ቓዛ፡ ዝርርብ ተኹሲ ደው ምባል 90 ምኢታዊት ተዛዚሙ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባል ዝግበር ዘሎ ዝርርብ 90 ምኢታዊት ከምዝተዛዘመ በዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን፡ ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲን ምፍታሕ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ 90 ምኢታዊት ተዛዚሙ'ኳ እንተሃለወ ክማልኡ ዘለዎም ቁልፊ ጉዳያት ግን ከምዘለዉ ኣብቲ ዝርርብ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሓለኽቲ ጉዳያት ከኣ፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ምስ ግብጺ ዝዳወብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መተሓላለፊ ('ኮሪደር') ፊላደልፌ ብቐጻሊ ምህላዉ እዩ።
ኣብ ዶሃ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ንቢቢሲ ዝሃበ እቲ ፍልስጤማዊ በዓል ስልጣን፡ እቲ ዝርርብ ከኣ ምስ ቓዛ ኣብ ዘራኽብ ዶብ እስራኤል ሓያሎ ኪሎሜተራት ስፍሓት ዘለዎ ናይ ጸጥታ ዞባ ['buffer zone' - ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝኾነ ከባቢ] ምፍጣር ዘጠቓልል እዩ።
እስራኤል ኣብ ውሽጢ እዚ ከባቢ ወተሃደራዊ ህላወኣ ክትዕቅብ ምዃና እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
እዞም ጉዳያት ምስተፈትሑ፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ ተኹሲ ደው ምባል ንምፍጻም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ'ሎ።
ካብ ሰለስተ መድረኻት ተኹሲ ደው ምባል ኣብቲ ቀዳማይ፡ ብነብሲ ወከፍ ዝተፈትሐት ጓል ኣንስተይቲ ወተሃደር እስራኤል 20 ፍልስጤማውያን እሱራት ምልውዋጥ ክካየድ'ዩ።
ካብ መንጎ'ቶም ፍልስጤማውያን እሱራት በዓል መን ይፈትሑ ዝብል ገና ስምምዕ ኣይገበሩሉን። እንተኾነ ካብቶም ኣብ እስራኤል ን25 ዓመትን ልዕሊኡን ኣብ ማእሰርቲ ዘሕልፉ ዘለዉ ኣስታት 400 ሰባት ክምረጹ'ዮም።
ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምውዳድ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተኣሰረ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ፍልስጤም ነበር ፋታሕ ማርዋን ባርጎቲ ካብ መንጎ ዝፍትሑ ክኸውን ትጽቢት ኣይግበርን።
ሓማስ ገና ንገለ ካብቶም ዝጠፍኡ ጅሆታት ክደልዮም ምዃኑ ስለዝእመን፡ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን በብደረጃ ክፍትሑ እዮም።
ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ዘለዉ 96 ጅሆ፡ እቶም 62 ብህይወት ከምዘለዉ ብእስራኤል ይግመት።
ነቲ ዝብጻሕ ስምምዕ ስዒቡ ሲቪላት ቓዛ ኣብ ትሕቲ ክትትል ግብጺ/ቀጠር ናብ ሰሜን ክምለሱ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ መዓልታዊ ድማ ኣስታት 500 ናይ ጽዕነት መካይን ሓገዝ ከቕርባ ምዃነን እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።
ኣመሪካ፣ ቀጠርን ግብጽን ናይ ሽምግልና ጻዕርታተን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዳግማይ ዝጀመርኦ ኮይነን ብኽልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት'ውን ስምምዕ ንምፍጻም ዝለዓለ ድልውነት ከምዘሎ ይዝረብ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ዝርርብ ኣብ ዝኾነ ስምምዕ ከብጽሕ ኣይከኣለን ነይሩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ሓማስ ንሓጺር እዋን ጥራይ ዝጸንሕ እማመ ተኹሲ ደው ምባል ብምንጻጉ ነይሩ።
ሓማስን ካልኦት ክልተ ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤምን፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ "ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተቓሪቡ ኣሎ" ብምባል፡ ግን ከኣ ምሉእ ዝኸውን እስራኤል "ሓድሽ ቅድመ ኩነት ምምጻእ ደው ምስ እትብል" ጥራይ እዩ ኢሎም።
ንቓዛ ዘመሓድር ዝነበረ ፍልስጤማዊ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ሃንደበታዊ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስዒቡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ተጨውዮም።
ልዕሊ 100 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብድርድር ከምኡ'ውን እስራኤል ብዘካየደቶም ወተሃደራዊ ስርሒታት ምድሓን ነጻ ወጺኦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







