ፈስቲቫል ሽወደን፡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዶም

ሓደ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ቀጽሪ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ቀጽሪ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን

መንእሰያት ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሽወደን ብደገፍቲ መንግስቲ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ኤርትራ ብምቅዋም ናብቲ ቦታ ብምኻድ፡ ጥሒሶም ናብቲ ቀንዲ ቦታ ብምእታው ተተኺሉ ንዝነበረ ዳሳት ኣዕንዮምን ኣቃጺሎምን።

ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከምዝሓበርዎ፡ ኣስታት 1000 ዝዀኑ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ ዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ፡ ናብቲ ካብ ሎሚ ሓሙስ ክሳብ ሰንበት 6 ነሓሰ ፈስቲቫል ከአንግድ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስቶክሆልም ዝርከብ ያርቫ ዝተባህለ ቦታ ዝተዳለወ ቀጽሪ ጥሒሶም ብምእታው፡ ቴንዳታት ኣቃጺሎምን ንብረት ኣዕንዮምን።

ጸሊም ትኪ ናብ ሰማይ ክዓርግ ዘርእዩ ኣሳእልን ቪድዮታትን ካብቲ ቦታ ይወጹ ኣለዉ።

ሸውዓተ ሰባት ኣብቲ ናዕቢ ከምዝቘሰሉን፡ ኣርባዕተ ካብኦም ብኸቢድ ዝተሃስዩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ሰለስተ ድማ ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም ቲቪ4 ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሽወደን ሓቢሩ።

ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ሓቢሩ ክብል'ውን ቲቪ4 ጸብጺቡ'ሎ።

ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ነቲ ጎነጽ ብምንቃፍ፡ ሃገሩ ናብ ውሽጣዊ ግርጭታት ካልኦት ሃገራት ክትድፋእ ከምዘይደሊ ተዛሪቡ።

ናብቲ ቦታ ሪፓርተር ዝለኣኸ 'ኤክስፕረሰ' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜን ርእሰከተማ ስቶክሆልም ዝርከብ ቦታ ዕትሮ ጋዝ ብምንባሩ ነትጒ ከየጋጥም ተሰጊኡ ነይሩ።

"እቶም ተቓወምቲ ንሓጹር ፖሊስ ብምስባር፡ ናብቲ ብኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ዝተዳለወ ብምእታው ኣእማን ደርብዮም" ክብል እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ዝዓነወ

ምንጪ ስእሊ, ERISAT

ኣባላት ፖሊስ ነቲ ኵነታት ንምህዳእ ኣብቲ ቦታ ከምዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጊሰን ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኤርትራ ተመሳሳሊ ግጭት ተፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ብሪጣንያ'ውን፡ ኣብ ለንደን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ብመንግስቲን ደገፍቱን ዝተወደበ ፌስቲቫል ብሰንኪ ተቓወምቲ ዝፈጠርዎ ጸቕጢ ተሰሪዙ'ዩ።

ኣመዓባብላ እቲ ናዕቢ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ፈስቲቫል ካብ 3 ክሳብ 6 ነሓሰ ንኽቕጽል ዝተኸፍተ ኰይኑ፡ ንቈልዑን ዓበይቲን ዘጠቓለለ ባህላዊ መደባት፡ ከምኡ'ውን ሰሚናራት ክቐርበሉ ትጽቢት ተገይሩ ዝነበረ'ዩ።

እንተኾነ፡ እቶም ተቓወምቲ ነቲ ፌስቲቫል ንምብታን ከወዳደቡን ከፈራርሑን ጸኒሖም እዮም።

ሓሙስ 3 ነሓሰ፡ ድማ ኣንጻር እቲ ፌስቲቫል ሰልፊ ተቓውሞ ክገብሩ ተፈቒድሎም ነይሩ።

ድሕሪ ቀትሪ ተሰሊፎም ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ስቶክሆልም ዝርከብ ቦታ ፈስቲቫል ብምምራሕ፡ መስመር መከላኸሊ ፖሊስ ሰቢሮም ነቲ ፈስቲቫል ወሪሮሞ።

ኣብ ውሽጢ ምስኣተዉ ኸኣ ቴንዳታት ፈስቲቫል ኣፍሪሶምን ኣቃጺሎምን። ብዘይካ'ዚ ሓያለ መካይን ብሓዊ ከምዝተቓጸላ ጸብጻባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ናዕበኛታት ነቲ ሓጺን ዳስ ከም ኣጽዋር ኣንጻር ፖሊስ ከምዝተጠቕምሉን ኣእማን ከምዝደርበዩን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ መካይንን ዳሳትን ሓዊ ክነድድ የርኢ።

ኣብቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ሓያለ ሰባት ብኸቢድን ቀሊልን ከምዝቘሰሉ'ውን ይግለጽ ኣሎ። ፖሊስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝዀነ ይዅን መጉዳእቲ ከምየዘጋጠመ ይሕብር።

ድሕሪ'ቲ ናዕቢ ሓያለ ካብቶም ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ካብቲ ቦታ ዝሃደሙ ሰባት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጽርግያ ስለዝዓጸውዎ፡ ፖሊስ ንሓደ ክፋል ናይቲ ጽርግያ ብኽልቲኡ ኣንፈት ከርዲንዎ'ሎ።

ብዙሓት ካብቶም ተቓወምቲ መንእሰያት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ'ውን ማዕከናት ዜና ገሊጸን ኣለዋ።

ሽወደን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ዝነብሩላ ሃገር እያ።

እንተዀነ፡ እቲ ባህላዊ ፈስቲቫላት፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ምንጪ ገንዘብ ኰይኑ የገልግል’ዩ ብምባል'ዮም ዝቃወምዎ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ዝፈለመ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክጽንበል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኤርትራ፡ እቲ ፈስቲቫል ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ምዃኑ'ኳ እንተመጐቱ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ናይቲ ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘተግብር'ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጠንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ምስቲ ዝፍጠር ዘሎ ጎነጽ ብዝተሓሓዝ ንገለ ሃገራት ኣውሮጳ ነቒፉ ነይሩ።