ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት 8 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣስሩ ሲፒጀይ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA
ዓለምለኸ ኮሚቴ ሓለዋ ጋዜጠኛታት - ሲፒጀይ- ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝተራእየ ተቓውሞ ብውሕዱ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።
ሲፒጀይ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ምእሳር ደው ከብሉን ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ክምርምሩን ሓቲቱ።
ካብ 25 መጋቢት ክሳብ 05 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ኣባላት ጸጥታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድማ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉን፡ ክልተ ካብኣቶም ከምዝተሃረሙን ሲፒጀይ ኣብ መግለጺ ኣፍሊጡ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ብውሕዱ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ኣለው፡ እዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ናጽነት ፕረስ በሰላ ዝፈጥር እዩ" ኢላ ሓላፊት ሲፒጀይ-ኣብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ሙቲኪ ሙሞ።
ዋና ኣሰናዳኢ ማእከል ሚድያ ኣምሓራ፡ ኣባይ ዘውዱ፡ ኣሰናዳኢ ኣራት ኪሎ ሚድያ ዳዊት በጋሻው፡ ኣሰናዳኢ ኢትዮ ሰላም፡ ቴድሮስ ኣስፋው፡ ሪፖርተር የኛ ሚድያ ገነት ኣስማው፡ ኣሰናዳኢ ነገረ ወልቃይት ሚድያ ኣሰፋ ኣዳነ፡ ከምኡ'ውን መስራቲትን ኣሰናዳኢትን ኢትዮ-ንቃት መስከረም ኣበራ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።
ኵሎም እቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዩቱብ ጸብጻባትን ትንታነን ከምዘቕርቡ ዝጠቐሰ ሲፒጀይ፡ ግጭት ምልዕዓል ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተኸሰሱ ይገልጽ።
ብፍላይ ኣባይ፡ ገነት፡ ኣሰፋን ብቐንዱ ንብሄረ ኣምሓራ ዝምልከቱ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ጸብጻባትን ትንታነን ዘቕርቡ ክዀኑ እንከልዉ፡ "መንግስቲ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ንምብታን ዝሓንጸጾ ውጥን ኣንጻሩ ኣብ ዝተገበረ ምንቅስቓስ" ብዝተሓሓዝ ከምዝተኣሰሩ - ሲፒጀይ ሓቢሩ።
ብዘይካ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ ኣካያዲትን ኣሰናዳኢትን መጽሔት ትውፊት ሓበሻ፡ ዓይኔኣበባ ግዛው፡ ንሲፒጀይ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣባላት ጸጥታ ኢና ብዝብሉ ሰባት ተጨውያ፡ ከምዝተመርመረትን ከምዝተሃርመትን ገሊጻ።
ብተወሳኺ ሪፖርተር EMS ሳሙኤል ኣሰፋ ኣብ ከተማ ለገጣፎ-ለገዳዲ ብዛዕባ ምፍራስ ኣባይቲ ጸብጻብ ክህብ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ "ግጭት ኣለዓዒልካ፡ ብዘይ ፍቓድ ሰበስልጣን ጸብጻብ ከቕርብ ፈቲኑ" ብዝብል ተኸሲሱ።
እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝተጸረፉ፡ ከምዝተሃስዩን ከምዝተሃረሙን እቲ ትካል ተጣባቒ ጋዜጠኛታት ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዝተረድአ ገሊጹ።
ሲፒጀይ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ብዝምልከት ካብ ፈደራል ፖሊስ፡ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን መብርሂ ሓቲቱ መልሲ ግን ኣይረኸበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







