ኣብ ኤርትራ 'ዘመናዊ ጊልያነት' ከምዘሎ ዝጠቅስ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ

ምንጪ ስእሊ, ማርቲን ፕላውት
ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ምዃና ሓደ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ዝርዝር ሞውሪታንያ፡ ስዑዲ ዓረብን ቱርክን ንኤርትራ ስዒበን ከምዝተሰርዓ ጸብጻብ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ጊላነት 2023 ይገልጽ።
ካብ ነፍሲ ወከፍ 1000 ሰብ ኣብ ሰሜን ኮርያ እቶም 104.6 ኣብ ኤርትራ እቶም 90.3 ኣብ ሞውሪታንያ ከኣ 32 ሰባት ኣብ ዘመናዊ ጊላነት ከምዝርከቡ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ብግዱድ ዕዮን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብተደጋጋሚ ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ጸብጻብ ዝሃቦ ግብረመልሲ'ኳ ዛጊት እንተዘየለ፡ ምስሊ እታ ሃገር ንምድዋንን ንምንጻላን ዝግበር ሽርሒ ብምባል ቅድሚ ሕጂ ንዝወጽአ ተመሳሳሊ ጸብጻባት ጊልያነት ክነጽጎ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ "ልምዓታዊ" ፕሮጀክትታት ክሰርሑ ይግደዱ።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምህናጽ ዲጋታትን ጽርግያታትን፡ ከምኡ'ውእን ኣብ ሕርሻዊ ማእቶታዊ ንጥፈታት ክሳተፉ ምጽንሖም ጸብጻባት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።
ተሓለቕቲ መሰላት ግን ተሳትፎ ናይቶም መንእሰያት ግዱድ ምዃኑን ብዘይድሌቶም ኣብ ገደበ-ኣልቦ ኣገልግሎት ከምዝቝረኑ ምግባር ምስ ጊልያነት ዝዳረግ'ዩ ክብሉ ይምጕቱ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቖ ህንጸትን ምክልኻል ልኡላውነትን ህዝብን ሃገርን ኰይኑ መርኣያ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ'ዩ ብምባል'ዮም ዝገልጽዎ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዘመናዊ ጊላነት ኣተኲሩ ብዝሰርሕ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት 'ዎክ ፍሪ' እዩ ተኻይዱ።
መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን ዎክ ፍሪ ግሬስ ፎረስት፡ እቲ ኵነታት "መንቅሒ ደውል'ዩ" ክትብል ትገልጾ።
“50 ሚልዮን ሰባት ሎሚ ኣብ ዘመናዊ ባርነት ይነብሩ ኣለው ዝብል ጸብጻብ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ መንግስታት መንቅሒ ደወል ክኸውን ይግባኦ። ብዛዕባ ሕሉፍ ምዝመዛ ኢና ንዛረብ ዘለና።"
እቲ መጽናዕቲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ዙርያ ዓለም ይውስኽ ምህላው ኣጠንቂቝ። ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ታጃኪስታን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሩስያ፡ ኣፍጋኒስታንን ኩዌትን ኣብቲ ዝርዝር ምስ ቀዳሞት 10 ዝተቐመጣ እየን።
ብረቡዕ ዝተሓትመ ጸብጻብ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ጊላነት፡ ኣብ 2021 ኣብ ዓለም ከባቢ 50 ሚልዮን ሰባት ኣብ “ኵነታት ዘመናዊ ጊላነት” ከምዘለው ከረድእ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብ 10 ሚልዮን ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።
ካብዚኦም እቶም 28 ሚልዮን ኣብ ግዱድ ዕዮ እቶም 22 ሚልዮን ከኣ ኣብ ግዱድ መርዓ ከምዝርከቡ ይገልጽ።
እታ ሓላፊት ናይቲ ትካል ከምትብሎ፡ "እዚ፡ ግዱድ ሽቕለት፡ ግዱድ መርዓ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ብመንግስቲ ዝትግበር ግዱድ ሽቕለት ዘጠቓልል ኰይኑ ሓደ ሰብ ንውልቃዊ ኮነ ንፋይናንስያዊ ረብሓ ብኻልእ ሰብ ክብዝበዝ ከሎ እዩ።
"እዚ መዐቐኒ ዝረኸቦ ሓደ ዘገርም ነገር ግን፡ ካብቶም ኣብ ዘመናዊ ጊላነት ዝነብሩ ሰባት እቶም ሓምሳ ሚእታዊ ኣብ ሃገራት ጉጅለ-20 ዝርከቡ ምዃኖም እዩ።”
ብ ‘ጉጅለ-20’ ዝፍለጣ ሃብታማት ሃገራት ዓለም ካብ መንጐ እተን “ዘመናዊ ጊላነት” ዘጋድዳ ሃገራት ምዃነን እቲ ጸብጻብ ከረድእ እንከሎ፡ ህንዲ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ኢንዶኔዥያ፡ ቱርኪን ኣሜሪካን ኣብ ቅድሚት ተጠቒሰን ዘለዋ እየን።
ዘመናዊ ጊላነት ኣብ ኵሉ ክፋላት ዓለም ከምዘሎ እትገልጽ ግሬስ፡ ሃገራት ዓረብ በቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዘስገድዳኦ ስርዓት 'ከፋላ' ኣብ ቅድሚት ምህላወን ሓቢራ።
"ንፈለማ እዋን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኩዌትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስ ቀዳሞት 10 ተሰሪዐን ኣለዋ። ካልእ፡ ኣሜሪካ ንፈለማ እዋን ምስ ቻይና፡ ህንድን ካልኦትን ብቝጠባ ዝዓበያ ሃገራት ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዘመናዊ ባርነት ዘለወን ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ 1.1 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘመናዊ ጊላነት ይነብሩ ምህላዎም ዘሰንብድ ሓቂ እዩ።
“ኣኼባ ሃገራት ጕጅለ-7 ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ተኻይዱ። ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ሃገራት ክዛረቡ ርኢና።
"ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ፡ ሃገራት ጕጅለ-7 ጥራይ 355 ቢልዮን ዶላር ሓደጋ እትዋት ኣለዎ። ብዙሕ እቲ ንብረት ብግዱድ ሽቕለት ዝፈሪ ክኸውን ይኽአል’ዩ። እዚ፡ ተኸዲንክዮ ካብ ዘለኺ ካምቻ ክሳዕ መሳርሒታት ጸሓያዊ ጸዓት ክኸውን ይኽእል።”
ዘመናዊ ጊላነት ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዓለም ጥራይ ከምዘሎ ዘስምዕ ግጉይ ግንዛበ ከምዝጸንሐ ዘረድአት እታ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ብሪጣንያ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ኣብ ኵነታት ዘመናዊ ጊላነት ምህላዎም ሓቢራ። ኣብ ኣውስትራልያ’ውን ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት እቲ ኣሃዝ ካብ 15 ሽሕ ናብ 41 ሽሕ ዓብዩ ኣሎ ኢላ።
ኣብቲ ዝርዝር፡ ዝተሓተ ዘመናዊ ባርነት ዝረኣየለን ሃገራት ዝተባሃላ ስዊዘርላንድ፡ ኖርወይ፡ ጀርመን፡ ኔዘርላንድስ፡ ሽወደን፡ ዴንማርክ፡ ቤልጅዩም፡ ኣየርላንድ፡ ጃፓንን ፊንላንድን ክዀና እንከለዋ እዚአን’ውን ካብ መንጐ እተን ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ‘ጕጅለ 20’ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







