ዙር ርዋንዳ 2023፡ 10 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክሳተፉ’ዮም

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሳሙናይ መድረኽ ኣምበሳ ዓቐብ ብምዃን ናብ መድረኽ ኣብ ዝደየበሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ሻሙናይ መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኣምበሳ ዓቐብ ብምዃን ናብ መድረኽ ኣብ ዝደየበሉ

ኣብቲ ካብ 19 ክሳዕ 26 ለካቲት ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ መበል 15 ዙር ርዋንዳ፡ 5 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓሙሽተ ከኣ ምስ ካልኦት ጋንታታት ብምዃን ብሓፈሻ 10 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክወዳደሩ’ዮም።

ዙር ርዋንዳ ናይ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ውድድር ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ውድድር ኣብ 20 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 100 ተቐዳደምቲ ክወዳደሩ’ዮም።

ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ካብ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣብ 2010 ዝተዓወተሉ ገዲም ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ሃገር ዓንደማርያም፡ ዩኤል ሃብተ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ዓወት ኣማንን ኮይኖም ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እናተኣል’ዮም ውድድሮም ከካይዱ’ዮም።

ብዘይካ እዚኦም ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ዝወዳደር ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022 ዳዊት የማነ ምስ ጋንትኡ ብምዃን ንብጫ ማልያ ክወዳደር’ዩ።

ምሰ ጋንታ ባርድያኒ ዝወዳደር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ምስ ጋንታ ትረንጋኑ ዝወዳደር መትከል እዮብ ከምኡ’ውን ምስታ ብኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ኣኽሊሉ ሃይለ እትስልጥን ኮንቲነታል ጋንታ መይ ስታር’ውን ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣቤል ብርሃነን ኣሮን ስምኦንን ምስ ሰለስተ ርዋንዳውያን ብምጥርናፍ ኣብዙ ውድድር ክትሳተፍ'ያ።

ኣብ 2022 ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቕጥዕታት ኮሮናቫይረስ ስለዘየማለአት ኣብቲ ውድድር ከም ዘይተሳተፈት ዝዝከር ኮይኑ፡ መምስ ጋንትኦም ብምዃን ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉብርሃን ተሳቲፎም፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ እቲ እቲ ውድድር ኮይኑ።

ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እቲ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝተሳተፈ መትከል እዮብ ኣብ 2013፡ 2015፡ 2016 ከምኡ ከኣ 2017 ብድምር ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ መድረኽ ክኸውን ክኢሉ ኣብ 2016 ከምኡ'ውን 2017 ከኣ ኣብ ብጫ ማልያ ክልተ ግዜ ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሳይ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ካልኣይ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ዙር ጋቦን ሓንሳብ ካልኣይ፡ ሓንሳብ ሳልሳይ ክልተ ግዜ ከኣ ራብዓይ ብምውጻእ ኣብ ጽቡቕ ቑሞና ከምዘሎ ዘመስከረ ሄኖክ ሙሉብረሃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ሓደ ካብ ተፈራሕቲ ተቐዳደምቲ ኮይኑ ክቐርብ’ዩ።

መርብብ ሓበሬታ ፕሮ ሳይክሊግ ስታት፡ ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ’ዮም ካብ ዝበሎም ተጻወትቲ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሳውዳል ኲክ ስቴፕ ቬሮን ኢታብ፡ ኣብ 2022 ኣብ ብጫ ማልያ ንናትናኤል ተስፋጽዮን ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጸአ ተቐዳዳማይ ጋንታ ትራንጋኑ ቡድያክ ኣናቶሊ፡ ተቐዳደማይ ባርድያኒ ፍሊፖ ፍዮሪሊ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዳዊት የማነን ይርከብዎም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዙር ርዋንዳ 2.2 እንከሎ ኣብ 2010 ዕዉት ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ዝኾነ ገዲም ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብቲ ውድድር ምምላሱ ብዙሓት ርዋንዳውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእካ መልእኽትታት ክጽሕፉ ተራእዮም።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ኣምበሳ ዓቐብ ብምዃን ኣብቲ ውድድር ማልያ ዝወነነ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ዝሰረሐ ተቐዳዳማይ እዩ።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 2010 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኣርባዕተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሓሙሽተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ሰፍ ዘይብል ሃገራውን ኣህጉራውን ዓወታት ዘመዝገበ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ኣብዚ ካብ ዝመጽእ ሰንበት ጀሚሩ ዝካይድ ዙር ርዋንዳ ከኣ ምስ ንኣሽቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን ጸወታታት ኣብ ምንባብን ተሞክርኡ ተጠቒሙ ነቶም ነኣሽቱ ኣብ ምእላይን ካብኡ ሓሉፉ ኸኣ ነቲ ኣብ 2010 ዝተዓወተሉ ውድድር ዳግማይ ንኽዕወተሉ ክጻወት ምዃኑ ግምታታት ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ 937 ኪሎሜተር’ዩ ሸፊኖም ነይሮም፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ክልተ መድረኻት ምምሕያሻት ብምግባር ሓፈሻዊ ርሕቐት ናብ 1129 ኪሎ ሜተር ክብ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን ንኻልኣይ ግዚኡ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን ምኽኣሉ ዝዝከር’ዩ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2020 ነቲ ውድድር ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ካብ ዝበል እቲ እንኮ ነቲ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ብሓፈሻ ዙር ርዋንዳ ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ኢሉ ካብ ዘካየዶ ኣርባዕተ ውድድራት ኤርትራውያን ነቲ ሰለስተ ክዕወትሉ ክኢሎም’ዮም፡ ኣብ 2019 መርሃቂ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ’ኸኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2021 ኸኣ እቲ እንኮ ንዙር ርዋንዳ ክዕወተሉ ዝኸኣለ ኣውሮጳዊ፡ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ክዕወትሉ ክኢሎም።

እቲ ካልእ ንዙር ርዋንዳ 2023 ድምቐት ካብ ዝህበዎ ሓደ ንቱር ዲ ፍራንስ ኣርባዕተ ግዜ ንቮልታ ስጰኛ ክልተ ግዜ ዝተዓወተሉ ምስ ጋንታ ኢስራኤል ፕሪሜር ቴክ ዝወዳደር ክሪስ ፍሩም ምስ ጋንትኡ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ምዃኑ’ዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት

ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ርዋንዳን

ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፋ ክለባት

ኢስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ቶታል ኢነርጂ፡ ባርድያኒ ሱኤስኤፍ፡ ኖቫ ኖርዲክ፡ ኪው 36.5፡ ኢስካልተል ኢስኳዲ፡ ቦልቶን ኢኵቲስ፡ ባይክ ኣይድ፡ ታርቱ 2024፡ ኢኤፍ ኢድኬሽን፡ ሳውዳል ዂክ ስቴፕ፡ ቤንዲክሽን፡ ቻይና ግሎሪ፡ ትረንጋኑ ፖሊጎን እየን።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ

2022፡ ናትናኤል ተስፋጸዮን

2021፡ ክሪስትያን ሮድሪገዝ

2020፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን

2019፡ መርሃዊ ቅዱስ

2018፡ ሞጉሻ ሳምኤል

2017፡ ኣረሩያ ጆሴፍ

2016፡ ንደየሺንጋ ቫለንስ

2015፡ ንሰንጊማና ቦስኮ

2014፡ ንደየሺንጋ ቫለንስ

2013፡ ግሪድሊንስቶን ደይላን

መድረኻት

19 ለካቲት፡ ኪጋሊ ጎልፍ ናብ ርዋምንጋን 115.6 ኪሎ ሜተር

20 ለካቲት፡ ኪጋሊ ናብ ጊሳጋራ 132.9 ኪሎ ሜተር

21 ለካቲት፡ ሁየ ናብ ሙሳንዘ 199.5 ኪሎ ሜተር

22 ለካቲት፡ ሙሳንዘ ናብ ካሮንጊ 138.3 ኪሎ ሜተር

23 ለካቲት፡ ሩሲዚ ናብ ሩባቩ195.5 ኪሎ ሜተር

24 ለካቲት፡ ሩባቩ ናብ ጊሱምቢ 157 ኪሎ ሜተር

25 ለካቲት፡ ንያማታ ናብ ኪጋሊ 115.8 ኪሎ ሜተር

26 ለካቲት ካናል ኦሎምፕያ ናብ ካናል ኦሎምፕያ 75.3 ኪሎ ሜተር