ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ ዝቐረቡሉ ክስታት ብልሽውና

ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮሚሽነር ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ምትኩ ካሳ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ዝተጠርጠረሎም ገበናት ብልሽውና ዝምልከት ፖሊስ ብወግዓዊ ዘርዚሩዎም ኣሎ።

እዞም ገበናት፡ እቲ ንዝሓለፉ ዓመታት ነቲ ኮሚሽን ክመርሕ ዝጸንሐ ምትኩ፡ ‘ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት’ ምስ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል ተመሻጢሩ ፈጺሙዎም ዝተባህሉ’ዮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ጀነራል ዳይሬክተር ጳቃብ ሕጊ ገበናት ብልሽውናን ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራልን ብሓባር ኣካይዶምዎ ዝተባህለ መርመራ ሰብን መረዳእታታት ሰነድን፡ እቲ ኮሚሽነር ንረድኤት ተባሂሎም ዝቐርቡ ናውቲ ንውልቃዊ ረብሓኡ ብምውዓል፣ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲሉ ብምቕራብ ከም ዝተጠርጠረ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።

ብተወሳኺ፡ ዋና ኦዲተር ፌደራል፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ኮሚሽንን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዓፋር፡ ኦሮሚያን ደቡብን ዝርከቡ ማእከላት እቲ ማሕበር ግብረሰናይን ዘካየዶ መርመራ ኦዲት ተፈጺሙ፡ ምስቲ ዝተኻየደ መርመራ ከም ዝተጠቓለለን ተሓቢሩ።

እቶም ክስታት እንታይ’ዮም?

እቲ ኮሚሽነር ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ገዛኡ ድሕሪ ዝተገብረ ተፍትሽ ልዕሊ 650 ሽሕ ባጤራ ወጻኢ ከም ዝተረኽበ ተሌቭዥን 'ታ ሃገር ኣቃሊሓ።

ብተወሳኺ እቲ ኮሚሽነር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ካብ ሃገር ከይወጽእ ተኣጊዱ ከም ዝጸንሐ ተጠቒሱ።

ኣቶ ምትኩ፡ ምስ ዳይሬክተር ኤልሻዳይ የማነ ወልደማርያምን ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ ትካልን፡ ዘይግባእ ጥቕማዊ ምትእስሳር ፈጢሮም ንረድኤት ተባሂሎም ዝመጽኡ ናውቲ ንውልቃዊ ረብሓኦም ከም ዘውዓሉ ፖሊስ ይገልጽ።

ሓበሬታ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣቶ ምትኩ ዝርዝር ኣስማት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተሓገዝቲ ተጠቒሙ፡ ካብ መኽዝን እቲ ኮሚሽን እኽልን ካልኦት ሃለኽቲ ነገራትን ኣውጺኡ ሸይጡ።

እቲ ንረድኤት ዝመጽአ ሓገዝ፡ ናብ ተጸበይቲ ከይበጽሐ እንከሎ፡ ናብ ፋብሪካታት ሕሩጭን ካልኦት ውልቀሰባትን ብምሻጥ፡ ብስም ቤተሰቡ ድማ ካብቲ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ብሚሊዮናት ብር ዝግመት ጥቕሚ ረኺቡ’ዩ ብምባል ፖሊሲ ይኸስስ።

በዚ መሰረት፡ ፖሊስ፥

  • ካብቲ ኮሚሽን ወጻኢ ተገይሩ ንኤልሻዳይ ዝተዋህበን ንውልቃዊ ረብሓ ዝወዓለን 472 ሚሊዮን ብር፡ ፍርቂ ቢሊየን ብር ዝግመት 512 ሽሕ ኩንታል ስርናይ፡ 34 ሽሕ ዕፉን፡ 77 ሽሕ ሊትሮ ዘይቲ፡ 4 ሽሕ ኩንታል ሩዝ፡
  • ብተወሳኺ፡ ኤልሻዳይ ብሽም ረድኤት ዝደልዩ ሰባት ካብቲ ኮሚሽን ዝወሰዶ እኽሊ፡ ኣብ ኣዳማ ካብ ዝርከብ ፋብሪካ ሕሩጭ ኪያ 66 ሽሕን 483 ኩንታል ስርናይ፡ ብ483 ሽሕን 880 ብር ብምሻጥ እቲ ገንዘብ ንውልቃዊ ረብሓኦም ኣውዒሉ፡
  • ኤልሻዳይ፡ ሶሮሮ ትሬዲን ዝተባህለ ትካል ካብ ዘእትወን መካይን፡ 4 'ዳብል ፒክኣፕ' ዝዓይነተን መካይን፣ ንረድኤት ዝተወስደ 6450 ኩንታል ስርናይ [ብገንዘብ 6 ሚሊዮንን 450 ሽሕ ብር] ብምልዋጥ፡ እተን መካይን ወሲዱ፡
  • ኤልሻዳይ፡ ንነጃ ሄሬዲን ወይ ፋብሪካ ምውህሃድ መግቢ ሂራ 15 ሽሕ ኩንታል ስርናይ [ብገንዘብ 15 ሚሊዮን ብር] ብምሻጥ ገንዘብ ወሲዱ፡ ክብል ፖሊስ ይኸስስ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ኮሚሽነርን ቤተሰቡን፡ ካብ ማሕበር ኤልሻዳይ ብዝተዋህበ ገንዘብ ተጠቒሞም ብሽም ቤተሰቡ ንብረት ከም ዘጥረየ’ውን ፖሊስ ይገልጽ።

  • ካብ ኤልሻዳይ ብዝተረኽበ ገንዘብ፡ ብሽም ሓደ ወዱ ቶዮታ ኮሮላ መኪና ገዚኡ። ብተወሳኺ እቲ ወዱ ካብ 2009 ዓ.ም ጀሚሩ በቲ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ወርሓዊ 15 ሽሕ ብር ዝኽፈለሉ ክራይ ገዛ ክነብር ጸኒሑ፡
  • ካልኣይቲ ውላዱ'ውን ሰራሕተኛ ኤልሻዳይ'ኳ እንተዘይኰነት፡ ሽማ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ወርሓዊ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ተኸፊሉዋ። ብተወሳኺ ካብቲ ትካል 893 ሽሕን 25ብር ኣታዊ ከም ዝተገብረ ፖሊስ ይገልጽ፣
  • ብሽም በዓልቲ ቤቱ ድማ፡ 8 ሚሊዮንን 306 ሽሕ ብር ካብቲ ማሕበር ወጻኢ ተገይሩ። በዚ ኸኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ 388 ትርብዒት ሜትሮ ኣፓርታማ ተዓዲጉ፣
  • ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ 9.8 ሚሊዮን ብር ወጻኢ ዝተገብረሉ ኣብ 400 ትርብዒት ሜትሮ ዝተሃንጸ በዓል ሰለስተ ደርቢ ገዛ ብሽም በዓልቲ ቤቱ ከም ዝተዓደገን፡ ብድሕሪኡ ማሕበር ኤልሻዳይ ከም ዝተኻርዮን ፖሊስ ይገልጽ። ብዘይካ'ዚ'ውን፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ካብ 'እንይ ሪል ስቴት' ሓደ ገዛ ከም ዝተገዝኣላ ሓቢሩ፡
  • ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ ካብቲ ማሕበር ግብረ-ሰናይ፡ ሓሙሽተ ሚሊዮን ብር ናብ ኣደኡ ኣታዊ ተገይሩ፤ ሸውዓተ መንበሪ ገዛ ከም ዝተዓደገን ብሽመን ኣብ ዝተኸፍቱ ክልተ ሕሳባት ባንክ፡ 19.5 ሚሊዮን ብር ከም ዝተረኸበን ተሓቢሩ።

እቲ መርመራ ገና ከም ዘይተዛዘመን፡ ካልኦት ካብቲ ኮሚሽን ብኣማኢት ሚሊዮናት ወጺኦም’ዮም ዝተባህሉ ገንዘብ፡ ከምኡ’ውን ንኣባላት ስድራኡ ዝተገዝኡ ኣባይቲ፡ መካይንን ካልንኦት ጥቕማዊ ምትእስሳራትን ዝምልከት መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ፖሊስ ኣመልኪቱ።