ተመሳሰልቲ ማናቱ ዝካፈልዎም ዘገርሙ ባህርያት

ክልተ ተመሳሰልቲ ማናቱ ፍሽኽ ኢለን እናተሳእላ

ምንጪ ስእሊ, Jim Craigmyle/Getty Images

ማናቱ ኵሉ ግዜ ንዓይኒ ዝማርኹ እዮም። ፍላይ ማንታኹም እንተ'ልይኩም፡ ካብዞም ሕቶታት ንገሊኦም ሓቲትኩም ትዀኑ ኢኹም።

ንሱ ወይ ንሳ ብዛዕባ ዝኸውን ነገር እንከይነገረካ/ትኪ ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ኣለካ/ኪ'ዶ?ሓዲኹም እቲ ኻልእ ክሓምም እንከሎ ትፈልጡዶ?

ናይ ክልተ ዝተፈላለዩ ግና ዝመሳሰሉ ሰባት ቀልብን ቍመናን፡ መበገሲ ጥንታዊ ፅውፅዋይ፡ ሙዚቃ፡ ፊልምን ልብወለዳትን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። እንተዀነ፡ ማናቱ ኵሉ ግዜ ልዑል ትዅረት ተመራመርቲ ስነፍልጠት ምስ ሰሓቡ እዮም።

ናትና ስነ-ውርሻን (ጀነቲክስ) ከባብን ብኸመይ ኣብ ባህርናን መንነትናን ፅዕንቶ ከም ዘሕድሩ ንምፅናዕ ፍሉይ ዕድል ይህቡ።

ንሕና፡ ንሕና ዝገበረና ተፈጥሮ ድትይስ ኣተዓባብያና?

ክልተ ዓይነት ማናቱ ኣለዉ።

ዘይመሳሰሉ ማናቱ (fraternal twins) ብሓደ ግዜ ካብ ዝተለቐቑን ካብ ዝተፈላለየ ተባዕታይ ዘርኢ ካብ ዝፀገዩን ክልተ እንቋቝሖታት ዝርከቡ እዮም።

ልክዕ ከም ስሩዕ ኣሓት ወይ ኣሕዋት ብማእከላይ ፍርቂ ጂናቶም (ወለዶ ዘመሓላልፉ ኣሃዱታት) ይካፈሉ።

ተመሳሰልቲ ወይ ዘይፍለዩ ማናቱ ዝፍጠሩ ድማ ሓደ ተባዕታይ ዘርእን ፍርያም እንቋቝሖን ናብ ክልተ ድቂ ምስ ዝኽፈሉ ኰይኑ፡ እዚ ማለት ኵሎም ጂናት ዝካፈሉን መብዛሕትኡ ግዘ ተመሳሰልትን እዮም።

ኣዝዮም ውሑዳት ብምዃኖም፡ ካብ 1,000 ዝውለዱ ዕሸላት ኣብቶም ሰለስተ ጥራሕ ዘጋጥም እዩ።

ፍላይ ማንታ ሓው ዘለዋ ፕሮፌሰር ናንሲ ሴጋል፡ ምሉእ ናይ ስራሕ ዓመታታ፡ ነዚ ኣብ ምፅናዕ እያ ኣሕሊፋቶ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቴት ካሊፎርኒያ መራሒት ማእከል መፅናዕቲ ማናቱ ከምኡ'ውን ተመራማሪት ስነውርሻን ስነልቦናን'ውን እያ።

ዝደቀሳ ደቂ ሓሙሽተ ወርሒ ማናቱ
መግለጺ ስእሊ, ተመሳሰልቲ ማናቱ ኵሉ ጂናት ስለ ዝካፈሉ ተመሳሳሊ መልክዕ እዩ ዝህልዎም

ፕሮፌሰር ናንሲ፡ "ማናቱ ናይ ዝዀነ ጅናውን ከባቢያውን ፅዕንቶ፡ ካብ ኣስተውዕሎ ክሳብ ብቕልጣፈ ምጕያይ፣ ካብ ስብእና ክሳብ ቍመትን ክብደትን ክንዕዘብ ይገብሩና፡" ትብል።

እቲ ልሙድ ምርመራ ማናቱ፡ ብጅናዊ ኣገባብ ተመሳሰልቲ ማናቱ ምስ ዘይመሳሰሉ ማናቱ የነፃፅር።

ተመሳሰልቲ ማናቱ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ባህሪ ዝያዳ ተመሳልቲ እንተ ኰይኖም፡ እዚ፡ ጂናት ኣብ ዕብየት መለለዪ ጠባይ ወይ ባህሪ ውሱን ግደ ከም ዝፃወቱ የርኢ።

ጂናት ኣብ ቍመትና፡ ክብደትናን ናይ ምሕሳብ ክእለትናን ኣብ ምቕራፅ ዘለዎም ተሳትፎ ዋላ ሓደ ዘደንቕ ኣይኰነን።

ይዅን'ምበር፡ ማናቱ ጂናት ኣብ ሓደ ሓደ ውልቃዊ ባህርያቶምን ብቕዓቶምን ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎም መፅናዕትታት ኣረጋጊፆም እዮም።

ፕሮፌሰር ሴጋል፡ "ማናቱ… ኣዝዩ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ባህርታት ንምፅናዕ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም እዮም። ኣብ ሃይማኖታውን ማሕበራዊ ኣመለኻኽታን፡ ብመቕፃዕቲ ሞት ትኣምን እንተዄንካ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ መዐወኒ ሓሽሽን ኣብ ፋይናንስኻ ክንደየናይ ወፃኢታት ከም ትገብርን ተፀኒዖም'ዮም፡" ትብል።

ንኣብነት፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኔዘርላንድስን ኣውስትራልያን ዝተኻየዱ መፅናዕትታት፡ ተመሳሰልቲ ማናቱ ተመሳሰልቲ ምስ ዘይኰኑ ማናቱ ክነፃፀሩ ከለዉ፡ ብፍላይ ኣብ ዕደመ ብፅሕና ልዕሊ ዝርከቡ ማናቱ ኣብ ሃይማኖት ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ ናይ ምሓዝ ዕድሎም ሰፊሕ እዩ።

እዚ ድማ፡ ጂናትና ኣብ እምነት ዕዙዝ ግደ ከም ዘለዎም ዘርኢ እዩ።

ፕሮፌሰር ሴጋል ከም ትብሎ፡ ናትና ጂናት ብኣምላኽ ክንኣምን ዝውስን ወይ ንነዘንብል ዝገብር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣስተውዕሎ ወይ ስምዒታዊ ምዃን ዝኣመሰሉ ዝተሓላለኹ ባህርያት ፅልዋ ዘሕድሩ ምስ ዝዀኑ ዝያዳ ክንሰርሕ ይገብረና።

ምስ ተወለዳ ተፈላልየን ድሕሪ 78 ዓመት ዝተራኸባ ማናቱ ኤልሳቤጥ ሃሜልን (ፀጋም) ኣን ሃንትን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Leonard Ortiz/Digital First Media/Orange County Register via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ ተወለዳ ተፈላልየን ድሕሪ 78 ዓመት ዝተራኸባ ማናቱ ኤልሳቤጥ ሃሜልን (ፀጋም) ኣን ሃንትን (የማን)

ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕሮፌሰር ሴጋል፡ ብሓደ ኣብ ዘይዓበዩ ተመሳሰልቲ ማናቱ ኣብ ዘካየደቶ ኣዝዩ ዘደንቕ ርኽበታት ረኺባ።

"እቲ ሓደ ዘደንቕ ርኽበት ኣብ ስብእና (ውልቃዊ ጠባይ) ዝምልከት እዩ። ኣጥቃዓይን (ዓማፂ) ባህላውን ኣብ ምዃን ዘደንቕ ርኽበት ተረኺቡ። ተፈላልዮም ዝዓበዩ ማናቱ ምስቶም ብሓደ ዝዓበዩ ማናቱ ሓደ ዓይነት ስብእና እዩ ዘለዎም። ኣብ ሓደ ገዛ ዝዓበዩ ኣሕዋት ወይ ኣዝማድ ብስብእናን ባህርን ሓደ ዓይነት ከም ዝዀኑ ኢና ንሓስብ። ግና ተፈላልዮም ዝዓበዩ ሰባት ሓደ ዓይነት ጂን ክሳብ ዘለዎም ተመሳሰልቲ እዮም፡" ብምባል፡ እቲ ፅልዋ ካብ ከባቢ ዘይኰነስ ካብ ውርሻ ጂናት ከም ዝዀነ ተረድእ።

ብፕሮፌሰር ሴጋል ካብ መንጎ ዝተኻየዱ ስሙያት ኣብነታት መፅናዕቲ፡ ተወሊደን ኣብ ዝተፈላለያ ኣን ሃንትን ኤልሳቤጥ ሃሜልን ዝበሃላ ማናቱ ዝተኻየደ መፅናዕቲ እዩ።

ክልቲአን ኣሕዋት ን78 ዓመታት ተፈላልየን ዝዓበያ ክዀና ከለዋ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብምፍልላየን ክብረ-ወሰን ጊነስ ዓለም ሒዘን እየን።

ኣብ እንግሊዝ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣን፡ ንሓፍታ ኤልሳቤጥ ክትደሊ ድሕሪ ምጅማራ፡ ድሕሪ 78 ዓመታት ክልቲአን ማናቱ ኣብ ኣመሪካ ተራኺበን።

ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ፡ ኣንን ኤልሳቤጥን ብዙሕ ተመሳሳሊ ባህሪ ምሓዘን ካብ ምርኣይ ብተወሳኺ፡ እቲ ዝያዳ ስግንጢር ድማ ክልቲአን ጂም ምስ ዝስሞሞ ሰብኡት እየን ተመርዕየን።

ናይ ካልኦት መፅናዕትታት ርኽበታት ምምስሳል ድማ ኣዝዮም ዘደንቑ እዮም።

"ዘይተለመዱ ልምድታትን ጠባያትን እንከይተረፈ ተወራሪሰን። ንኣብነት፡ ፍርያት ሽወደን ዝዀነ ናይ ስኒ መፅረይ ሳሙና ይጥቀማ። ካልኦት ማናቱ ከኣ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሚኒሶታ ክራኸባ እንከለዋ፡ ክልቲአን ሸውዓተ ቀለበታት፡ ሰለስተ በናጀራትን ናይ ኢድ ሰዓትን ገይረን ነይረን፡" ትብል፡ ፕሮፌሰር ሴጋል።

ባህርያት ማናቱ በዚ ኣየብቅዕን።

ካልኦት ተፈላልየን ዝዓበያ ማናቱ ድማ፡ "ንኢደን ዝጥቀማሉ መጋየፂ ተመሳሳሊ'ዩ፣ ቅድምን ድሕርን ምጥቃም ዓይኒ-ምድሪ'ውን ኢደን ናይ ምሕፃብ ሓደ ዓይነት ልምዲ ነይርወን። ምናልባት ንታህዋስያን ኣዝየን ዝተቓልዓን ብዛዕባ ፅርየት ዝግደሳን ስለ ዝዀና ክዀና ይኽእላ፡" ትብል እታ ተመራማሪት።

ካልኦት ተፈላልየን ዝዓበያ ስኮትላንዳውያን ድማ ዝተጠበሰ ባኒ ኣብ ኣርባዕተ ድሕሪ ምቝራፀን፡ ነቲ ሰለስተ ቍራፅ ጥራሕ ይበልዓ። እዚ ድማ ኣብ ሸሓኒ ዘሎ ኵሉ ንዘይምብላዕ ሸውሃተን ከም ዝከታተላ ዘርኢ እዩ ብምባል፡ ተወሳኺ ኣብነት ትፀርሕ።

ፕሮፌሰር ሴጋል፡ "እዞም ነገራት. . . ኣጋጣምታት ብወዝቢ ከም ዘይመፅኡ ዘመልክቱ'ዮም። ኵላትና ዘይተለመዱን ስግንጢርን ዝዀኑ ልምድታት ኣለዉና። እዚኦም ድማ ስቕ ኢሎም ዝመፅኡ ኣይኰኑን። ብዝተወሰነ መልክዑ መንነትና ዘርእዩ እዮም፡" ትብል።

ብተመሳሳሊ ስም ዝፅውዑ ማናቱ

ካብ ኣመሪካ ሚኒሶታ ዝተረኸቡ ጉዳይ ተመሳሰልቲ ማናቱ ድማ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ክልቲኦም ሽሞም ጂም እዮም ዝበሃሉ።

ምስ ተወለዱ ተፈላልዮም፡ ኣብ መበል 39 ዓመቶም ክራኸቡ ክኢሎም። ህይወቶም ኣዝዩ ተመሳሳሊ ከም ዝዀነ ንምግንዛብ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

እዞም ማናቱ ፈለማ ሊንዳ ዝበሃላ ኣንስቲ ተመርዕዮም ፈቲሖም። ደሓር ድማ ቤቲ ዝበሃላ ኣንስቲ ተመርዕዮም። ናይ ክልቲኦም ኣኽላባት ቶይ ብዝብል ስም እዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ጄምስን አላን ዝበሃሉ ኣወዳት ውላድ ነይሮሞም። ክልቲኦም ብዘይ ኣስተብህሎ ፅፍሮም ናይ ምንካስን ንዕረፍቲ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ ገምገም ባሕሪ ናይ ምሕላፍን ልምዲ ኣለዎም።

እዚኦም ማናቱ፡ ኣካል መፅናዕቲ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ሚኒሶታ ዶክተር ቶማስ ቡቻርድ እዮም ነይሮም።

ዋላ'ኳ ተፈላልዮም እንተ ዓበዩ ብዘደንቕ ኵነታት ተመሳሳሊ ባህሪ፡ ድሌትን ዝንባለን ከም ዘለዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዞም ዘስደምሙ ኣብነታት፡ ንሕና ክንሓስቦ ክንዲ ንደሊ ኣብ ሕርያናን ባህርናን ብዙሕ ስልጣን ኣለናዶ? ዝብል ሕቶ ክንሓትት ይድርኹ።

ፕሮፌሰር ሴጋል፡ "ሓደ ነገር ጅናዊ ፅልዋ ስለ ዘለዎ ጥራሕ ስልጣን የብልኩምን ማለት ኣይኰነን፡" ትብል።

ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ዘጋጥም ፍትሕ ብምልዓል ድማ ብፅልዋ ጅን ምሉእ ብምሉእ ዘይተወሰነ ክስተት ህይወት ምዃኑ ተረድእ።

ስለዚ፡ ጂናት (ወለዶ ዘመሓላልፉ ኣሃዱታት) እንታይ ፍሉይ ግደ ይህልዎም?

እታ ተመራማሪት፡ "ምናልባት ኣፀገምቲ ዝዀኑ ስብእናታት፡ ከም ነቓፅነት ዝኣመሰሉ ባህርያት። እንተዀነ፡ ናትካ/ኪ ጂን ተፋትሑ/ሒ ኣይብልን። ንምፍታሕ ትውስኑ ባዕልኹም ኢኹም። ስለዚ፡ እዚ ነፃ ሕርያ በዚ ዝተዓናቐፍ ኣይመስለንን፡" ትብል።

ፕሮፌሰር ሴጋል ከም ትብሎ፡ ኵሉ ነገር ፍፁም እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣየድልን። ብዛዕባ ስብእናናን ባህርናን ዝምልከት፡ ንሕና ኣብዚ ግዜ'ዚ ዘለናዮ መንነት ክንኸውን ገይሩ ዝመርሓና ዋላ ሓደ ትኽክለኛ ደራኺ ምኽንያት የሎን።

"ሰባት፡ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቐረፀና ክሓስቡ ይደልዩ። ግና ንሱ ስሑት ርድኢት እመስለኒ፡" ትብል።