ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ካልኣይ ወጺኡ ነጥቡ ኣበሪኹ

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተ ናይ መጀመርታ ኰኾብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ኣዕሪፉ ዝውዓለ ቱር ዲ ፍራንስ ሎሚ ካብ ኦርልያንስ ናብ ሰይንት ኣማንደ ሞንትሮድ 187.7 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መበል 10 መድረኽ ኣካይዱ።

እዛ መድረኽ እዚኣ እንትርፎ ሓሓሊፉ ፈኰስቲ ኩርባታት ብምልእታ ጎልጎል ስለዝነበረት ብቕጽበታዊ ውድድር ክትውዳእ ከምእትኽል’ዩ ግምት ተዋሂብዋ።

ተቐዳደምቲ ኣብ መበል 57 ኪሎሜተር ነጥቢ ተውህብ መስመር ስለዝነበረቶም፡ ክሳብ 45 ኪሎሜተር ብጥርኑፍን ብዘገምታን’ዮም ዝኸዱ ነይሮም።

ኣብ መበል 45 ግን ኮበ ጎሰንስ ካብ ጋንታ ኢንተርማርች (ወዲ ጋንታኡ ንቢንያም)፡ ሃርም ቫንሆች ካብ ጋንታ ሎቶ ዲስትኒ ሃዲሞም ብምውጻእ ብቅደም ተኸተል ናብ ሕንጻጽ ብምብጻሕ 20 ከምኡ ከኣ 17 ነጥቢ ከሰቡ።

ኢንተርማርቸ ንኮበ ጎሰንስ ኣብ ቅድሚት ምስዳዳ ንመሪሕነት ቢንያም ንዘይምሽርራፍ ስለዝነበረ ይበል ዘብል ብልሒ’ዩ። ቢንያም ነጥቢ ምስ ዘይረከብ እቶም ካልኦት መወዳድርቱ ክኸስብሉ ስለዝኽእሉ።

እንተዀነ ድሒራ ኣብ ትስዕቦም ዝነበረ ዓባይ ጕጅለ ብዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ኣብ ነጥቢ [ቀጠልያ ማልያ] ካልኣይ ብምዃን ንቢንያም ዝስዕቦ ዘሎ ጃስፐር ፍሊፕሰን ሳልሳይ ብምእታው 15 ነጥቢ ክረክብ እንከሎ ቢንያም ራብዓይ ብምእታው 13 ነጥቢ ረኺቡ።

ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ከኣ ቢንያም ኣብ ቀጠልያ ማልያ ብ237 ነጥቢ ቀዳማይ ጃስፐር ፍሊፕሰን ከኣ ካብ ቢንያም ብ94 ነጥቢ ድሒሩ ብ143 ካልኣይ፡ እቲ ሎሚ ነጥቢ ዘይከሰበ ጆናስ ኣብርሃምሰን ከኣ ብ107 ነጥቢ ኣብ ሳልሳይ ተቐሚጦም ኣለዉ።

ኣብዛ ቅጽበታዊ ውድድር ጃስፐር ፍሊፕሰን ንቢንያም ግርማይ ናብ የማን ሓጹር ስለዘጸገዖ እቶም ብቀጥታ ነቲ መደብ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ንሓድሕዶም ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝርርብ እቲ ሓደ ‘ጃስፐር ፍሊፕሰን ቅጽበታዊ ውድድር ክገብር እንከሎ ጌጋ ዝሰርሐዶ ይመስለካ?’ ኢሉ ምስ ሓተተ እቲ ሓደ ‘ይመስለኒ’ ኢሉ ክምልሰሉ እንከሎ ይስማዕ።

ቢንያም ድሕሪ እቲ ቅጽበታዊ ውድድር ናብ መኪና ጋንታ ጃስፐር ፍሊፕሰን [ኣልፒሲን] እናተዛረቦም እንከሎ ይርአ ምናልባት፡ ሕርቃኑ ይገልጸሎም ነይሩ ይኸውን።

ጸወታ ክዛዘም 78 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዳሕረዋይ ጎማ ዝነፈሶ ቢንያም ጎማ ክቕይር ደው ኣብ ዝበለሉ፡ ዓባይ ጕጅለ ክሳብ 40 ካልኢት ዝኸውን ግዜ ኣንጺፋትሉ ነይራ፡ ኣብ ውሽጢ 4 ኪሎሜተር ግን ቢንያም ተሓወሳ።

ጃስፐር ፍሊፕሰን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዓሰራይ መድረኽ፡ ጃስፐር ፍሊፕሰን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ወጺኡ

ክሳብ ታሽዓይ መድረኻት ኣብ ዝነበረ ጸወታታት ጋንታ ቢንያም [ኢንተርማርቸ] ብሽልማት እታ ዝበዝሐ ገንዘባዊ ሽልማት (43 ሽሕን 880 ዩሮ] ዝረኸበት ጋንታ ኰይና’ያ ናብዚ ናይ ሎሚ ዓስራይ መድረኽ ኣትያ።

ቢንያም’ውን ኣብ ትሽዓተ መድረኻት 34 ሽሕን 800 ዩሮ ሽልማት ብምርካብ ልዕሊ ኵሎም ጸብለል ክብል እንከሎ፡ ብጫ ማልያ ሒዙ ዘሎ ታደይ ፖጋቻ ካብ ጋንታ ዩኤኢ 28 ሽሕን 80 ዩሮ ሽልማት ብምርካብ ንቢንያም ተኸቲሉ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ’ዮም ናብዚ ናይ ሎሚ ዓስራይ መድረኽ ኣትዮም።

ጸወታ ክዛዘም 50 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ንተቐዳደምቲ ብየማኖምን ናብ ኣንጻር ኣንፈቶምን ኣብ ስዓት 20 ኪሎሜተር ዝውንጨፍ ዝነበረ ንፋስ ንተቐዳደምቲ ነብሱ ዝኸኣለ ብድሆ’ዩ ነይሩ፤ ኣብ ሰዓት ብማእከላይ ገምጋም 46 ኪሎ እናረገጹ ጕዕዘኦም ይቕጽሉ።

ተቐዳደምቲ ብሓደ ስካቶ ክጕዓዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጸወታ ክዛዘም 15 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ፡ ጋንታታት ቦታ ንምሓዝ እቶም ኣብ ምስራሕ ዝተጸመዱ ተቐዳደምቲ ናብ ቅድሚት ከጋድማ ጀመራ። ብርቱዕ ንፋስ ስለዝነበረ ግን እቲ ፍጥነት ህድኣት ዝነበሮ’ዩ።

ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ጀሚሩ ንቀጠልያ ማልያ ሒዝዋ ዘሎ ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ሓሙሻይ መድረኽ ጀሚሩ ንቀጠልያ ማልያ ሒዝዋ ዘሎ ቢንያም ግርማይ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ዳርጋ ኵለን ጋንታታት ተገዲመን ንናይ ቅጽበታዊ ተወዳደርተን ክምርሓ ጀመራ። ቢንያም’ውን ብክልተ ደቂ ጋንታኡ እናተመርሐ ኣብ ማእከል ቦታኡ ኣውሓሰ። ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት ክሳብ 75 ኪሎሜተር እናዘወሩ ንዝተርፍ ከትርፉ ጀመሩ።

እቶም ቀንዲ ናይ ቅጽበታዊ ተወዳደርቲ ኣብ ዝተረፍሉ እቲ ዝነበረ ፍጥነት ንዅሎም ፋሕ ፋሕ ኣበሎም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝነበረ ከቢድ ቅጽበታዊ ውድድር እቲ ብቫንደርፑል ጽቡቕ ዝተሰርሓሉ ጃስፐር ፍሊፕሰን ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ወጺኡ።

ፓስካል ኣክርማን ኣብ ጋንታ እስራኤል ፕሪሜረቴክ ሳልሳይ፡ ዎንት ቫን ኣርት ካብ ጋንታ ቪዝማ ራብዓይ ወጺኦም።

ኣብ ቀጠልያ ማልያ ቢንያም ግርማይ ብ267 መሪሕነቱ ክዕቕብ እንከሎ ሎሚ ቀዳማይ ዝኣተወ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ74 ነጥቢ ድሒሩ ብ193 ነጥቢ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕቦ።

ኤርትራዊ ቢንያም ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ፤ ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ግን ክልተ ግዜ - ኣብ ሳልሳይ መድረኽን ኣብ ሻሙናይ መድረኽን።

ከምኡ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቱር ዲ ፍራንስ ብነጥቢ ንዝመርሑ ተቐዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ቅድሚ እዚ ዓመት ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተወኒና ኣይትፈጥን’ያ፤ ነዚ በቒዕዎ - ቢንያም። እዚ ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ሓዲሽ ታሪኽ'ዩ።

ዙር ፈረንሳ ክሳብ ሕጂ ዓሰርተ መድረኻት’ዩ ኣካይዱ ዘሎ። ካብተን ንተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር ዝመቻኣ ሽዱሽተ መድረኻት ከኣ ቢንያም ግርማይ ክልተ ግዜ ቀዳማይ ክልተ ግዜ ካልኣይ፣ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ 267 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ቀጠልያ ማልያ ወኒኑ ዘሎ።

ቢንያም፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሓንቲ መድረኽ፡ ክልተ ግዜ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብሓፈሻ ኣብ ግራንድ ቱር ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ተቐዳዳማይ’ዩ።

እዚ ብደረጃ ኣፍሪቃ እንተርኢናዮ ቅድሚ ሕጂ ሮበርት ሃንት ዝተበሃለ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 1999 ከምኡ ከኣ ኣብ 2001 ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ኣብ 2007 ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ስለዝነበረ ምስ ቢንያም ማዕረ ኣለዉ።

እቲ ሎሚ ካልኣይ ዝወጽአ ቢንያም ኣብዘን ዝተረፋ 11 መድረኻት ብውሕዱ ሓንቲ ናይ መድረኽ ዓወት እንተኣመዝጊቡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝበዝሐ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ዝብል ሓዲሽ ክብሪ ክላበስ’ዩ።

ቢጫ ማልያ ሕጂ'ውን ኣብ ዝባን ታደይ ፖጋቻ'ያ ዘላ እቲ ኣብ ናይ ትሕቲ 25 ዓመት ዝመርሕ ዘሎ ሬምኮ ኢቨንፖል ከኣ ብ33 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕቦ ኣሎ።