ኣብ ዓለም ብ 'ድኽነቱ' ዝፍለጥ ፕረዚደንት ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
እቲ "ፔፐ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ፕረዚደንት ኡራጋይ ነበር ጆሴ ሙጂካ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ዓሪፉ።
እቲ ካብ 2010 ክሳብ 2015 ንኡራጋይ ዘመሓደረ ተቓላሳይ ነበር፡ ብሰንኪ ትሑት ኣነባብራኡ፡ ኣብ ዓለም "ዝደኸየ ፕረዚደንት" ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
ንመርድእ ሞቱ ኣመልኪቱ ኣብ ኤክስ ዝጸሓፈ ፕረዚደንት እታ ሃገር ያማንዱ ኦርሲ፡ "ንዅሉ ዝሃብካናን ንህዝብኻ ዝነበረካ ዓሚቝ ፍቕሪን ነመስግን!" ኢሉ።
ጠንቂ ሞት እቲ ተቓላሳይን ፕረዚደንት ነበር ብልክዕኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብሕማም መንሽሮ መዓንጣ ክሳቐ ከምዝጸንሐ ግን ይፍለጥ።
ብሰንኪ እቲ ከም ፕረዚደንት ዝነብሮ ዝነበረ ቀሊል ኣነባብራ፡ ኣብ ልዕሊ ሓሻሽነት ዝነበሮ ተሪር ነቐፌታን ዘስፋሕፍሖ ማሕበራዊ ጽገናታትን - ኣብ ርእሲ'ቲ ኻልእ፡ ኡራጋይ ንማሪዋና ከም መዘናግዒ ሕጋዊ ዝገበረት ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውን እንከላ - ንሱ ድማ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ክንዮኡን ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኰይኑ።
ዓለማዊ ህቡብነቱ ንሓደ ፕረዚደንት 3.4 ሚልዮን ጥራይ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብዙሕ ዘይልሙድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ውርሻታቱ'ውን ኣካታዒ እዩ።
ንሱ፡ ንፖለቲካ፡ ምንባብ መጻሕፍትን ንስራሕ መሬትን ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ካብታ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ናብራ እናመርሐት ኣብ ርእሰከተማ ሞንተቪደ ዘዕበየቶ ኣደኡ ከም ዝወረሶ ይዛረብ።
ሙጂካ መንእሰይ ከሎ ኣባል ናይቲ ሓደ ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኡራጋይ ዝነበረ ደሓር ናብ ተቓዋሚ ማእከላይ የማናዊ ዝዀነ ሃገራዊ ሰልፊ እዩ ነይሩ።
ኣብ 1960ታት፡ ኣብ ምምስራት እቲ ብመጥቃዕቲታት፡ ጭውያታትን ቅትለታትን ዝኽሰስ ጸጋማዊ ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ቱፓማሮስ (MLN-T) ኣብ ምምስራት ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ንሱ ግን ቅትለት ከምዘይፈጸመ ይገልጽ ነይሩ።
ብሰውራ ኩባን ዓለምለኻዊ ማሕበርነትን ዝተጸልወ ምንቅስቓስ ቱፓማሮስ ኣንጻር እቲ ኣብቲ እዋን ቅዋማውን ደሞክራስያውን ዝነበረ መንግስቲ ኡራጋይ ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ኣካይዱ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሙጂካ ኣርባዕተ ግዜ ተታሒዙ።
ኣብ ሓደ ካብቲ ኣጋጣሚታት፡ ማለት ብ1970 ሽዱሽተ ግዜ ብጥይት ተሃሪሙ ዳርጋ ካብ ሞት ንቕሩብ ተሪፉ።

ምንጪ ስእሊ, AGENCIA CAMARATRES/AFP via Getty Images
ብዘይካ'ዚ ሙጂካ፡ ክልተ ግዜ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ።
ሓደ ካብኡ ምስ ካልኦት 105 እሱራት ኣባላት ቱፓማሮስ ብምዃን ብገለርያ ዝተገብረ ህድማ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ ኡራጋይ ካብ ዝተሰነደ ዝዓበየ ህድማ እዩ።
ሰራዊት ኡራጋይ ኣብ 1973 ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ኣብ ጕጅለ "ትሽዓተ ጅሆ" ከም ዝተሓዝ ገይሮምዎ።
እቶም ደባይ ተቓለስቲ መጥቃዕቲ እንተቐጺሎም ምዃኑ መጠንቀቕታ ቀሪቡሉ።
ኣብ 1970ታትን 1980ታን - ኣብ 1985 ሃገሩ ናብ ዲሞክራሲ ተመሊሳ ናጻ ክሳብ ዝልቀቕ - ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፈን ልዕሊ 14 ዓመታት፡ ብኸቢድ ተሳቒዩን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ተነጽሎን ኣሕሊፉ እዩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዳርጋ ናብ ዕብዳን ኣድሂቡሉ ከም ዝነበረ፡ ብኸቢድ ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ ብምስቓይ ክሳብ ምስ ጻጸ ከይተረፈ ይዛረብ ከም ዝነበረ ይንገር።
እታ ናጻ ዝወጸላ መዓልቲ፡ ኣዝዩ ዝተሓጐሰላ ምንባራ ክዝክር እንከሎ፡ "ፕረዚደንት ምዃን ምስኡ ክነጻጸር እንከሎ ትርጕም ዘይብሉ እዩ ነይሩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







