ድማ፡ ብመሰረት ሕጊ ኣላስካ ተወሳኺ 50 ሚእታዊት ይኽፈሉ።
መብዛሕትአን ፋብሪካታት፡ ንሰራሕተኛታቶም ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ መግቢ የቕርቡ።
እዚ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ኣታዊኦም ንኽቑጥቡ ዓቢ ዕድል ፈጢሩሎም ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ እታ ከተማ ንእሽቶ ስለ ዝኾነት ብዙሕ ወፃእታት ክተገብር ኣይትዕድምን።
ሲነማን ህዝባዊ ዕዳጋን የብላን።
እታ ከተማ ሓንቲ ፓብ [ባር] ኣለዋ።
ነበርቲ ብሰንኪ ኵነታት ኣየር ዓሳ ክገፉ ኣብ ዘይኽእሉሉ እዋን፡ ኣብዚ ተኣኪቦም ፑል ይጻወቱ።
ፋብሪካታት ናይ ሰራሕተኛታተን ናይ መገሻ ወጻኢታት እውን ይሽፍና እየን።
ኮርዶቫ ኣዝያ ርሑቕ ግዝኣት ኰይና፡ ብነፋሪት ወይ ብመርከብ ጥራይ ኢኻ ክትበጽሖ ትኽእል።
እቲ መነባብሮ ምቹእ ኣይኮነን። ሰራሕተኛታት ኣብቲ ፋብሪካ ኣብ ተደራራቢ ዓራታት ይድቅሱ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣርባዕተ ሰባት ይድቅሱ። ዘድልዮም ነገራት ይሓጽቡን ይዕቅቡን።
እቲ ስራሕ ቀሊል ኣይኮነን። ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ን18 ሰዓታት ይቕጽል። እተን ፋብሪካታት መዓልታዊ ኣሽሓት ዓሳታት ይዕሽጋን ይሰዳን።

ምንጪ ስእሊ, Jorge Luis Pérez Valery
ኤድጋር ነቲ ስራሕ ኣዝዩ መሊኹዎ እዩ። ብሓደ ኢዱ ዓሳ በቲ ካልእ ኢዱ ካራ ሒዙ ነቲ ዓሳ ክገፎ ይርአ።
ቅልጣፍኡ ዘገርም እዩ። ጨና ዓሳ ኣብ ክዳውንቱን ቆርበቱን እኳ እንተነበረ ስርሑ ይፈትዎ እዩ።
ካብ ኣላስካ ብዝረኽቦ ኣታዊ ናብ መክሲኮ ተመሊሱ ምቹእ ህይወት ክነብር ተስፋ ይግበር ኣሎ።
ስድርኡ ኣብ ዶባዊት ከተማ መክሲካሊ ይነብሩ። ኣርባዕተ ደቁ ስርሑ ወዲኡ ክምለስ ይጽበዩዎ ኣለዉ።
ቀንዲ ምንጪ እቶት ኣላስካ፡ ዓሳን ዕዳጋን ፍርያቱን እዩ።
ኣብ ዓመት 2268 ቶን (ኣስታት 2.2 ሚልዮን ኪሎ ግራም) ዓሳን ካልኦት መግብታት እንስሳታት ባሕርን ይዕሸግ። እዚ ቁጽሪ እዚ ብድምር ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ውሽጣዊ ፍርያት ኣመሪካ ይበጽሕ።
ዓበይቲ ኩባንያታት እታ ሃገር፡ ኣብ ኣላስካ ሓያሎ ፋብሪካታት ምምስራሕ ዓሳ ኣለዎም።
ነዚ ድማ እዩ፡ እቲ ኢንዱስትሪ ዝያዳ ሓይሊ ሰብ ዘድልዮ።
መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣላስካ ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ዝያዳ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክህብ መደብ ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ቁጽሪ ፍቓድ ስራሕ 66 ሽሕ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት እዚ ቍጽሪ ናብ 130 ሽሕ ክብ ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ኮርዶቫ ንእሽቶ ትካል መስርሒ ዓሳ ዝውንን ሪች ዌለር ምስቶም ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ብዙሕ ይሽገር። ሓሽሽ ይጥቀሙ፡ ብዘይ ፍቓድ ይተርፉን ይበኣሱን ኢሉ የማርር።
ሜክሲካውያን ካብ ዝቖጽር ንደሓር ግን፡ እቲ ፋብሪካ ዝያዳ ኣፍራዪ ኮይኑ ኣሎ።
ምርጫ ኣመሪካ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ "ወራር" ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘሻቐሎ ይመስል።
ስደተኛታት ካብ ኣመሪካውያን ስራሕ ይምንጥሉ ከምዘለዉ የማርር ኣሎ።
ካማላ ሃሪስ ግን ነቲ "ዝተበላሸወ" ስርዓት ኢሚግሬሽን ከተዕርዮ ምዃና ቃል ኣትያ።
ብዙሓት ሰባት ስራሕ ክደልዩ ናብ ኮርዶቫ ብነቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ 3,000 ብዝሒ ህዝቢ ብሰለስተ ዕጽፊ ኣዕብይዎ ኣሎ።
ከንቲባ እታ ከተማ ግን ስደተኛታት ዓንዲ ሕቘ ኮርዶቫ ምዃኖም ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Jorge Luis Pérez Valery




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







