ሊቨርፑል ማንቸስተር ሲቲ፡ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ ጸወታ እዚ ሰሙን

ሳላሕን ሃላንድን

ሰንበት 1 ታሕሳስ፡ ማንቸስተር ሲቲ ናብ ኣንፊልድ ተጓዒዛ ምስ ሊቨርፑል እተካይዶ ግጥም ብኣጋኡ ዓቢይ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ።

ሲቲ፡ ኣብ ፕረሚየር ሊግ ተኸታታሊ ስዕረት ከተመዝግብ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን ማዕረ ምፍልላያ እውን፡ ንቍመናኣን ስነልቦናዊ ኵነታት ተጻወታን ዘመልክት ትሑት ብቕዓት ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ተንታንቲ ስፖርት ቢቢሲ ክሪስ ሱተን፡ ዓባይ ዝነበረት ጋንታ፡ ሕጂ ነተን ኣብ ማእከላይ ደረጃ ዝስርዓ ጋንታታት መሲላ ኣላ ክብል ገሊጹ። ነዚ ናይዚ ሰሙን ኣመልኪቱ ካብ ዝሃቦ ግምታት ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ቀዳም ብሬንትፎርድ ምስ ሌስተር

እቲ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ህቡብ ዝነበረ ሆላንዳዊ ሩስ ቫን ኒስተልሮይ ክሳብ ሕጂ ንሌስተር ከሰልጥን ብዛዕባ ምዃኑ ብወግዒ ዝተረጋገጸ ነገር የለን። እቲ ኣሰልጣኒ፡ ክሳብ እዛ ጸወታ ትሓልፍ ናብታ ጋንታ እንተዘይጽንበር ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ ብሬንትፎርድ ኣብዚ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ቍመና ዘላ ጋንታ ስለዝዀነት፡ ሌስተር ብውሑዱ በቲ ዝጸንሓ ኣቃውማ ክትገጥማ ይሓይሽ።

ግምት፡ 2 – 1

ክሪስታል ፓላስ ምስ ኒውካስል

ኣብ ውድድር እዚ ዓመት፡ ኣብ ሓንቲ ጸወታ ጥራይ ዓወት ከተመዝግብ ዝኸኣለትን ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣስቶን ቪላ ማዕረ ዝተፈላለየትን ክሪስታል ፓላስ፡ ነጥቢ ከተዋህልል ግድነት እዩ።

እንተዀነ እዚ ጸወታ’ዚ ብቐሊሉ ሰለስተ ነጥቢ እትረኽበሉ ኣይኰነን። ኒውካስል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝወረዳ ስዕረት ክትነቅሕ ትኽእል እያ፤ ኰይኑ ግን ኒውካስል እውን ትስዕር ኣይትመስል። ስለዚ ብማዕረ ውጽኢት ክዛዘም ይኽእል እዩ።

ግምት፡ 1 – 1

ኖቲንግሃምፎረስት ምስ ኢፕስዊች

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢፕስዊች፡ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ማዕረ’ኳ እንተተፈላለየት፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ግን ክትሰዓር እያ። ኢፕስዊች፡ ሓያላት ተጻወትቲ ዝሓዘት ጋንታ ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ጽቡቕ ናይ ጋንታ ጸወታ’ውን ኣለዋ። ብሰንኪ ኣንድሬ ኦናና እንተዘይኰይኑ ማንቸስተር ዓወት ይግብኦም ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ስዕረት ኖቲንግሃም ናብ ዓወት ክትምለስ ትኽ፤እል እያ። ክሪስ ዉድ ናብ ቀዋሚ ተሰላፍነት እንተተመሊሱ ዓወት እታ ጋንታ ዘይተርፍ እዩ።

ግምት፡ 2 – 1

ዎልቭስ ምስ በርንማውዝ

ዎልቭስ ነዚ ዓመተ ውድድር ብሕማቕ ኣጀማምራ’ኳ እንተ’ኣተወቶ፡ ውጽኢት ከተመዝግብ ግን ጀሚራ ኣላ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ፉልሃም ዘመዝገብዎ ዓወት ድማ መርኣያ እዩ።

በንማውዝ ብብራይተንን ብሬንትፎርድን ስዕረት’ኳ እንተመዝገበት ጽቡቓት ዕድላት ክትፈጥር ክኢላ እያ። ስለዚ ኣብዚ ጸወታ ሓያለ ሸቶታት ክምዝገባን፡ ክልቲአን ጋንታታት ድማ ማዕረ ክፈላለያን እየን።

ግምት፡ 2 – 2

ዌስትሃም ኣንጻር ኣርሰናል

ዌስትሃም ምስ ኣርሰናል

ዌስትሃም ድሕሪ ዘርኣየቶ ድኹም ኣጀማምራ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ኒውካስል ብምዕዋት ኣገደስቲ ሰለስተ ነጥቢ ኣውሒሳ እያ።

ማርቲን ኦደጋርድ ካብ ማህረምቲ ምስ ዝተመልሳን ዳግማይ ትትንስእ ምስ ዘላን ኣርሰናል ክትገጥም ግን ጽቡቕ ግዜ ኣይኰነን።

መድፈዐኛታት ብዘይሓለቓ ጋንታኦም ምሉኣት ኣይኰኑን፤ ንሱ ምስ ተመልሰ ግን ፍልልይ ከም ዘምጽእ ኣረጋጊጹ እዩ።

ግምት፡ 0 – 1

ቸልሲ ኣንጻር ኣስቶንቪላ

ኣስቶንቪላ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ዕዉት ውጽኢት ኣይረኸበትን፤ እንተዀነ ኣብ ሻምፕዮንስሊግ ኣብ ልዕሊ ጁቬንቱስ ዓወት ከተመዝግብ እተኽእላ ሸቶ ኣብ ውዱእ ሰዓት ተሰሪዛታ እያ።

ሓላዊ ልዳት ኤሚ ማርቲነዝ ብሉጽ ሓላዊ ልዳት'ኳ እንተዀነ ኣብዚ ጸወታ ግን ሸቶ ከይተመዝገቦ ክወጽእ ከቢድ ክኸውን እዩ።

ቸልሲ ነዚ ጸወታ ብመሪሕነት ክትዛዝሞ እያ። ኮል ፓልመር ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ጽቡቕ ኣብ ዘየለወሉ ዓመት፡ ኒኮላስ ጃክሰን ሸቶታት የመዝግበላ ኣሎ።

ግምት፡ 2 – 1

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ኤቨርተን

ድሕሪ ምምጻእ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ማንቸስተር ዩናይትድ ተስፋ’ኳ እንተረኸበት፡ እዚ ተስፋ ናብ ጭቡጥ ውጽኢት ዝቕየር ግን ድሕሪ ክልተ ሰለስተ መስኮት ምዕዳግ ተጻወትቲ እዩ።

ኣንጻር ኢፕስዊች ዝተራእየ ኣገባብ ጽቡቕ ነይሩ፡ እንተዀነ ገና ድኽመታት ከምዘለዉ ድማ ተራእዮም እዮም።

እታ ጋንታ ክርስቲያን ኤሪክሰንን ካሰሚሮን ኣብ መበገሲ ኣሰላልፋ ሒዛ 3-4-3 ቅዲ ጸወታ ከተካይድ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተራእዩ እዩ።

ሻውን ዳይች ዝመርሓ ጋንታ ዝሓለፈ ሰሙን ን10 ተጻወትቲ ዝሓዘት ብሬንትፎርድ ክትስዕር ኣይከ’ኣለትን።

ዩናይትድ እውን ናብ ዝድለ ደረጃ ክትበጽሕ ግዜ ስለ ዘድልያ ግን እዚ ጸወታ ንኤቨርተን ጽቡቕ ዕድል እዩ።

ግምት፡ 1 – 1

ቶተንሃም ምስ ፉልሃም

ቶተንሃም ዝሓለፈ ሰሙን ወሰንቲ ተኸላኸልታ ኣብዘይነበሩሉ፡ ሸቶ ከይተመዝገባ ንማንቸስተር ሲቲ 4-0 ክትስዕራ ክኢላ እያ።

ሓላዊ ልዳት ጉጊልሞ ቪካርዮ ብመስበርቲ እትከስሮ ቶተንሃም ንፍሬዘር ፎስተር ሒዛ እያ ትገጥም። ከም ቪካርዮ ብእግሪ ክጻወት ኣይክእልን'ዩ።

ሎሚ ዓመት ብዘይካ'ቲ ኣንጻር ዩናይትድ ዘካየደቶ ጸወታ፡ ፉልሃም ኣብ ኩሉ ጸወታታታ ሸቶታት ኣመዝጊባ'ያ።

ፉልሃም ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዘይካ’ቲ ምስ ዩናይትድ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ ኵሉ ጸወታታት ሸቶ ኣመዝጊባ እያ። ኣብዚ ጸወታ’ውን ሸቶ ከተመዝግብ ትኽእል እምበር፡ ኣጥቃዕቲ ቶተንሃም ከም ኣብ ጸወታ ምስ ሲቲ ብብቕዓት ክንቀሳቐሱ እንተኽኢሎም፡ እቲ ዓወት ሎሚ’ውን ናብኣቶም እዩ።

ግምት፡ 3 – 1

ሊቨርፑል ምስ ማንቸስተር ሲቲ

ሊቨርፑል ምስ ማንቸስተር ሲቲ

ሊቨርፑል ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ዓቢ ዓወት ኣመዝጊባ እያ። እንተዀነ ኮነር ብራድሊ ብመስበርቲ ክወጽእ ተገዲዱ፤ ኢብራሂማ ኮናተ'ውን ሕማቕ ኣወዳድቓ ኣጋጢም እዩ።

ምስላፍ ክልቲኦም ተጻወትቲ ኣብ ውጽኢት ናይዚ ጸወታ ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

ብኣንጻሩ ኤርሊን ሃላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ሸቶ ኣየመዝገበን፤ ንሱ ሸቶ እንተዘይኣመዝጊቡ ድማ እታ ጋንታ ውጽኢታዊት ኣይክትከውንን እያ።

ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ዘርኣየቶ ካብ ስለስተ ንባዶ 3 ብ 3 ምፍልላያ ንኵነታት እታ ጋንታ ዓቢይ መርኣያ እዩ።

ጋርድዮላ ኣብ ከቢድ ጭንቀት እዩ ዝርከብ፤ ርእሰ ተኣማንነት ተጻወትቲ እውን ወሪዱ ኣሎ።

እታ ጋንታ ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ጸወታ ክቕይሩን ክሳብ ክንደይ ዓባይ ጋንታ ምዃና ከረጋግጹ ዝኽእሉን ተጻወትቲ እውን ኣለውዋ።

ኮናተን ብራድሊን ዋላ እንተዘይተሰለፉ’ውን፡ ኣብ ኣንፊልድ ነዚ ብቐሊሉ ከተረጋግጾ ኣይከ’ኣልን እዩ።

ማእከል ሜዳ ሊቨርፑል ሓያል ብምዃኑ፡ እቲ ኣንጻር ማድሪድ ዝተራእየ ናህሪ፡ ኣብዛ ናይ ሕጂ ሲቲ ብዝያዳ ክንጸባረቕ ዝኽእል ይመስል።