ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ፡ ተመሃሮ 11 ክፍሊ ናብ ሳዋ ይኸዱ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, MOI/twitter
11 ክፍሊ ትምህርቶም ዝወድኡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኤርትራ ናብ ማእከል ወተሃደራዊ ስልጠና ሳዋ ይወርዱ ከምዘለዉ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እቶም ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ዝኸዱ ዘለዉ ተመሃሮ፡ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ናይ መበል 12 ክፍሊ ትምህርቶምን ወተሃደራዊ ስልጠናን ክወስዱ'ዮም።
እዞም ተመሃሮ ንመበል 36 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ኣብ 1994 ዝፈለመ መዓስከር ዝወርዱ ዘለዉ'ዮም።
ካብ 2003 ጀሚሩ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ መላእ ሃገር፡ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ድሕሪ ምውድኦም፡ መበል ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ናብቲ ኣብ ሳዋ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ 'ዋርሳይ ይከኣሎ' ክቕጽሉ ከምዝተገብረ ይዝከር።
ፖለቲካዊ ትምህርቲ'ውን ኣካል እቲ ዝወስድዎ ስልጠና እዩ።
ካብቶም ካብ ዞባ ማእከል ብ28 ሓምለ፡ ከምኡ'ውን ብሰሉስ 1 ነሓሰ ዝተበገሱ ተመሃሮ፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ምዃነን እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቶም ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ዝንገረሎም ተመሃሮ፡ ናብቲ በዳሂ ወተሃደራዊን ኣካዳሚያዊን ስልጠና ዝወሃበሉ ኵነታት ንኽኣትዉ ምድላዋት ከምዝገበሩ'ዩ ዝሕበር።
"እቶም ተመሃሮ፡ ኣካላዊን ስነኣእምሮኣውን ምድላዋት ክገብሩ እኹል ግዜ ነይርዎም'ዩ" ክብል ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ እቲ ዞባ ኣቶ በላይ ሃብተጋብር ከምዝተዛረበ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ዜና ይገልጽ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፈለማ ን18 ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ገደብ ኣልቦ እናቐየሮ ምምጽኡ ይፍለጥ። ተሳተፍቲ ኣገልግሎት ዝበዝሑ ናብ ሰራዊት ክምደቡ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ሲቪላውያን ትካላት ከገልግሉ ይግደዱ።
ብፍላይ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ሳዋ ከምዝውድኡ ምግባር ገሊኦም ካብቲ ገደብኣልቦ ኣገልግሎት ንምህዳም ጠቕሊሎም ካብ ትምህርቲ ከምዝቦኽሩ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
እቶም ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ካብ ሓለፍቲ ዝተፈላለየ ዓመጻትን ምስርጣያትን ከምዝወርዶምን፡ እቲ ኣብቲ መዓስከር ዝወሃቦም ደረጃ ትምህርቲ'ውን ትሑት ምዃኑ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
"ሓለፍቲ መዓስከር ሳዋ ዝግበረሎም ጾታዊ ምስርጣይን ጐነጽን ዝርከቦ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፡ ኣብ ውሑስን ምቹእ ሃዋሁ ኮይኖም ክመሃሩ ንዝጠልብ መሰላቶም ብኣሉታ ዝጸሉ'ዩ።"
ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ሰራዊት ድሕሪ ምጽንባሮም'ውን ኣብ ቀጻሊ ግዱድ ስራሕ ክሳተፉ ከምዝቕሰቡ ይግለጽ።
ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ምዃና ሓደ መጽናዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር ግን ነቲ ኣንጻሮም ዝቐርብ ክስታት ምግሃስ መሰላት ንምስሊ ኤርትራ ንምውድዋን ዝዓለመ "ሽርሒ" ክብሉ ይነጽግዎ።

ምንጪ ስእሊ, MOI/twitter
ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክረምቲ ናብ ሳዋ ዝወረዱ ተመሃሮ ትምህርቶምን ወተሃደራዊ ታዕሊሞምን ብምዝዛም ብ15 ሓምለ ምምራቘም ይዝከር።
ሰብመዚ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡእ ነፍሲ-ወከፍ ዝምልከቶ ዜጋ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ዝቐጸለ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ክናዋሕ ግድን ምዃኑ'ዮም ክምጕቱ ጸኒሖም።
ተሓለቕቲ መሰላትን ፖለቲካውያን ተቓወምትን ግን እቲ ብዘይሃገራዊ ምርጫ ነታ ሃገር ንልዕሊ 30 ዓመት ዝመርሓ ዘሎ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምእዙዝነት መንእሰያት እታ ሃገር ንምርግጋጽ ዝጥቀመሉ'ዩ ክብሉ ይኸሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ካብቲ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምህዳም፡ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ገደብ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊን ናጽነታት ካብታ ሃገሮም ብምውጻእ ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዝተገደዱ ጸብጸባት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







