ኣኽራን ጎላን ኣበይ'ዮም ዝርከቡ? መንከ ይቆጻጸሮም?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሓይልታት እስራኤል ኣብ ኣኽራን ጎላን ዝርከብ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝኾነ ዞባ ከምኡ'ውን ኣብ መሬት ሶርያ ዝርከቡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቦታታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገሩ ናብቲ ነጻ ዞባን "ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ናይ መእዘዚ ቦታታትን" ክቖጻጸሩ ከምዝኣዘዘ ገሊጹ'ሎ።
ንሱ ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ፡ ኣብ ሶርያ ብዝርከቡ ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ዝፍኖ መጥቃዕቲ ንድሕነት እስራኤል ዝተወስደ ግዝያዊ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ብሓያሎ ሃገራት ዓረብ ግን ኵነኔ ኣስዒብሉ ኣሎ።
'ኣኽራን ጎላን' መን ይቆጻጸሮም?
ኣኽራናት ጎላን (ጎላን ሃይትስ) ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶርያ ዝርከብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ምድረበዳ ኮይኑ፡ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ እስራኤል ገጹ ይበጽሕ። ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መግዛእቲ እስራኤል ከኣ ይርከብ።
ኣብ 1967 እስራኤል ኣንጻር ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኲናት፡ ሶርያ ካብ እስራኤል ክትምዝዖ ፈቲና እዃ እንተነበረት፡ እስራኤል ብወገና ሕነ ንምፍዳይ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣስታት 1200 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ናይቲ ከባቢ ክትቆጻጸር ክኢላ።
ሶርያ ኣብ 1973 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ('ዮም ኪፑር') ንጎላን ሃይትስ ዳግማይ ክትሕዞ ፈቲና ሽዑ'ውን ኣይተዓወተትን።
ኣብ 1974 ክልቲአን ሃገራት ሓይልታተን ብክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ኣብ ኣኽራን ጎላን 'መፈላለዪ ቦታ' ["Area of Separation"] ብዝብል ዝፍለጥ ከባቢ ክስሕቡ ዝጠልብ ስምምዕ ፈሪመን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ተዓዛቢ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ተመስሪቱ ምኽባር እቲ ስምምዕ ክከታተል ናብቲ ቦታ ኣትዩ።
ብ1981 ድማ እስራኤል ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ዝነበረ ከባቢ ጎላን ናብ ግዝኣታ ስለዝጸምበረቶ ሓደስቲ ሰፈርቲ ኣብኡ ኣባይቲ ክሃንጹ ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዘለዋ ልኡላውነት፡ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ተቐባልነት ዘይረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣብ 2019 ከምኡ ብምግባር ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣመሪካ ቀይርዎ።
ካብ ሽዑ ንደሓር ሶርያ፡ እስራኤል ካብ መላእ ጎላን እንተዘይወጺኣ ዝኾነ ስምምዕ ሰላም ከምዘይትገብር ኣፍሊጣ።
እስራኤል ኣብ ሕዳር 2024፡ ኣብ ገለ ክፋላት ናይቲ ካብ ህላወ ወተሃደራት ነጻ ዝኾነ ዞባ ነቲ መፈላለዪ ቦታ ዝሰገረ ድፋዓት ብምስራሕ ካብ ሶርያን ሕቡራት ሃገራትን ክስታት በጺሕዋ።
ኣኽራን ጎላን ስለምንታይ ኣገዳሲ ኰይኑ?
ሶርያ ካብ 1948 ክሳብ 1967 ንጎላን ኣብ ዝተቆጻጸረትሉ እዋን ንመላእ ሰሜናዊ እስራኤል ብቐጻሊ ብመዳፍዕ ትሃርም ነይራ።
ንእስራኤል፡ ካብቲ በሪኽ ቦታ ኮይንካ እታ ንሰሜን ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ርእሰ ከተማ ሶርያ - ደማስቆ ከምኡ'ውን መብዛሕትኡ ደቡባዊ ሶርያ ብንጹር'ዩ ዝረኣያ። ነቲ ከባቢ ምቁጽጻር፡ እስራኤል ንወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ሶርያ ንኽትከታተል ብልጫ ይህባ።
እቲ ክሳብ'ቲ በሪኽ ቦታ ዝበጽሕ ቁልቁለት ከኣ ንእስራኤል ንዝኾነ ካብ ሶርያ ዝመጽእ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከም ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ኮይኑ የገልግላ።
ብዘይካ እዚ ኣብቲ ደረቅ ቦታ ጎላን ቀንዲ ምንጪ ማይ'ውን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብቲ በሪኽ ቦታ ዝወርድ ማይ ንሩባ ዮርዳኖስ ይምገብ፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ መሬት ንኣታኽልቲ ወይንን ፍረታትን ምንጪ ማይ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ንመጓሰ ከብቲ ዝውዕል ልሙዕ ከባቢ ይገብሮ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ንዝኾነ ይኹን ስምምዕ ሰላም ካብ ዝዕንቅፉ ቀንዲ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ እስራኤል ናብቲ ቅድሚ 1967 ዝነበረ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ክትስሕብ ሶርያ ምሕታታ እዩ።
እዚ ኸኣ ሶርያ ንምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ ገሊላ (ንእስራኤላውያን ቀላይ ኪነሬት፡ ንዓረብ ድማ ቀላይ ጢቤርዮስ ተባሂሉ ዝፍለጥ) ክትቈጻጸሮ የኽእላ። እዚ ኸኣ ንእስራኤል ኣገዳሲ ምንጪ ጽሩይ ማይ ክስእና ዝኽእል'ዩ።
ብሓፈሻ ኣብ እስራኤል ዘሎ ህዝባዊ ርእይቶ ንጐላን ምቁጽጻር ዝድግፍ እዩ።
ኣብ ኣኽራን ጎላን መን ይነብር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከባቢ ጎላን ልዕሊ 30 ሰፈራታት እስራኤላውያን ኣለው። እዚ ድማ ኣስታት 20 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ዝነብሩሉ እዩ። እስራኤላውያን ዳርጋ ድሕሪ ምዝዛም ኵናት 1967 ብቕጽበት እዮም ክሃንጽዎም ዝጀመሩ።
እቶም ሰፈራታት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ከም ዘይሕጋውያን ዝቑጸሩ'ኳ እንተኾኑ፡ እስራኤል ነዚ ኣይትቅበሎን።
እቶም እስራኤላውያን ኣብ ጎኒ ኣስታት 20 ሽሕ ሶርያውያን ይነብሩ። መብዛሕትኦም ካብ ድሩዛውያን ኣመንቲ ዝመጹ ኮይኖም፡ ጎላን ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን ዘይሃደሙ እዮም።
ሶርያ እቲ መሬት ናታ ከምዝኾነን ከምእትመልሶ ርግጸኛ ምዃናን ወትሩ ክትገልጽ ከላ፡ እስራኤል ድማ እቲ ኣኽራን ንመከላኸሊኣ ወሳኒ ምዃኑን ንዘልኣለም ኣብ ኢዳ ከምዝጸንሕን ትሕብር።
እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጎላን እንታይ ገይራ?
ዕጡቓት ተቓወምቲ ሶርያ እናሓየሉ ምስከዱ ወተሃደራት ሶርያ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሮም መደበር ገዲፎም ብምውጽኦም ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ ኣብ ጎላን ዝርከብ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ዝኾነ ዞባ ተቖጻጺሮም።
ኣዘዝቲ ሰራዊት እስራኤል፡ ወተሃደራቶም ኪኖ እቲ ኣብ ጎላን ዝርከብ ነጻ ዞባ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ኣሚኖም እዮም።
ኔታንያሁ ሓይልታቱ "ምቹእ ኣወዳድባ ክሳብ ዝረክብ ግዝያዊ መከላኸሊ ቦታ" ይምስርቱ ምህላዎም'ዩ ገሊጹ።
"ምስቶም ኣብ ሶርያ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ሓደስቲ ሓይልታት ሰላማዊ ዝምድና ክንምስርት እንተኽኢልና ድሌትና ንሱ'ዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ንእስራኤልን ዶባታን ንምክልኻል ዘድሊ ኩሉ ክንገብር ኢና" ኢሉ።
ካብ ሶርያ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ካብ ደማስቆ ኣብ ውሽጢ 25 ኪሎ ሜተር ከምዝበጽሐ እኳ እንተገለጹ፡ ወተሃደራዊ ምንጭታት እስራኤል ግን ወራሮም ክሳብ ክንድኡ ከምዘይከደ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ስጉምቲ እስራኤል ሓያሎ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺታት ብኸቢድ ክኹነን ጸኒሑ'ሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ "መሬት ሶርያ ምውራርን ነቲ ኣብ 1974 ዝተበጽሐ ስምምዕ ምጥሓስን" ክብል ገሊጽዎ።
ኔታንያሁ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፡ ሓይልታት ተቓውሞ ንሶርያ ድሕሪ ምቍጽጻሮም እቲ ኣብ 1974 ዝተገብረ ስምምዕ "ብምፍራሱ" ዶባት እስራኤል ንምውሓስ ከምዝኾነ ገሊጹ።
"እስራኤል ዝኾነ ከምቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብወገን ሶርያ ከይፍጸም ክትከላኸል ከም እትደሊ ገሊጻ እያ" ይብል ፕሮፌሰር ጊልበርት ኣችካር ካብ ሓደ ኣብ ለንደን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ።
"እዚ ንቕድሚት ንምስጓምን ካልኦት ሓይልታት ናብ ዶብ እቲ ዝተጎበጠ ዞባ ንኸይቀርቡ ደው ንምባልን ዝሕግዝ ዕድል'ዩ" ክብል ወሲኹ
ብዙሓት ተንተንቲ ግን እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምኽንያታዊ ምዃኑ ይጠራጠሩ።
"ሶርያ ነቲ ስምምዕ ከምዘይትኽተሎ ኣይገለጸትን" ይብል ፕሮፌሰር ዮሲ መከልበርግ ካብ 'ቻታም ሃውስ' ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ ዓለማዊ ጉዳያት።
ዶክተር ሄሊየር - ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ትንተናን መጽናዕትን፡ ዕጡቓት ሶርያ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኣኽራን ጎላን ዳግማይ ክሕዙ ናይ ምፍታን ተኽእሎኦም ትሑት እዩ ይብል።
"ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣዝዮም ስለዝጽመዱ ምስ እስራኤል ሓድሽ ግጭት ንምፍጣር ክሓስቡ ግዜ ኣይክህልዎምን" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







