ኢብራሂም ትራኦረ፡ መራሒ ቡርኪናፋሶ ስለምንታይ'ዩ ልብን ቀልብን ዓለም ገዚኡ?

ምንጪ ስእሊ, Ibrahim Traoré/X
ግርማ ሞገስ ዝተላበሰ ወዲ 37 ዓመት ወተሃደራዊ መራሒ ቡርኪናፋሶ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ፡ ሃገሩ ካብ ምዕራባዊ ሃጸይነትን ሓዲስ-መግዛእትነትን ንምንጋፍ ዘንቀደ ፓን ኣፍሪቃዊ ስብእና ብውሕሉል መንገዲ ሃኒጹ ኣሎ።
መልእኽቱ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ልዕሊኡን ዝተጋውሐ ኰይኑ፡ ኣድነቕቱ ድማ ኣሰር ናይቲ "ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ" ተባሂሉ ዝግለጽ ሰውራዊ ማርክሲስታዊ ወዲ ሃገሩ ቶማስ ሳንካራ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ኣፍሪቃውያን ዘቐጽል ዘሎ ገይሮም ይርእይዎ።
ኣብ ዓለምለኸ ትካል ምምኻር ምክትታልን ስግኣት ላዕለወይቲ ተመራማሪት ቤቨርሊ ኦቼንግ፡ "ጽልዋ ትራኦረ ገዚፍ እዩ። ኣብ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ጸሓፍትን ' እቲ ሰብኣይ ንሱ'ዩ' ( እቲ ክንጽበዮ ዝጸናሕና መራሒ'ዩ)' ክብሉ ሰሚዐ፡" ብምባል ንቢቢሲ ትገልጽ።
"ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ምስ ምዕራባውያን ዘሎ ርክብን ሃብታም ኣብ ዝዀነት ኣህጉር ንምንታይ ድኽነት ኣሎ፣ ብምባል ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን፡ መልእኽትታቱ ነቲ ንነብረሉ ዘለና ዘበን ዘንጸባርቕ'ዩ፡" ትብል።
ኣብ 2022 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ስርዓት ትራኦረ ምስታ ባዕዳዊት ገዛኢት ሃገሩ ዝነበረት ፈረንሳ ዝነበረ ርክብ ብምቍራጽ ምስ ሩስያ ጽኑዕ ልፍንቲ መስሪቱ። በዚ ድማ፡ ሩስያዊ ሓውሲ ወተሃደራዊ ብርጌድ ናብ ቡርኪናፋሶ ኣዋፊራ፣ ጸጋማዊ ቍጠባዊ ፖሊሲታት ተግባራዊ ገይሩ።
ምምስራት ብመንግስቲ ዝውነኑ ትካላት ዕደና፣ ትካላት ዕደና ወጻኢ ድማ ካብቲ ዝረኽብኦ መኽሰብ፡ መንግስቲ 15 ሚእታዊት ብጽሒት ክህልዎን፡ እተን ትካላት ድማ ንደቂዓዲ ክእለት ከውርሳን (ከሰልጥናን) ዝብሉን ዘጠቓለለ እዩ።
እዚ መምርሒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ፍቓድ ረኺቡ ኣብ ኢንዳስትሪ ወርቂ ቡርኪናፋሶ ተዋፊሩ ንዝርከብ ሩስያዊ ዓዳኒ ኖርድጎልድ'ውን ዝምልከት እዩ።
ከም ኣካል እቲ ትራኦረ "ሰውራ" ዝብሎ ድማ ቡርኪናፋሶ ካብ ሃብቲ ማዕድናታ ረብሓታታ ንምርግጋጽ፡ እቲ ጁንታ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን መጻረዪ ወርቂ ይሃንጽን ሃገራዊ ዕቑር ወርቂ ይምስርትን ኣሎ።
ይዅን'ምበር፡ ብምዕራባውያን ዝውነና ትካላት ከቢድ እዋን ዘጋጠመን ይመስል። ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ሳራማ ሪሶርስስ፡ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ እቲ ትካል ኣብታ ሃገር ዳህሳስ ከካይድ ዝሃቦ ፍቓድ ድሕሪ ምስራዙ፡ እቲ ትካል ኣብ 2024 ናብ ዓለምለኸ ሽምግልና ኣምሪሑ ነይሩ።
እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቡርኪናፋሶ፡ ቅድም ክብል'ውን ኣብ ለንደን ብዝመደበሩ ትካል ዝውነኑ ዝነበሩ ክልተ ትካላት ዕደና ወርቂ ብምምንጣል ሃገራዊ ዋንነት ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ተወሰኽቲ ብትካላት ወጻኢ ዝውነኑ ትካላት ዕደና ክቈጻጸር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ጸጥታ ደቡብ ኣፍሪቃ ተማራማሪ ሄኖክ ራንዲ ኣይኪንስ ድማ ሱር በተኻዊ ጽገናታት ትራኦረ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ተፈታውነት ሰማይ ከም ዘዕረጎ ይገልጽ።
እቲ ተመራማሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሱ ኣብዚ ጊዘ'ዚ ብዘየጠራጥር ናይ ኣፍሪቃ ስሙይ፡ እንተዘይኰይኑ ድማ ተፈታዊ ፕረዝደንት'ዩ፡" ይብል።
ነቲ ሰውራዊ ምስሉ ንምጕልባት ዝዓለሙ ስኑዓት ልጣፋት ሓዊሱ፡ ስሙይነት ኢብራሂም ትራኦረ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ተወንጪፉ'ዩ።
ብኪነታዊ-ብልሒ (ኤኣይ) ዝተሰርሑ ቪድዮታት ከዋኽብቲ ሙዚቃ ኣር ኬሊ፡ ሪሃና፡ ጀስቲን ቢበርን ቢዮንሰን ብደርፍታቶም ዘለኣለማዊ ተዘካሪ ክገብርዎ ይረኣዩ። እቶም ድምጻውያን ግና ብጋህዲ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣይሰርሑን።
ኦቼንግ፡ ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ሩስያ፡ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ሃጸያውያን (ምዕራባውያን) ኣውታር ሙዚቃ ኣብ ዝወቕዕሉ ከም ኣሻንጉሊት ምስዕሳዕ ኣቋርጹ፡" ብምባል እንክዛረብ ንፈለማ እዋን ቀልቢ ኣፍሪቃውያን ከም ዝገዝአ ትገልጽ።
እዚ ዘረብኡ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ ዝያዳ ዝተጋውሐ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ድማ ፓን ኣፍሪቃዊ ምስሊ ትራኦረ ንኽደምቕ ዕዙዝ ግደ ነይርዎ።
ቤቨርሊ ኦቼንግ፡ "ዝዀነ ዓሌታውነት፡ ባዕዳዊ መግዛእትን ግልያነትን ዘጋጠሞ ሰብ ምስ መልእኽታቱ ክዛመድ ይኽእል'ዩ፡" ትብል ኣፍሪቃዊት-ኣመሪካዊት ራፐር ሜክ ሚል ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ትራኦረ፡ "ክንደየናይ ጕልበቱን ልቡን" ከም ዝፈትዎ ብመንገዲ ኤክስ ምግላጹ ብምሕባር። እቲ ራፐር ብዝወረዶ ባጫ ግና ድሒሩ ነቲ ልጣፉ ኣልይዎ እዩ።
ፕረዝደንት ፈረንሳ ግና ደጋፊ ኢብራሂም ትራኦረ ኣይኰነን። "ንርእሱ ፓን ኣፍሪቃዊ ኢሉ ምስ ዝስይምን ኪንዮ ኤምበራጦርያን ዝካየድ ትርጉም ኣልቦ ልፍንቲ፡" ብምባል ኣባጭይሉ።
ኢማኑወል ማክሮን፡ ኣብ 2023 ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ባዕዳዊ ግዝኣት ፈረንሳ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ዕልዋ መንግስቲ ብምልዕዓልን ታሪኽ ንጅኦፖለቲካዊ ረብሓ ብምጥቃምን ንሩስያን ፈረንሳን ከሲሱ ነይሩ።
ትራኦረ ዋላ'ኳ ን10 ዓመታት ዝቐጸለ እስላማዊ ናዕቢ ደው ከብሎ ዝኣተዎ መብጽዓ እንተ ዘይፈጸመ፡ ገና ተፈታዊ እዩ ዘሎ። እዚ ናዕቢ ብሄራዊ ሽግር ፈጢሩ ናብ ከም ብዓል ቤኒን ዝኣመሰላ ሰላም ዘለወን ናይ ቀረባ ሃገራት ተዘርጊሑ ኣሎ።
እቲ ጁንታ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓመወቲ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ፡ ስቪላዊ ማሕበራትን ነቐፍትን'ውን ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ፡ ካብዚኦም ዶካትርን ዳያኑን ናብቲ ኣንጽር ጅሃዳውያን ዝካየድ ቅድመ ግንባር ኵናት ብምልኣኽ ቀጺዕዎም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሳንካራ ኣብ 1983 ኣብ መበል 33 ዓመቱ እዩ "ዓዲ ኣቦ (ቡርኪናፋሶ) ወይ ሞት፣ ክንዕወት ኢና፡" ብዝብል ሰውራዊ ጭርሕኡ ብዕልዋ መንግስቲ ናብ ስልጣን ደይቡ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ድማ ተቐቲሉ። እዚ ንፖለቲካዊ ዑደት ፈረንሳ ኣብ ቡርኪናፋሶ በሪ ዝጋሕግሐ ኰይኑ። ትራኦረ ኣብ 2022 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ብምዕታር ንፖለቲካዊ ዑደት (ጽልዋ) ፈረንሳ ኣብ ቡርኪናፋሶ በቲኽዎ።
ጋናዊ ተንታኒ ጸጥታ ፕሮፌሰር ክዌሲ ኣኒንግ፡ ተፈታውነት ወተሃደራዊ መራሒ ኢብራሂም ትራኦረ፡ ኣብታ ኣህጉር ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘንጸባርቕ ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ይገልጽ።
"ደሞክራሲ ነቲ መንእሰይ ተስፋ ክህብ ኣይከኣለን። ዕድል ስራሕ፡ ዝሐሸ ትምህርቲ ወይ ጥዕና ኣይፈጠረን፡" ይብል።
ትራኦረ፡ "ኣማራጺ የቕርብን ንመንፈስ ክልተ መዋእላት መሊሱ ይቈጻጸርን ኣሎ፡" ይብል።
- ድሕረ ናጽነት ንዘሎ ዘበን፡ ከም ጋናዊ ክዋመ ኑክሩማን ዛምቢያዊ ኬነት ካውንዳ ዝነበርሉ መዋእል።
- ድሒሩ ድማ ቶማስ ሳንካራን ጄሪ ራውሊንግስን ዝነበርሉ ግዜ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







