ንፕረዚደንት ባይደን ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኸሰሰት ጓል ኣንስተይቲ ዜግነት ሩስያ ሓቲታ

ታራ ሪደ

ምንጪ ስእሊ, MAX WHITTAKER/NEW YORK TIMES/REDUX/EYEVINE

ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኸሰሰት ኣሜሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ናብ ሞስኮ ብምኻድ ዜግነት ሩስያ ትሓትት ኣላ።

ጓል 59 ዓመት ታራ ሪደ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ሩስያ ውሕስነት ከም ዝስምዓን ክትጸንሕ ከም እትደሊን ገሊጻ።

ሚስ ሪድ፡ ጆ ባይደን ብ1993 [ኣ.ኣ] ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮንግረስ እናሰርሐት እንከላ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ትኸስስ።

ንሱ ነዚ ክሲ ብትሪ ነጺግዎ’ዩ፤ “ፈጺሙ፡ ፈጺሙ ኣይተፈጸመን" ኢሉ።

ሚስ ሪድ ባይደን ሴናተር ዴላዌር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ተሓጋጋዚት ኰይና ትሰርሕ ነይራ።

ኣብ 2020 ፕረዚደንታዊ ጐስጓስ ኣብ ዝጅመረሉ ዝነበረ እዋን፡ ጓል 29 ዓመት እንከላ ኣብ ኮሮዶር ካፒቶል ሂል ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመላ ኣብ ዝገለጸትሉ እዋን ኣዝያ ኣዘራራቢት ኰይና ምንባራ ይዝከር።

ንሳ፡ ብሓይሊ ኣብ መንደቕ ኣጸጊዑ ኣእዳዉ ኣብ ትሕቲ ቀምሻን ማሊያኣን ከም ዘእተዎ እያ ትኸስስ።

“ኣብ ሞስኮ ካብ ነፋሪት ምስ ወረድኩ፡ ድሕሪ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ንመጀመርታ ግዜ ውሕስነት ተሰሚዑኒ። ዝሰምዓኒ ዝረኸብኩ፣ ዝተኸበርኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ” ምባላ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ሪድ ምስ ስፑትኒክ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ሓደ ፖለቲከኛ ሪፓብሊካን ኣብ ኣካላዊ ሓደጋ ከም ዘላ ምስ ነገራ ካብ ኣሜሪካ ከም ዝወጽአት ድማ ገሊጻ።

"[ኣነ] ካብ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሩስያ ዜግነት ክሓትት ደስ ይብለኒ . . . ጽብቕቲ ዜጋ ክኸውን ቃል እኣቱ" ክትብል ሚስ ሪደ ተዛሪባ።

ናይ ኣሜሪካ ዜግነታ’ውን ክትዕቅቦ ተስፋ ከም ዘለዋ ሓቢራ።

ሪድ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ 2019ን 2020ን ንፕረዚደንት ባይደን ብዘይግቡእ ምትንኻፍ፡ ምሕቋፍ ወይ ምስዓም ክኸሳ ዝቐረባ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ እያ።

ዋላ'ኳ ጥርዓን ኣቕሪባ እንተነበረት እቲ መዝገብ ክርከብ ኣይክኣለን፤ ኣብዚ ጉዳይ ዝተጀመረ መርመራ እንተሎ’ውን ግልጺ ኣይኰነን።

ወሃቢ ቃል ባይደን፡ ደቂ ኣንስትዮ "ክስምዓ መሰል ኣለወን" ዝብል እምነት ከም ዘለዎን፡ እቲ ዝተባህለ ፍጻመ ግን "ፍጹም ከም ዘየጋጠመን” ገሊጹ።